ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 11/15 ገጽ 12-13
  • ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትንእዶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትንእዶ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ኣመስግንዎ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንደቅኻ ትሕትና ምሃሮም
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 11/15 ገጽ 12-13
ሓደ ቘልዓ ኪስእል ከሎ፡ ኣቦኡ ይሓቝፎ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትንእዶ

ጸገም

ገሊኦም ሰባት ንውሉድ እምብዛ ምንኣድ ዚብሃል ነገር ከም ዘየልቦ ይዛረቡ እዮም። ገሊኦም ግና ንውሉድ ወትሩ ምንኣድ፡ የበላሽዎ፡ ድሌቱ ኺገብር መሰል ዘለዎ ዀይኑ ከም ዚስምዖ ኸኣ ይገብር ኢሎም ይኣምኑ።

ንውሉድካ ኽንደይ ሳዕ ክትንእዶ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ ዓይነት ናእዳ ኸም እትህቦ እውን ክትሓስበሉ ኣሎካ። እንታይ ዓይነት ናእዳ እዩ ንውሉድካ ዜተባብዖ፧ እንታይ ዓይነት ናእዳኸ ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል፧ ብሉጽ ፍረ ኼፍሪ ዚኽእል ናእዳ ብኸመይ ክትህቦ ትኽእል፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ኵሉ ናእዳ ማዕረ ኣይኰነን። ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ።

ብዙሕ ናእዳ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል። ገሊኦም ወለዲ ርእሰ ምትእምማን ውሉዶም ክብ ንምባል ዘይግብኦም ናእዳ ይህብዎም እዮም። ዶክተር ዴቪድ ዎልሽ ግና፡ ቈልዑ “ተጋንን ከም ዘለኻ የስተውዕሉን እቲ እትብሎ ዘለኻ ናይ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ይርድኦምን እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ እቲ ናእዳ “ኸም ዘይግብኦም ይፈልጡ፡ . . . ኪኣምኑኻ ኸም ዘይክእሉ ድማ ኪድምድሙ ይኽእሉ እዮም” ኢሉ እዩ።a

ኣብ ክእለት እተመርኰሰ ናእዳ ይሓይሽ። ንኣብነት ጓልካ ናይ ስእሊ ተውህቦ ኣለዋ ንበል። ነዚ ኽእለት እዚ ዝያዳ ምእንቲ ኸተማዕብሎ፡ ክትንእዳ ንቡር እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ምግባርካ ጸገም ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ክእለት ጥራይ እተመርኰሰ ናእዳ፡ ኣብቲ ብቐሊሉ ኸተማዕብሎ እትኽእል ክእለት ጥራይ ከተተኵር ከም ዘለዋ ኽትሓስብ ትኽእል እያ። ሓድሽ ብድሆታት ኬጋጥማ ኸሎ፡ ከም ዘይትኽእሎ ገይራ ብምሕሳብ፡ ካብኡ ትሃድም ትኸውን። ‘ብዙሕ ክጽዕር እንተ ኣሎኒ፡ እዚ ንዓይ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ፡ ንምንታይ ዝደክም፧’ ክትብል ትኽእል እያ።

ኣብ ጻዕሪ እተመርኰሰ ናእዳ ኻብ ኵሉ ይበልጽ። ኣብ ክእለቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጻዕሮምን ትግሃቶምን እተመርኰሰ ናእዳ ዚረኽቡ ቘልዑ፡ ክእለት ንምርካብ ትዕግስትን ጻዕርን ከም ዜድሊ ይግንዘቡ እዮም። ሌቲን ጎ ዊዝ ላቭ ኤንድ ኮንፊደንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ “ነቲ ዚደልይዎ ውጽኢት ንምርካብ፡ ይጽዕሩ እዮም” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ዋላ እኳ እንተ ዘይተዓወቱ፡ ንርእሶም ከም ፍሹላት ዘይኰነስ፡ ከም ሰልጠንቲ እዮም ዚርእይዋ” ትብል።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጻዕሪ ንኣድ። ንውሉድካ “ንፍዕቲ ሰኣሊት ኢኺ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ “ነዚ ስእልኺ ብዙሕ ኢኺ ጽዒርክሉ” ምባል ይሓይሽ። እዚ ኽልቲኡ ናእዳ እዩ፣ እቲ ቐዳማይ ግና ውሉድካ ነቲ ተውህቦኣ ጥራይ ናይ ምምዕባል ክእለት ከም ዘለዋ ኺእምት ይኽእል እዩ።

ነቲ ውሉድካ ዝገበረቶ ጻዕሪ ምስ እትንእድ ግና፡ መንፍዓት ምስ ልምዲ ኸም ዚርከብ ኢኻ ትምህራ ዘለኻ። ሓድሽ ብድሆታት ምስ ዜጋጥማ ድማ፡ ብምትእምማን ክትዋጽኣሉ ኽትጽዕር ትኽእል እያ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 14:23።

ንውሉድካ ፍሽለት ኪጻወር ሓግዞ። ንፉዓት ሰባት እኳ ይጋግዩ እዮም፣ አረ ብተደጋጋሚ እውን ኪጋገዩ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ 24:16) እንተዀነ ግና፡ ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም ንቕድሚት ይስጕሙ እዮም። ውሉድካ ነዚ ኼማዕብል ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ኣብቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣተኵር። ንኣብነት፡ ንጓልካ ኣዘውቲርካ፡ “ኣብ ናይ ሕሳብ ትምህርቲ ንፍዕቲ ኢኺ” ትብላ እንተ ዄንካ እሞ ኣብ ፈተና ኸኣ እንተ ተሪፋ፡ ክእለት ስለ ዘይብላ ኸተምሓይሽ ክትጽዕር ከም ዘይብላ ዀይኑ ኺስምዓ ይኽእል እዩ።

ኣብ ጻዕሪ እንተ ኣተኲርካ ግና፡ ጽንዕቲ ኽትኸውን ኢኻ ትምህራ ዘለኻ። በዚ ኸምዚ ድማ ውሉድካ ዕንቅፋት ኬጋጥማ ኸሎ፡ ከም ፍሽለት ገይራ ኸይትወስዶ ትሕግዛ። ስለዚ፡ ተስፋ ኣብ ክንዲ እትቘርጽ፡ ዝያዳ ኽትጽዕር እያ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 3:2።

ሃናጺ ነቐፌታ ሃብ። ብግቡእ እተዋህበ ነቐፌታ ንቘልዓ ይጠቕሞ እምበር፡ ኣይጐድኦን እዩ። ብተመሳሳሊ እውን፡ ግቡእ ናእዳ ነቲ ዚውሃቦ ርእይቶ ተቐቢሉ ኸም ዚመሓየሽ እዩ ዚገብሮ። ሽዑ፡ ንስኻን ውሉድካን ብዕዮኡ ኽትዓግቡ ኢኹም።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 13:4።

a ኖ፦ ዋይ ኪድስ—ኦቭ ኦል ኤጅስ—ኒድ ቱ ሂር ኢት ኤንድ ወይስ ፓረንትስ ካን ሰይ ኢት ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ አሎ።” —ምሳሌ 14:23።

  • “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና።”—ያእቆብ 3:2።

  • “ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።”—ምሳሌ 13:4።

ንሓድሽ ብድሆታት ተዋጽኣሉ

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ባህርያዊ ተውህቦኦም ወጻኢ ኽእለት ብዛዕባ ዘማዕበሉ ሰባት ይነግረና እዩ። ንኣብነት፡ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓያልን ነቓጽን ዝነበረ ንጉስ ግብጺ ንምቕራብ ሰጋእ መጋእ ኢሉ ነይሩ እዩ። “ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን” ድማ ኢሉ እዩ። (ዘጸኣት 4:10) ኤርምያስ እውን ነብዪ ኪኸውን ምስ ተመዘዘ፡ “ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ” ኢሉ እዩ። (ኤርምያስ 1:6) ይኹን እምበር፡ ሙሴን ኤርምያስን ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ብግቡእ ፈጺሞምዎ እዮም።

ካብዚ እንታይ ንመሃር፧ ውሉድካ ኻብቲ ባህርያዊ ተውህቦኡ ወጻኢ ተኽእሎ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ጻዕሪ እተመርኰሰ ናእዳ ሃቦ፡ ንስኻን ውሉድካን ዘይተጸበኽምዎ ሓድሽ ክእለት ድማ ኬማዕብል ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ