ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 10/14 ገጽ 4-6
  • ናይ ሓቂ ዓወት ብኸመይ ከም ዚርከብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ዓወት ብኸመይ ከም ዚርከብ
  • ንቕሑ!—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ህይወትካ ናይ ሓቂ ኣሳልጦ ርኸብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2014
  • ዕዉት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ጻዕሪ ንዚሓትት ስራሕ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 10/14 ገጽ 4-6
ሻርሎትን ቲሞቲን

ገበር | ናይ ሓቂ ዓወት እንታይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ዓወት ብኸመይ ከም ዚርከብ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ዓወት ግቡእ ኣረኣእያ ንኺህልወና የተባብዓና እዩ። ሒደት ሰባት ጥራይ ዕዉታት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣይምህርን እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ግና፡ ነቲ ኣብ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዛንታታት ዚርከብ ሕልማዊ ኣተሓሳስባ ኣይድግፎን እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ‘ልብኻ ዚብለካ ጥራይ ስዓብ’ ዚብል ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ ሕልማዊ ኣተሓሳስባ ንቘልዑ ኻብ ሕጻንነቶም ኣትሒዙ ዚንገሮም እኳ እንተ ዀነ፡ መወዳእታኡ ግና ጓሂ እዩ።

ኵሉ ሰብ ናይ ሓቂ ዓወት ኪረክብ ይኽእል እዩ፣ ግናኸ፡ ከምኡ ምግባር ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ነዚ ዚስዕብ ስርዓታት እስከ ርአ።

  • እተኣከበ ሰልዲ

    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

    “ብሩር ዚፈቱ ብብሩር ኣይጸግብን። ሃብቲ ዚፈቱ ኸኣ ኣይረብሕን።”—መክብብ 5:10።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ፍቕረ ንዋይ ዘተኰረ ህይወት፡ ዕግበት ንምርካብ ውሕስነት ኣይከውንን እዩ። አረ ኣደዳ ጓሂ እዩ ዚገብረካ። ዶክተር ጂን ትዊንጂ ኣብታ ጀነሬሽን ሚ ዘርእስታ መጽሓፋ፡ “እቶም ብቐንዱ ኣብ ገንዘብ ዜተኵሩ ሰባት፡ ካብቶም ነቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘለዎም ድልዱል ርክብ ኣኽቢሮም ዚርእዩ ሰባት ንላዕሊ፡ ጭንቀትን ጓህን የጋጥሞም እዩ” ኢላ ጸሓፈት። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ብተደጋጋሚ እተገብረ ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ ሓጐስ ብገንዘብ ኪዕደግ ኣይክእልን እዩ፣ ንዕለታዊ እንጌራኻ ዚኸውን ኣታዊ ኽሳዕ ዝረኸብካ፡ ኣታዊኻ ኣብ ህይወትካ ኽንድቲ ጽልዋ የብሉን” በለት።

    እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሃብትን ጥሪትን ንምርካብ ዘይኰነስ፡ ዝሓሸ ዕግበት ኬምጽኣልካ ዚኽእል ነገር ንምርካብ ሸቶ ግበር። የሱስ፡ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ድማ ተሓለዉ” በለ።—ሉቃስ 12:15።

  • ዕቡይ ሰብኣይ

    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

    “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኵርዓት።”—ምሳሌ 16:18።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ትዕቢትን ኵርዓትን ናይ ሓቂ ዓወት ኣየምጽኣልካን እዩ። ጉድ ቱ ግሬት ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ እቶም ንነዊሕ እዋን ዓወት ዝረኸቡ ኣካየድቲ ትካላት፡ “ትሑታትን ኣቓልቦ ዘይስሕቡን ፍሉይ ኣትኵሮ ዘይደልዩን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ካብተን መጽናዕቲ እተገብረለን ትካላት እተን ክልተ ሲሶ፡ ኣመና ዕቡያት ኣካየድቲ ስለ ዘለዉወን፡ ኪኸስራ ወይ ከኣ ዋላ ሓንቲ ዕቤት ዘይገብራ ኪዀና ኽኢለን እየን።” ካብዚ እንታይ ንመሃር፧ ንገዛእ ርእስኻ ሰማይ ትሰቕላ እንተ ዄንካ፡ ዓወት ዘይኰነስ፡ ፍሽለት እዩ ዜጋጥመካ።

    እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ዝና ንኽትረክብ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትጽዕር፡ ትሕትና ኣማዕብል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ ሰብ ንእሽቶ ኽነሱ፡ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ እዩ ዜታልል ዘሎ” ይብል፣ ንገዛእ ርእስኻ ምትላል ከኣ፡ ዓወት ኣይኰነን። —ገላትያ 6:3።

  • ሞደሻ ዝሓዘት ኢድ

    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

    ‘ንሰብሲ ኻብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባል ዚሓይሽ የብሉን።’—መክብብ 2:24።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጻዕራም እንተ ዄንካ፡ ንስራሕካ ብዝያዳ ባህ ኢሉካ ኢኻ እትዓይዮ። ዶክተር ማድሊን ለቪን ኣብታ ቲች ዮር ችልድረን ዌል ዘርእስታ መጽሓፋ፡ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ኣብ ሓደ ዕዮ ዕዉት ክትከውን እትኽእል፡ ብጽፈት ክትዓይዮ ኸለኻ እዩ፣ ንሓደ ዕዮ ብጽፈት ንኽትዓይዮ ኸኣ፡ ጻዕርን ተስፋ ዘይምቝራጽን ይሓትት።” እዚ ኸኣ፡ ነቲ ሓድሓደ ሳዕ ኬጋጥም ዚኽእል ዕንቅፋት ምስጋሩ እውን ዜጠቓልል እዩ።

    እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብ ዕዮኻ ኽኢላ ምእንቲ ኽትከውን፡ ኣበርቲዕካ ጽዓር፣ ዕንቅፋት ኬጋጥመካ ኸሎ ድማ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ደቂ እንተ ኣልዮምኻ፡ ንዕድሚኦምን ንዓቕሞምን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ዜጋጥሞም ጸገም ባዕላቶም ንኺዋጽኡሉ ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ሃቦም። ተጓዪኻ ንዅሉ ጸገማቶም ክትፈትሓሎም ኣይትጽዓር። መንእሰያት፡ ነቲ ዜጋጥሞም ዕንቅፋታት ባዕላቶም ንኺዋጽኡሉ ኺጽዕሩ ኸለዉ፡ ናይ ሓቂ ዕግበት እዮም ዚረኽቡ፣ ንግዜ ብጽሕና ዚኸውን ጽቡቕ ስልጠና ድማ ይረኽቡ እዮም።

  • ከልቢ

    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

    “ካብ ምዉት ኣንበሳስ ህያው ከልቢ ይሐይሽ።”—መክብብ 9:4።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ዓለማዊ ስራሕካ፡ ሓደ ኽፋል ህይወትካ ደኣ ኪኸውን ኣለዎ እምበር፡ ንብምሉኡ ህይወትካ ኺቈጻጸሮ የብሉን። ከመይሲ፡ ብሞያኻ ዝመጸ ላዕሊ እኳ እንተ በጻሕካ፡ ጥዕናኻ ወይ ከኣ ኣኽብሮት ስድራ ቤትካ እንተ ስኢንካ ግና፡ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እሞ ዕዉት ክትብሃል፧ ብሓቂ ዕዉታት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ስራሖምን ኣብ ጥዕናኦምን ኣብ ናብራኦምን ሚዛናውያን እዮም።

    እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ገዛእ ርእስኻ ተኸናኸን። ብግቡእ ኣዕርፍ። ንጥዕናኻን ንስድራ ቤትካን ንዕርክነትካን መስዋእቲ ጌርካ፡ ሃምኻን ቀልብኻን ኣብ ስራሕ ጥራይ ምግባር፡ ጥቕሚ የብሉን፣ ናይ ሓሶት ዓወት ከኣ እዩ።

  • እተገንጸለ መጽሓፍ ቅዱስ

    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

    “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”—ማቴዎስ 5:3።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ስርዓታት ምትግባርን፡ ቀንዲ ረቛሒ ናይ ሓቂ ዓወት እዩ። ከመይሲ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ቀዳምነት ምሃብ ነቲ ስጋዊ ነገራት ዜምጽኦ ጭንቀት ከም ዚንክዮ ብውልቆም ተመኪሮምዎ እዮም።—ማቴዎስ 6:31-33።

    እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ናይ ሓቂ ዓወት ምእንቲ ኽትረክብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ፍለጥ። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ወይ ከኣ ኣብቲ www.pr418.com/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ።

“እቲ ቐደም ዝነበረኒ ዓወት፡ ላዕለ ላዕሊ እዩ ነይሩ”

ሻርሎትን ቲሞቲን

ቲሞቲን ሻርሎትን ብዙሕ ክፍልታት ኣብ ዘለዎ ዓብዪ ቤት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ብዙሓት ናይ ምሾት ማካይን ነበራኦም፣ በብዓመቱ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ብምውጻእ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እናኸዱ ይዘናግዑ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዝነበሮም ሃብቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ንዅሉ ጠንጠንዎ። ንቕሑ! ንቲሞቲ፡ ሓሳቦም ከም ዚቕይሩ ዝገበሮም እንታይ ምዃኑ ሓቲታቶ ኣላ።

እንታይ ኢኻ እትሰርሕ ኔርካ፧

ኣነ ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ እሰርሕን ተሓዝ ሕሳብ ኰይነ እዓዪን ነበርኩ። ሻርሎት ድማ ሓጋዚት ካይሮፕራክቲክ እያ ነይራ፣ ኣብ ባንክ እውን ትሰርሕ ነበረት። ጸኒሑ ግና፡ ኣርባዕተ እንዳ ቐምቃማይ ከፈትና። ኣብ ኵሉ እዚ መዳያት ንግዲ፡ ከም ዕዉት ነጋዳይ እየ ዝርአ ነይረ። ሰራሕተኛታት ስለ ዝነበሩኒ፡ ኣነ ብዙሕ ክዓዪ ኣየድልየንን እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ኣነን ሻርሎትን ንግዳዊ ንጥፈትና ኽንንኪ ኸም ዘሎና ወሰንና። ንመብዛሕትኡ ንብረትና ድማ ሸጥናዮ።

ስለምንታይ ከምኡ ጌርኩም፧

ናይ ብሓቂ ዕዉታት ከም ዘይነበርና ስለ እተገንዘብና ኢና። ዝዀነ ይኹን ነገር ክንዕድግ ከለና ዚስምዓና ዝነበረ ባህታ፡ ቀልጢፉ ይጠፍእ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ባዶነት ከም ዚስምዓናን ዕግበት ከም ዘይንረክብን ይገብረና ነበረ።

ናይ ሓቂ ዓወት ብኸመይ ረኺብኩም፧

ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃነይ መጠን፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ወትሩ ብንጥፈት እየ ዝካፈል። ኣነን ሻርሎትን ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር፡ ኣብ ወርሒ 70 ሰዓት ነሕልፈሉ እዋን እኳ እንተ ነበረ፡ ህይወትና ግና ኣብ ኣገልግሎት ዘተኰረት ኣይነበረትን። ስለዚ፡ ነቲ ትካልና ሸጥናዮ፣ ኣብቲ ዝያዳ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ዜድልዩሉ ቦታታት ንኸነገልግል ድማ ድሉዋት ኰንና። ሎሚ ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነገልግል ኣለና። እዚ እውን ሓደ ኽፋል ኣገልግሎትና ስለ ዝዀነ፡ ደሞዝ ኣይክፈለናን፡ ፍሉይ ቈላሕታ እውን ኣይግበረልናን እዩ። ብስጋ ዜድልየና ዘበለ ኣሎና። ህይወትና ግና ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰረት ኣይኰነትን።

ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዕዉታት ዝዀንኩም ኰይኑዶ ይስምዓኩም፧

ከመይ ደኣ! እቲ ቐደም ዝነበረኒ ዓወት፡ ላዕለ ላዕሊ እዩ ነይሩ። እቲ ሕጂ ዘሎኒ ዓወት ግና፡ ነባሪ ዕግበት የምጽኣለይ ኣሎ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ዝዓይዮ ዕዮ፡ ኣብ መላእ ምድሪ ንዚርከቡ ሰባት መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚበጽሖምን ህይወቶም ከም ዚመሓየሽን ዚገብር ምዃኑ እፈልጥ እየ።a

a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዚገብርዎ ዕዮ፡ ደሞዝ ኣይክፈሎምን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ