ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/14 ገጽ 12-13
  • ዜደንቕ ምስጢር ንብዓትካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዜደንቕ ምስጢር ንብዓትካ
  • ንቕሑ!—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ንብዓት የሱስ እንምሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • የሆዋ ንዅሉ ንብዓትካ ይፈልጦ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 3/14 ገጽ 12-13
ሓደ ሰብኣይ ኪነብዕ ከሎ

ዜደንቕ ምስጢር ንብዓትካ

ካብታ እተወለድናላ ዕለት ጀሚርና ንበኪ ኢና። ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ ሕጻናት ከለና፡ ብስምዒታውን ብኣካላውን መዳይ ዜድልየና ነገራት ምእንቲ ኺማልኣልና ስለ እንበኪ፡ ብኽያት፡ ‘ዕትብቲ ድምጽና’ እዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዕድመ እናዓበና ኽንከይድ ከለና፡ ብኻልእ መገዲ ኽንረዳዳእ እናኸኣልና እንነብዕ ስለምንታይ ኢና፧

ስምዒታዊ ንብዓት ንዓይንና ብእተፈላለየ ምኽንያት ቅጽርጽር ከም ዚብል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ብምኽንያት ሓዘን፡ ተስፋ ምቝራጽ፡ ወይ ከኣ ብምኽንያት ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ስቓይ ክንነብዕ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ሓጐስን ራህዋን ዓወትን እውን እንተ ዀነ፡ ዝርንዝሕ ከም እንነብዕ ኪገብረና ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ናይ ሓጐስ ንብዓት እዩ። ብዘይካዚ፡ ካልእ ሰብ ኪነብዕ ከሎ ኽንርኢ ኸለና፡ ክንነብዕ ንኽእል ኢና። ማሪያ፡ “ካልእ ሰብ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ኪነብዕ ከሎ እንተ ርእየ፡ ኣነ እውን ክነብዕ እጅምር” በለት። ምናልባት ኣብ ፊልም ዝረኣኻዮ ወይ ኣብ መጽሓፍ ዘንበብካዮ ነገር ኬንብዓካ ይኽእል እዩ።

ሓንቲ ጐርዞ ኽትነብዕ ከላ፣ ሓደ ሕጻን ኪበኪ ኸሎ፣ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትነብዕ ከላ

እቲ እትነብዓሉ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ብኽያት ብዘይ ዘረባ ዚግበር ሓያል ቋንቋ እዩ። ኣዳልት ክራይንግ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብኻልእ መገዲ ኽንገልጾ ዘይንኽእል ብዙሕ ነገራት፡” ብብኽያት ኣቢልና “ኣብ ውሽጢ ሓጺር ህሞት ክንገልጾ ንኽእል ኢና” በለት። ንብዓት፡ ሓደ ስጕምቲ ንኽንወስድ ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መብዛሕትና ንብዓት ጓሂ ኽንርኢ ኸለና፡ ሓደ ሰብ ይሳቐ ኸም ዘሎ ዚሕብር ስለ ዝዀነ፡ ሸለል ክንብሎ ይኸብደና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ነቲ ዚነብዕ ዘሎ ሰብ ከነጸናንዖ ወይ ክንሕግዞ እንጽዕር።

ገሊኦም ምሁራት፡ ብኽያት ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ስምዒት ንኸነውጽኦ ኸም ዚሕግዘና፡ ንብዓትና ምዕጋት ግና ንጥዕናና ኺጐድኦ ኸም ዚኽእል ይኣምኑ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ፡ ብኽያት ዘለዎ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ጥቕሚ ብስነ ፍልጠት ከም ዘይተረጋገጸ ይገልጹ እዮም። ኰይኑ ግና፡ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ 85 ሚእታዊት ዚዀና ደቂ ኣንስትዮን 73 ሚእታዊት ዚዀኑ ደቂ ተባዕትዮን፡ ድሕሪ ምብካዮም ፍዅስ ከም ዚብሎም ገሊጾም እዮም። ኖኢሚ፡ “ሓድሓደ ግዜ ኽበኪ ኸም ዘሎኒ እፈልጥ እየ። ድሕሪ ምብካየይ፡ ኣዕሚቘ አስተንፍስ እሞ፡ ንነገራት ብሚዛናዊ መገዲ ኽርእዮ እጅምር” በለት።

መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ 85 ሚእታዊት ዚዀና ደቂ ኣንስትዮን 73 ሚእታዊት ዚዀኑ ደቂ ተባዕትዮን፡ ድሕሪ ምብካዮም ፍዅስ ከም ዚብሎም ገሊጾም

ይኹን እምበር፡ እቲ ድሕሪ ምብካይና ዚስምዓና ህድኣት፡ ኣብ ንብዓትና እተመርኰሰ ጥራይ ከይከውን ይኽእል እዩ። ካልኦት ሰባት ዚህብዎ ምላሽ እውን፡ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ንኣብነት፡ ካልኦት ሰባት፡ ክንበኪ ኸለና ስለ ዝረኣዩና ኼጸናንዑና ወይ ኪሕግዙና ኸለዉ፡ ፍዅስ ይብለና እዩ። እቶም ሰባት ጽቡቕ ምላሽ እንተ ዘይሂቦም ግና፡ ክንሓፍር ወይ ከኣ ዕሽሽ እተበሃልና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ።

ምስጢር ንብዓት ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ። ሓደ እንፈልጦ ነገር ግና ኣሎ፣ ንብዓት ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣዝዩ ዜገርም ስምዒታዊ ምላሽ እዩ።

ትፈልጥዶ፧

ሕጻናት ኪበኽዩ ኸለዉ፡ ኣይነብዑን እዮም። ንኣዒንቶም ዚከላኸለሉ እኹል ራሕሲ ኣለዎም፣ ድሕሪ ሓያሎ ሰሙናት ግና፡ እቲ ንብዓት ዚወጸሉ ቐዳዳት ምሉእ ብምሉእ ስለ ዚዓቢ፡ ኪነብዑ ይጅምሩ።

ሰለስተ ዓይነት ንብዓት

  • ባህርያዊ ንብዓት። ጽክታት ንብዓት፡ ንዓይንና ንምክልኻልን ንምትርካስን፡ ሕብሪ ኣልቦ ፈሳሲ ብቐጻሊ የዳልዉ እዮም። እቲ ፈሳሲ፡ ንናይ ምርኣይ ክእለትና እውን የመሓይሾ እዩ። ሰምሰም ክንብል ከለና፡ እቲ ፈሳሲ ኣብ ምሉእ ዓይንና ይዝርጋሕ።

  • ቅጽበታዊ ንብዓት። ገለ ነገር ኣብ ዓይንና ኺኣቱ ኸሎ፡ ቅጽበታዊ ንብዓት ንዓይንና ቕጽርጽር የብሎ። እዚ ንብዓት እዚ፡ ምስ ምምብሃቝን ምስ ሰሓቕን እውን ይተሓሓዝ እዩ።

  • ስምዒታዊ ንብዓት። እዚ ንብዓት እዚ፡ ሰባት ጥራይ ዚነብዕዎ ዀይኑ፡ ሓያል ስምዒት ኪስምዓና ኸሎ እዩ ዚመጽእ። ካብ ቅጽበታዊ ንብዓት ንላዕሊ፡ 24 ሚእታዊት ዝያዳ ፕሮቲን ዝሓዘ ድማ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ