ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/15 ገጽ 8-9
  • ይቕረታ ብኸመይ ክትሓትት ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ይቕረታ ብኸመይ ክትሓትት ትኽእል፧
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ስለምንታይ እየ ይቕረታ ኽሓትት ዘሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ይቕሬታ ክትሓትት ብሓቂ የድልየካዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ዘኽእል ኣገዳሲ ረቛሒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ይቕረታ ምሕታት ክሳዕ ክንድዚ ዝኸብድ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 9/15 ገጽ 8-9
ሓደ ሰብኣይ በዓልቲ ቤቱ ዀርያ ዝባና ምስ ሃበቶ፡ ኪዛረባ ኸሎ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ይቕረታ ብኸመይ ክትሓትት ትኽእል፧

ጸገም

ንስኻን መጻምድትኻን ክትቋየቑ ጸኒሕኩም ንበል። ንስኻ ድማ “ኣነ ኣይኰንኩን ጌገኛ፡ ስለዚ፡ ይቕረታ ኽሓትት ኣየድልየንን እዩ” ኢልካ ትሓስብ።

ነቲ ጕዳይ ክትርስዖ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ እቲ ውጥረት ግና ይቕጽል። መሊስካ ይቕረታ ኽትሓትት ትሓስብ፣ ይኹን እምበር፡ “ኣይትሓዘለይ” ምባል እኳ ዓቐብ ይዀነካ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ኵርዓት። ቻርለስa ዚብሃል ብዓል ሓዳር “ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ኣይትሓዝለይ’ ክብል እደሊ እሞ፡ ኵርዓት ግና ይሕዘኒ” ብምባል ይእመን። መጠኑ ዝሓለፈ ዅርዓት፡ ጕድለትካ ንኽትእመን ኣዝዩ ኸም ዜሕፍረካ ኺገብር ይኽእል እዩ።

ኣረኣእያ። ይቕረታ እትሓትት፡ ንስኻ ጌገኛ ምስ እትኸውን ጥራይ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ጂል እትብሃል ብዓልቲ ሓዳር፡ “እቲ ጌጋ ሚእቲ ኻብ ሚእቲ ናተይ ምስ ዚኸውን፡ ‘ኣይትሓዘለይ’ ምባል ንዓይ ቀሊል እዩ። ክልቴና ዜጣዕሰና ነገራት ምስ እንዛረብ ግና፡ እዚ ኸቢድ እዩ። ንምንታይ እየ እሞ ነቲ ኽልቴና ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ኣነ ይቕረታ ዝሓትተሉ፧” በለት።

እቲ እተፈጸመ ጕድለት ምሉእ ብምሉእ ናይ መጻምድትኻ ኸም ዝዀነ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ እሞ ኸኣ ይቕረታ ንኸይትሓትት ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘሎካ ጌርካ ትሓስብ ትኸውን። ጆሴፍ ዚብሃል ብዓል ሓዳር፡ “ምንም ጌጋ ኸም ዘይብልካ ርግጸኛ ምስ እትኸውን፡ ይቕረታ ዘይምሕታት ንጹህ ከም ዝዀንካ እተርእየሉ መገዲ እዩ” በለ።

ኣተዓባብያ። ምናልባት ኣብቲ ዝዓበኻሉ ስድራ ቤት፡ ይቕረታ ምሕታት ልሙድ ስለ ዘይነበረ፡ ጌጋታትካ ኽትእመነሉ ኸም ዘሎካ ኣይተመሃርካን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብቝልዕነትካ ኸምዚ ዓይነት ልምዲ ስለ ዘየጥረኻ ኸኣ እኹል ሰብ ምስ ኰንካ ብቕንዕና ይቕረታ ኽትሓትት ይኸብደካ እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ሰብኣይን ሰበይትን ንሃልሃልታ ሓዊ፡ ሳንኬሎ ማይ ኬፍስሱሉ ኸለዉ

ይቕረታ ምሕታት ሃልሃል ንዚብል ግጭት ኬጥፍኦ ይኽእል እዩ

ኣብ መጻምድትኻ ኣተኵር። ቅድሚ ሕጂ ሓደ ሰብ ይቕረታ ምስ ሓተተካ፡ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ከም እተሰመዓካ እሞ ዘክር። ንስኻኸ ንምንታይ ንመጻምድትኻ ኸምኡ ኸም ዚስምዖ ዘይትገብር፧ ዋላ እውን ጌጋ ዘይብልካ ዀይኑ እንተ ተሰምዓካ፡ መጻምድትኻ ስምዒቱ ስለ እተጐድአ ወይ ስለቲ ዘይተሓስበ ሳዕቤናት ተግባራትካ ይቕረታ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ንልቢ መጻምድትኻ ኺፍውሶ ይኽእል እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሉቃስ 6:31።

ኣብ ሓዳርካ ኣተኵር። ይቕረታ ምሕታት ከም ፍሽለት ጌርካ ዘይኰነስ ንሓዳርካ ዓወት ከም ዝዀነ ጌርካ ርኣዮ። ምሳሌ 18:19፡ “ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም” ትብል። ሓደ ሰብ ጌገኛ ኸም ዘይኰነ ጥራይ ኬእምን ዚጽዕር እንተ ዀይኑ፡ ሰላም ኪሰፍን ኣይክእልን እዩ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ይቕረታ ምስ እትሓትት፡ እቲ ዘይምርድዳእ ናብ ካልእ ዓብዪ ጸገም ንኸይዓቢ ኽትከላኸሎ ትኽእል ኢኻ። ብሓጺሩ፡ ከምዚ ምስ እትገብር ልዕሊ ገዛእ ርእስኻ ንሓዳርካ ቐዳምነት ትህቦ ኣሎኻ ማለት እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 2:3።

ይቕረታ ንምሕታት ቅልጡፍ ኩን። ሓቂ እዩ፡ ጌገኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ይቕረታ ምሕታት ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና ጕድለት መጻምድትኻ፡ ሕማቕ ባህርያት ንኸተንጸባርቕ ምኽንያት ኣይኰነካን እዩ። ‘ግዜ እናሓለፈ ኪኸይድ ከሎ እቲ በደል እናተረስዐ ኪኸይድ እዩ’ ኢልካ ብምሕሳብ ከኣ ይቕረታ ንምሕታት ኣይትወላወል። ይቕረታ ምሕታትካ፡ መጻምድትኻ እውን ይቕረታ ንኺሓትት ከም ዚቐልሎ ኺገብር ይኽእል እዩ። ይቕረታ ምሕታት ብዝያዳ ብእተለማመድካ መጠን፡ ብዝያዳ እናቐለለካ ኪኸይድ እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ማቴዎስ 5:25።

ካብ ልብኻ ምዃኑ ኣርኢ። ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ኸተመኻኒ ምጽዓርን ይቕረታ ምሕታትን ሕደ ኣይኰነን። ብሕጫጨ “ኣይትሓዘለይ፣ ብቐሊሉ ኢኻ መቸም እትሓርቕ” ምባል እውን ምስ ይቕረታ ምሕታት ኪቝጸር ኣይከኣልን እዩ። መጻምድትኻ ብተግባራትካ ምስ ዚጕሂ፡ ብቐሊሉ ተኣፋፊ ኸም ዝዀነ ዀይኑ እንተ ተሰምዓካውን፡ ክትርድኣሉ ጽዓር፣ ጌጋኻ ድማ ተኣመን።

ነቲ ኽውንነት ምቕባሉ። ጌጋታት ክትፍጽም ከም እትኽእል ብትሕትና ተኣመን። ከመይሲ፡ ዘይጋገ ሰብ የለን። ኣብ ሓደ ዅነታት ጌጋ ኸም ዘይብልካ ጌርካ እኳ እንተ ሓሰብካ፡ ንዅሉ እቲ ዘጋጠመ ነገራት ብልክዕ ትፈልጦ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። በዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ቕድም ነገሩ ዜፍስስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ” ዚብል። (ምሳሌ 18:17) ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻን ጕድለታትካን ክውንነታዊ ኣረኣእያ ምስ ዚህልወካ፡ ይቕረታ ንኽትሓትት ብዝያዳ ኽትድረኽ ኢኻ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም።”—ሉቃስ 6:31።

  • “ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።”—ፊልጲ 2:3።

  • ‘ነቲ ምስ መባእስትኻ ዘሎካ ነገር፡ ቀልጢፍካ ኣደቅሶ።’—ማቴዎስ 5:25።

ጄሰንን ኣሌክሳንድራን

ጄሰንን ኣሌክሳንድራን

“ይቕረታ ምሕታት፡ ነቲ ኣብ ሓዳር ንነዊሕ ግዜ ዚጸንሕ ውጥረት ኬስፍን ዚኽእል ጸገማት ልክዕ ከም ኣብ መገዲ ዚርከብ ንኣሽቱ ዅርኳሓት፡ ብቐሊሉ ኸም እትሓልፎ እዩ ዚገብር። ይቕረታ ምሕታት ንሓድሕድካ ዘሎካ ፍቕሪ ንኸተርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ።”

ካይን ጁልያን

ካይን ጁልያን

“ዕላማ ይቕረታ ምሕታት ሰላምን ሓጐስን ንምስፋን እዩ። መን እዩ ቕኑዕ፡ መንከ እዩ ጌገኛ ንምሕባር ኣይኰነን። መጻምድትኻ ብሓደ ነገር እንተ ጕህዩ፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዖ ንኽትገብር ዚከኣለካ ግበር።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ