ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 3 ገጽ 8-9
  • ኢግናዝ ሲመልወስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኢግናዝ ሲመልወስ
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 3 ገጽ 8-9

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ኢግናዝ ሲመልወስ

ኢግናዝ ሲመልወስ

ኢግናዝ ሲመልወስ፡ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብሉ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተዀነ፡ ዕዮኡ ንብዙሓት ኣብዚ ግዜና ዘለዋ ስድራ ቤታት ጠቒሙወን እዩ። ኣብ ቡዳ (ሎሚ ቡዳፐስት፡) ሃንጋሪ እዩ ተወሊዱ፣ ብ1844 ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቭየና ኣብ ዓውዲ ሕክምና ብዲግሪ ተመሪቑ። ሲመልወስ ብ1846፡ ኣብ ፈርስት ማተርኒቲ ክሊኒክ ኦቭ ቭየናስ ጀነራል ሆስፒታል ከም ተሓጋጋዚ ሓደ ፕሮፌሰር ኰይኑ ኺዓዪ ሓላፍነት ምስ ተዋህቦ ዜስግእ ኵነታት እዩ ጸኒሕዎ፣ ልዕሊ 13 ሚእታዊት ካብተን ኣብቲ ሆስፒታል ዚሓርሳ ኣንስቲ ብሰንኪ ቻይልድቤድ ፊቨር (ረስኒ ሕርሲ) ዚብሃል ሕማም ይሞታ ነበራ።

ንጠንቂ እዚ ሕማም እዚ ብዚምልከት፡ እተፈላለየ ኽልሰ ሓሳብ እኳ እንተ ቐረበ፡ ነቲ ምኽንያት ዝፈለጦ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። መጠን ሞት ንምንካይ እተገብረ ፈተነታት ኵሉ ኸንቱ ዀይኑ ተረፈ። ሲመልወስ፡ ሓያሎ ኣዴታት በዚ ሕማም እዚ እናተሳቐያ ኺሞታ ምርኣይ ስለ ዘጨነቖ፡ ጠንቂ እቲ ሕማም እቲ ኺፈልጥን ኬወግዶን ቈረጸ።

እቲ ሲመልወስ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ሆስፒታል ክልተ እተፈላለየ ክሊኒክ መወለዳን ነበሮ፣ እቲ ዜገርም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ ክሊኒክ ካብቲ ኻልኣይ ክሊኒክ ዚዛይድ መጠን ሞት ኣዴታት እዩ ነይርዎ። እቲ እንኮ ፍልልይ፡ እቲ ቐዳማይ ናይ ሕክምና ተምሃሮ ዚምሃሩሉ ዀይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ግና መሕረስቲ ዚምሃሩሉ እዩ ነይሩ። ኣብ መጠን ሞት ኣዴታት፡ ክንድዚ ዚኣክል ፍልልይ ዝነበረ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ ሲመልወስ ነዚ ጉዳይ እዚ ብምምርማር፡ ጠንቂ እቲ ሕማም ኪኸውን ንዚኽእል ነገራት እኳ እንተ ኣልገሶ፡ እቲ ቐንዲ ጸገም ግና ገና ኣይተፈልጠን።

ኣብ መጀመርታ 1847፡ ሲመልወስ ኣገዳሲ ኣፋፍኖት ረኸበ። እቲ መሳርሕቱን ፈታዊኡን ዝነበረ ያኮፕ ኮለችካ፡ ጠንቂ ሞት ሓደ ሬሳ እናመርመረ ኸሎ ብዘጋጠሞ መጕዳእቲ ደሙ ስለ እተመረዘ ሞተ። ሲመልወስ ብዛዕባ ጠንቂ ሞት ኮለችካ እተገብረ መርመራ ዚገልጽ ጸብጻብ ኬንብብ ከሎ፡ እቲ ርኽበት ኣብ ገሊኡ መዳያት ምስ ግዳያት ሕማም ቻይልድቤድ ፊቨር ሕደ ምዃኑ ኣስተብሃለ። ስለዚ፡ እቲ ንሱ “መርዚ” ኢሉ ዝጸውዖ ኻብ ሬሳታት ዚወጽእ ነገራት ንነፍሰ ጾር ተሓከምቲ፡ ቻይልድቤድ ፊቨር የስዕበለን ከይህሉ ሓሰበ። እቶም ናብ ክፍሊ መሕረሲ ቕድሚ ምኻዶም መርመራ ሬሳ ብተደጋጋሚ ዚገብሩ ዝነበሩ ሓካይምን ናይ ሕክምና ተምሃሮን እዮም ኣብ እዋን መርመራ ወይ ሕርሲ ብዘይፍላጥ ነቲ ሕማም ናብተን ነፍሰ ጾር ኣዴታት ዜመሓላልፉለን ነይሮም! ቍጽሪ እተን ኣብቲ ኻልኣይ ክሊኒክ ዝሞታ ነፍሰ ጾር ዝወሓደ ዝነበረ ኸኣ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ ሕርሲ ተምሃሮ መርመራ ሬሳ ስለ ዘይገብሩ እዩ።

ሲመልወስ፡ ሓካይም ንሓንቲ ነፍሰ ጾር ቅድሚ ምምርማሮም፡ ኣእዳዎም ብማይ ብእተበጽበጸ ክሎሪንን ኖራን ገይሮም ኪሕጸቡ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ጽኑዕ ፖሊሲ ብኡብኡ ኣተኣታተወ። ዜደንቕ ውጽኢት ድማ ተረኽበ፣ እቲ ኣብ ሚያዝያ 18.27 ሚእታዊት ዝነበረ መጠን ሞት ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት ናብ 0.19 ወረደ።

“ኣብ መወለዳን ሆስፒታላት ዘሎ ራዕዲ ምውጋድን ህይወት ሰበይቲ ንሰብኣያ፡ ህይወት ኣደ ድማ ንውሉዳ ምዕቃብን ግቡእ ምዃኑ እየ ዝኣምን።”—ኢግናዝ ሲመልወስ

ነቲ ሲመልወስ ዝረኸቦ ዓወት እተሓጐሱሉ ግና ዅሎም ኣይነበሩን። እቲ ሲመልወስ ዝረኸቦ ውጽኢት፡ ነቲ ሓለቓኡ ንቻይልድቤድ ፊቨር ብዚምልከት ዝነበሮ ኽልሰ ሓሳብ ዚብድህ ብምንባሩን እቲ ንሱ ነቲ ጉዳይ ብጽኑዕ ዝሓዘሉ መገድን ንሓለቓኡ ኣሕረቖ። ኣብ መወዳእታ ሲመልወስ፡ ካብቲ ኣብ ቭየና ዝነበሮ ስርሑ ተሰጒጉ ናብ ሃንጋሪ ተመልሰ። ኣብ ፐስት፡ ሰይንት ሮካስ ሆስፒታል ድማ ሓላፊ ኽፍሊ ኦብስቴትሪክስ (ንሕርስን ክንክን ኣዴታትን ዚምልከት ጨንፈር ሕክምናን መጥባሕትን) ኰነ፣ እቲ ዚኽተሎ ዝነበረ ሜላታት፡ ብቻይልድቤድ ፊቨር ናይ ዝሞታ ኣዴታት መጠን ናብ ትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ከም ዚጐድል ገይሩ እዩ።

ብ1861፡ ሲመልወስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝነበሮ ቐንዲ ዕዮ እትገልጽ ዘ ከውዝ፡ ኮንሰፕት ኤንድ ፕሪቨንሽን ኦቭ ቻይልድቤድ ፊቨር (ጠንቂ፡ ኣምር ከምኡ እውን ምክልኻል ረስኒ ሕርሲ) ዘርእስታ መጽሓፍ ሓተመ። እቲ ዜሕዝን ግና ርኽበታቱ ዘምጸኦ ጥቕሚ እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ እዩ ኣፍልጦ ተዋሂቡሉ። ክሳዕ ሽዑ፡ ኪድሕን ዚኽእል ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ብዜሕዝን መገዲ ጠፍአ።

ኢግናዝ ሲመልወስ፡ ኣእዳዉ ይሕጸብ

ሲመልወስ ኣብተን ኣብ ትሕቲኡ ዚዓያ ኣብያተ ሕክምና ልዑል ደረጃ ጽሬት ከም ዚሕሎ ገበረ።—ብሮበርት ቶም እተሳእለት

ኣብ መወዳእታ፡ ሲመልወስ ከም ሓደ ኻብቶም ጸረ ረኽሲ ዘተኣታተዉ ቐዳሞት ሰባት ተፈልጠ። ዕዮኡ፡ እቶም ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚርኣዩ ደቀቕቲ ተህዋስያን እውን ሕማም ኬስዕቡ ኸም ዚኽእሉ ኣብ ምርግጋጽ ሓጊዙ እዩ። ንሱ ሓደ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ፡ “ኣብ ስነ ፍልጠት ሕክምና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣበርክቶ” እተባህለ ኽልሰ ሓሳብ ደቀቕቲ ተህዋስያንን ሕማምን ዘቕረቡ ምሁራት እዩ። እቲ ዜገርም፡ እቲ ጸኒሑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቓለለ ሕጊ ሙሴ፡ ልዕሊ 3,000 ዓመት ኣቐዲሙ ንግቡእ ኣተሓሕዛ ሬሳ ዚምልከት ጽቡቕ መምርሒ ሂቡ ነይሩ እዩ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ኣብ መበል 19 ዘመን፡ ኣብ ኤውሮጳ ብዙሓት ኣንስቲ ብሰንኪ ቻይልድቤድ ፊቨር ሞይተን እየን፣ መጠን ሞት ድማ ክሳዕ 30 ሚእታዊት በጺሑ ነይሩ።

  • ካብ 1674 ኣትሒዙ ደቀቕቲ ተህዋስያን ብማይክሮስኮፕ ይርኣዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ዜውርድዎ ጕድኣት ግና ምሉእ ብምሉእ ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ። ሓካይም ኣብ ምርመራ ሬሳ ኺዓይዩ ድሕሪ ምጽናሖም፡ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ ነፍሰ ጾራት ኬሕርሱ ልሙድ እዩ ነይሩ።

  • ሲመልወስ ኣብ ሕክምና ኣእዳውካ ናይ ምሕጻብ ስርዓት ብምትእትታው ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ኣድሒኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ

ብመሰረት እቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ቅ.ክ. እተጻሕፈ ሕጊ ሙሴ፡ ሬሳ ዝተንከየ ዘበለ ንሸውዓተ መዓልቲ ዘይንጹህ ይኸውን፡ ነብሱን ክዳውንቱን ምሕጻብ ዜጠቓልል መስርሕ ምንጻህ ኪገብር ድማ ነበሮ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ብኣካል ኪትንክፎም ኣይግብኦን እዩ ነይሩ።—ዘሁልቍ 19:11-22።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ