ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/15 ገጽ 10-11
  • ንኽፍልታት ዓለም ዝመቓቐለ ኣዋጃት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኽፍልታት ዓለም ዝመቓቐለ ኣዋጃት
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነገስታትን ርእስታት ሊቃነ ጳጳሳትን ንኽፍልታት ዓለም መቓቐልወን
  • ኣብ ካርታ ዓለም እተሓንጸጸ ሓድሽ መስመር
  • ብስም ኣምላኽ እተዋህበ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ
    ንቕሑ!—2013
  • ካብ ክቱር ድኽነት ናብ ዝበለጸ ዓይነት ሃብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣሌክሳንደር ሻድሻይ ሮማ ፈጺማ ዘይትርስዖ ጳጳስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ዶብ ዘይግድቦ ርክብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 3/15 ገጽ 10-11

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ንኽፍልታት ዓለም ዝመቓቐለ ኣዋጃት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እስክንድር ሻድሻይ

ክሪስቶፈር ኮሎምበስ ካብቲ ብ1493 ናብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ዝገበሮ ጕዕዞ ምስ ተመልሰ፡ ነገስታት ስጳኛን ፖርቱጋልን፡ ንንግድን ንግዝኣትን እቲ እተረኽበ ሓድሽ ሃገራት መን ኪቈጻጸሮ ኸም ዘለዎ ኺሰማምዑ ኣይከኣሉን። ስጳኛ ድማ ነቲ ዘይምስምማዕ ንምድቃስ፡ ሓገዝ እቲ ሽዑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበረ እስክንድር ሻድሻይ ሓተተት።

ነገስታትን ርእስታት ሊቃነ ጳጳሳትን ንኽፍልታት ዓለም መቓቐልወን

መንበረ ጵጵስና ዀነ ስጳኛን ፖርቱጋልን፡ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዚርከብ ዝነበረ ሓድሽ ከባቢ ናይ ምቍጽጻር መሰል ከም ዘለወን፡ ድሮ ኣሚነናሉ ዝነበራ ጕዳይ እዩ ነይሩ። ብ1455 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኒኮላስ ሓምሻይ ንፖርቱጋል፡ ነተን ብሸነኽ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኣብ ዘሎ ገማግም ኣፍሪቃ ዚርከባ ሃገራትን ደሴታትን ክትድህስስን ነቲ ኣብኡ ዝረኸበቶ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትቈጻጸርን ፈቐደላ። ብ1479 ድማ፡ ኣልፎንሶ ሓምሻይን ወዱ ልዑል ጆንን ነቶም ንጉስን ንግስትን ስጳኛ ዝነበሩ ፈርዲናንድን ኢዛቤላን፡ ብመሰረት እቲ ዝገበርዎ ውዕል ኣልካሱቫሽ፡ ንግዝኣት ደሴታት ካናሪ ሃብዎም። ስጳኛ ድማ፡ ፖርቱጋል ንንግዲ ኣፍሪቃ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምቍጽጻር መሰል ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ሃበት፣ ኣዞረስን ደሴታት ከይፕ ቨርደን ማደይራን፡ ግዝኣት ፖርቱጋል ምዃነን ድማ ገለጸት። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲክስተስ ራብዓይ ነቲ ውዕል ደጊሙ ኣጽንዖ፣ ዝዀነ ይኹን ብደቡባውን ብምብራቓውን ሸነኽ ደሴታት ካናሪ ዚርከብ ሓድሽ ከባቢታት፡ ንፖርቱጋል ከም ዚውሃብ ድማ ገለጸ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ሽዑ ንጉስ ፖርቱጋል ኰይኑ ዝነበረ ዳግማዊ ጆን፡ እቲ ኮሎምበስ ዝረኸቦ ሓድሽ ቦታታት ንፖርቱጋል ከም ዚግባእ ተዛረበ። ነገስታት ስጳኛ ግና ነዚ ስለ ዘይተቐበልዎ፡ ናብቲ ሽዑ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበረ እስክንድር ሻድሻይ ጥርዓኖም ኣቕረቡ፣ ነቲ ኮሎምበስ ዝረኸቦ ኸባቢ ናይ ምቍጽጻርን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ናብ ክርስትና ናይ ምቕያርን መሰል ከም ዘለዎም ድማ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እስክንድር ሻድሻይ፡ ብሓንቲ ኽታም ንኽፍልታት ዓለም መቓቐለን

እስክንድር ሰለስተ ወግዓዊ ኣዋጃት ኣውጽአ። እቲ ቐዳማይ ኣዋጅ፡ “ብመሰረት ስልጣን እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡” ስጳኛ ነቲ ሓድሽ ክሊ ምሉእ ብምሉእን ንዘለኣለምን ናይ ምቍጽጻር መሰል ከም ዘለዋ ዚገልጽ ነበረ። ኣብቲ ኻልኣይ ኣዋጅ ድማ፡ ኣብ ካርታ ዓለም፡ ካብ ደሴታት ከይፕ ቨርደ ብሸነኽ ምዕራብ 560 ኪሎ ሜተር ኣብ ዘሎ ቦታ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ብምሕንጻጽ፡ መስመር ገበረሉ። ካብቲ መስመር ናብ ሸነኽ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ቦታታት እተረኽበን ድሕሪኡ ዚርከብን ከባቢታት ናይ ስጳኛ ምዃኑ ድማ ሓበረ። እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓንቲ ኽታም፡ ንኽፍልታት ዓለም መቓቐለን። እቲ ሳልሳይ ኣዋጅ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዓለም፡ ክሳብ ህንዲ ዘሎ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ስጳኛ ኸም ዚኣቱ ዚገብር እዩ ነይሩ። እዚ ግና ንንጉስ ጆን ኣዝዩ ኣቘጥዖ፣ ከመይሲ፡ ተገዛእቱ ብጫፍ ኣፍሪቃ ገይሮም ብምዛር፡ ንግዝኣት ፖርቱጋል ክሳብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ካብ ዜብጽሕዎ ነዊሕ ኣይገበሩን ነይሮም።

ኣብ ካርታ ዓለም እተሓንጸጸ ሓድሽ መስመር

ጆን ብእስክንድርa ስለ ዘይተሓጐሰ፡ ብቐጥታ ምስ ፈርዲናንድን ኢዛቤላን ኪላዘብ ጀመረ። ዊልያም በርንስቲን ዝስሙ ደራሲ፡ “ነገስታት ስጳኛ ነቶም ጨካናት ዝነበሩ ፖርቱጋላውያን ስለ ዝፈርህዎምን ነቲ ዝረኸብዎ ሓድሽ ቦታታት ኣብ ምቍጽጻር ስለ ዘተኰሩን፡ ምስ ፖርቱጋል ኪላዘቡ ሕጉሳት እዮም ነይሮም” በለ። ስለዚ፡ ብ1494 ብስም እታ ውዕል እተኸተመላ ኸተማ ስጳኛ፡ ውዕል ቶርደሲላስ ተገብረ።

ውዕል ቶርደሲላስ ነቲ እስክንድር ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝሓንጸጾ መስመር ዜኽብር እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ መስመር ናብ ሸነኽ ምዕራብ 1,480 ኪሎ ሜተር ደፍኦ። በዚ ኸምዚ፡ ፖርቱጋል ንብምሉኡ ኣፍሪቃን እስያን “ወነነቶ፣” ነቲ ሓድሽ ዓለም (ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ) ድማ ስጳኛ ወሰደቶ። ይኹን እምበር፡ እቲ መስመር ናብ ምዕራብ ገጹ ምስ ተደፍአ፡ እቲ ደሓር ብራዚል ተባሂሉ እተጸውዐ መብዛሕትኡ ኽፋል፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፖርቱጋል ከም ዚኣቱ ገበረ።

እቲ ንስጳኛን ንፖርቱጋልን ነቲ እተረኽበ ሓድሽ ከባቢ ንኺውንናኦን ንኺቈጻጸራኦን ዝፈቐደለን ኣዋጃት፡ ብዙሕ ደም ከም ዚፈስስ ገይሩ እዩ። እቲ ኣዋጃት፡ ንመሰል እቶም ደቀባት ዚጥሕስ፡ ከም ዚውረሩን ከም ዚምዝመዙን እውን ዚገብር እዩ ነይሩ፣ ብዘይካዚ፡ እቲ ኣዋጃት ንገሊአን ሃገራት፡ ስልጣን ንምጭባጥን ንመስመራት ባሕሪ ብናጻ ንምጥቃምን ኢለን ንነዊሕ ዘመናት ከም ዚዋግኣ ገይርወን እዩ።

a ብዛዕባ እዚ ነውራምን ብልሹውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2003 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 26-29 ዝወጸት፡ “ኣሌክሳንደር ሻድሻይ—ሮማ ፈጺማ ዘይትርስዖ ጳጳስ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብተኸታታሊ ስልጣን ዝሓዙ ርእስታት ሊቃነ ጳጳሳት፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን ኣብቲ ዚገብራኦ ጕዕዞ ንዚረኽባኦም ኣረማውያን፡ ናብ ክርስትና ኪቕይራኦም የተባብዕወን ነበሩ።

  • ብ1493 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እስክንድር ሻድሻይ፡ ኣብ ማእከል ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ መስመር ብምሕንጻጽ፡ ስጳኛ ነቲ ኻብቲ ውቅያኖስ ንሸነኽ ምዕራብ ዘሎ ኸባቢ ኽትቈጻጸሮ ፈቐደላ።

  • ስጳኛ ኣብቲ እስክንድር ኰነ ኻልኦት ዘውጽእዎ ኣዋጃት ተመርኲሳ፡ ነቲ እተረኽበ ሓድሽ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምቍጽጻር መሰል ከም ዘለዋ ገለጸት።

  • ሃገራት ኤውሮጳ ንነዊሕ ዘመናት፡ ኣብቲ ርእስታት ሊቃነ ጳጳሳት ዜውጽእዎ ዝነበሩ ኣዋጃት ተመርኲሰን፡ ነቲ ድሮ እተቘጸራኦ ቦታታት ንምዕቃብ ወይ ሓድሽ ቦታታት ንምሓዝ ብዙሕ ተዋጊአን እየን።

“ድንቍርና ምዕራባውያን”

ኣብ ክልተ እተመቕለ ካርታ ዓለም

ባርናቢ ሮጀርሰን ዝስሙ ደራሲ፡ “እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽልተ ንኣሽቱ ኤውሮጳውያን መንግስትታት ንኺጠቅም ኢሉ ንምሉእ ክፍልታት ዓለም ምምቃሉ፡ ሎሚ ኸም ሓደ ኺእመን ዘይከኣል ጕዳይ ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ፣ ድንቍርና ምዕራባውያን ዜርኢ ውሩይ ኣብነት ድማ እዩ” በለ። ወሲኹ ኸኣ፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘውጸኦ ኣዋጅ፡ “እተን ድሕሪኡ እተላዕላ ሃጸያዊ ግዝኣታት፡ ጭካነ ዝመልኦ ተኸታታሊ ተግባራት ከም ዚጅምራ ገይርወን እዩ” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ