ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 4 ገጽ 3
  • ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብልማድ እትገብሮ ነገራት ንጥቕምኻ ከም ዝኸውን ግበሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2016
  • 1 ሚዛናዊ ኹን
    ንቕሑ!—2016
  • ኣብ ርእሰይ ጥራይ እየ ዘተኵር ነይረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 4 ገጽ 3
ሓንቲ ጓል ተለቪዥን እናረኣየት ንጥዕና ጽቡቕ ዘይኰነ ምግቢ ትበልዕ

ገበር

ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

  • ሰዓት

    ኦስቲን ሰዓቱ ኽትድውል ከላ፡ ድቃስ ጸቒጥዎ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ብድድ ኢሉ ኻብ ዓራቱ ወረደ፣ ነቲ ቕድሚኡ ምሸት ኣዳልይዎ ዝሓደረ ኣካላዊ ምውስዋስ ዚገብረሉ ኽዳውንቱ ተኸዲኑ ድማ ከም ልማዱ ዘብዘብ እናበለ ኺጐዪ ጀመረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነዚ ኣዘውቲሩ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ኺገብሮ ጸኒሑ እዩ።

  • ቸኮላታ ዝሓዘ ባኮ

    ሎሪ ምስ ብዓል ቤታ ኽትበኣስ እያ ጸኒሓ። ብሕርቃንን ብስጭትን ዚኣክል ተሃንዲዳ ናብ ክሽነ ብምኻድ፡ ባኮ ምሉእ ቸኮላታ ኣውጺኣ ንዅሉ በልዓቶ፣ ነዚ ኸኣ ኵሉ ግዜ ኽትሓርቕ ከላ እትገብሮ እዩ ዚመስል።

ኦስቲንን ሎሪን እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣሎ፧ የስተውዕልዎ ኣየስተውዕልዎ፡ ክልቲኦም በቲ ልማድ ዘለዎ ሓይሊ ተጸልዮም እዮም።

ንስኻኸ፧ ኣብ ህይወትካ ኸተማዕብሎ እትደሊ ጽቡቕ ልማዳት ኣሎዶ፧ ሸቶኻ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምውስዋስ ምግባር፡ እኹል ድቃስ ምድቃስ ወይ ምስ እተፍቅሮም ሰባት ጽቡቕ ምቅርራብ ምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ከም ሽጋራ ምትካኽ፡ ንጥዕና ጽቡቕ ዘይኰነ ምግቢ ምዝውታር ወይ ኣብ ኢንተርነት ብዙሕ ግዜ ምሕላፍ ንዝኣመሰለ ሕማቕ ልማድ ከተቋርጾ ትደሊ ትኸውን።

ሓቂ እዩ፡ ንሕማቕ ልማድ ምስናፍ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ሕማቕ ልማድ ምስቲ ኣብ ቈራሪ መዓልቲ እትድቅሰሉ ምዉቕ ዓራት ከም ዚመሳሰል ይግለጽ እዩ፣ ከመይሲ፡ ክትኣትዎ ቐሊል፡ ክትወጾ ግና ከቢድ እዩ!

እሞ ደኣ፡ ንልማዳትካ ኽትቈጻጸሮን ኣብ ክንዲ ንጕድኣትካ ንጥቕምኻ ኸም ዚኸውን ክትገብሮን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ ስርዓታት እተመስረተ ሰለስተ ርእይቶታት እስከ መርምር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ