ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/14 ገጽ 8-9
  • ጸሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸሎት
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጸሎትና ዚሰምዖ ኣካል ኣሎ ድዩ፧
  • ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዚግብኣና፧
  • ናብ መን ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ከመይ ገይርካ ብጸሎት ደገፍ ከም ዝርከብ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 9/14 ገጽ 8-9
ዚጽሊ ሰብኣይ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ጸሎት

ንጸሎትና ዚሰምዖ ኣካል ኣሎ ድዩ፧

“ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፡ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።”—መዝሙር 65:2።

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ጸሎት ‘ካብ ናሕሲ ቤት ከም ዘይሓልፍ’ ጌርካ ኺግለጽ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ ድማ መከራ ዜጋጥሞም ሰባት፡ ጸሎቶም ዚስማዕ እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣዒንቲ የሆዋ [ኣምላኽ] ናብ ጻድቃን እየን፡ ኣእዛኑ እውን ናብ ምህለላኦም እየን፣ ገጽ የሆዋ ግና ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 3:12) ብንጹር እምበኣር፡ ኣምላኽ ንጸሎት ይሰምዖ እዩ። ብፍላይ ግና ንጸሎት እቶም ንስርዓታቱ ዚስዕቡ ሰባት እዩ ዚሰምዖ። ኣምላኽ ንጸሎትና ኺሰምዖ ፍቓደኛ ምዃኑ እትሕብር ካልእ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣላ፣ “እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እዚ እዩ፦ ከምቲ ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ፡ ይሰምዓና እዩ” ድማ ትብል። (1 ዮሃንስ 5:14) ስለዚ፡ እቶም ብቕንዕና ዚልምኑ ሰባት፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ጸሎት ኣየናይ ምዃኑ ኺርድኡ ኣለዎም።

ብኸመይ ኢና ኽንጽሊ ዚግብኣና፧

“ክትጽልዩ ኸለኹም፡ . . . ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ።”—ማቴዎስ 6:7።

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ከም ሰዓብቲ ቡድህናን ካቶሊክን ሂንዱነትን ምስልምናን ዝኣመሰሉ ሰዓብቲ እተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ኪጽልዩ ኸለዉ መቝጸርያ ተጠቒሞም ጸሎት ይደግሙ እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ጸሎት ካብ ልቢ ዝመንጨወ ኪኸውንን ብቕንዕና ኪቐርብን ኣለዎ፣ ብምሽምዳድ ዚዝከርን ብሃውሪ ዚደጋገምን ኪኸውን የብሉን። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምቲ ብምብዛሕ ቃላት ዚስምዑ ዚመስሎም ኣህዛብ ዚገብርዎ፡ ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ። እምበኣር፡ ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም” ኢሉ የተባብዓና እዩ።—ማቴዎስ 6:7, 8።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ብዘይብሉ መገዲ እንተ ቐሪቡ፡ እቲ ዚጽሊ ሰብ፡ ግዜኡ ኼጥፍእ ወይ እውን ንኣምላኽ ኬጕህዮ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ዚነጽግዎ ሰባት ዜቕርብዎ ጸሎት፡ ኣብ ቅድሚኡ “ፍንፉን” ምዃኑ የጠንቅቐና እዩ።—ምሳሌ 28:9።

ናብ መን ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧

“ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ።”—ኢሳይያስ 55:6።

ሰባት እንታይ ይብሉ፧

ገሊኦም ሰባት ናብ ማርያም ወይ ከኣ ናብ ካልኦት መላእኽትን ከም “ቅዱሳን” ጌርካ ናብ ዚርኣዩ ውልቀ ሰባትን ይጽልዩ እዮም። ንኣብነት፡ “ብመንፈሳውን ብስጋውን መዳይ ዜድሊ ነገራት” ከም ዜማልእ ጌርካ ዚሕሰብ “ቅዱስ” ኣንጦንዮስ ብዓል ፓድዋ፡ ከምኡ እውን እቲ ኻብ “ዜጨንቕ ኵነታት” ከም ዚሕሉ ጌርካ ዚርአ “ቕዱስ” ይሁዳ ኺጥቀስ ይከኣል እዩ። ብዙሓት ኣመንቲ ናብዞም ከም “ቅዱሳን” ጌርካ ዚርኣዩ ውልቀ ሰባትን ናብ መላእኽትን ዚጽልዩሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኼማልዱሎም ኢሎም እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ናብቲ ‘ኣብ ሰማያት ዚነብር ኣቦና’ እዮም ኪጽልዩ ዚግብኦም። (ማቴዎስ 6:9) መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ብምባል የተባብዓና እዩ።—ፊልጲ 4:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ