ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 4 ገጽ 5
  • 2. ከባቢኻ ብግቡእ ኣመሓድር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2. ከባቢኻ ብግቡእ ኣመሓድር
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ሚዛናዊ ኹን
    ንቕሑ!—2016
  • ብልማድ እትገብሮ ነገራት ንጥቕምኻ ከም ዝኸውን ግበሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2016
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 4 ገጽ 5
ንኣካላዊ ምውስዋስ ዚኸውን ክዳውንቲ፡ ጫማታት፡ ማይ መስተዪ ጥርሙዝ፡ ኤለክትሮናዊ መሳርሒ ብምሸት ተቐሪቡ

ገበር | ንልማዳትካ ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

2 ከባቢኻ ብግቡእ ኣመሓድር

  • ኣመጋግባኻ ኸተመሓይሽ ቈሪጽካ ኢኻ፣ እታ ጀላቶ ግና ኣዝያ እያ እተህርር።

  • ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ወሲንካ ኢኻ፣ ዓርክኻ ግና ምትካኽ ከተቋርጽ ትጽዕር ከም ዘለኻ እናፈለጠ ሽጋራ ይህበካ።

  • ሎሚ ኣካላዊ ምውስዋስ ክትገብር መዲብካ ኔርካ፣ ኰይኑ ግና፡ መጕየዪ ጫማኻ ኣብ ከብሒ ምድላይ ጥራይ እኳ ዓቐብ ኰይኑካ።

ነቲ ኣብዚ ኣብነታት ዚርከብ ሓባራዊ ነገር ከተስተብህለሉ ኽኢልካዶ፧ ካብ ተመክሮ ኸም እተራእየ ኸባቢና፡ ማለት ርእስና እነቃልዓሉ ዅነታትን እንሓብሮም ሰባትን፡ ጽቡቕ ልማድ ንምምዕባል ኰነ ሕማቕ ልማድ ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ንዓወትና ይጸልዎ እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ።”—ምሳሌ 22:3።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲምና ኽንሓስብ እዩ ዚምዕደና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቲ ሸቶታትና ንኸይንወቅዕ ኪዕንቅፈና ዚኽእል ኵነታት ከነወግዶ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንርእስና ናብ ዝሓሸ ዅነታት ክንመርሓ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 2:22) ብሓጺሩ፡ ከባቢና ብግቡእ ምምሕዳር ጥበባዊ እዩ።

ሕማቕ ነገር ምግባር ከም ዚኸብደካ፡ ቅኑዕ ነገር ምግባር ድማ ከም ዚቐለካ ግበር

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

  • ሕማቕ ነገር ምግባር ከም ዚኸብደካ ግበር። ንኣብነት፡ ንጥዕና ጐዳኢ ዝዀነ ኣመጋግባ ኸተወግድ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ንዓኻ ጽቡቕ ከም ዘይኰነ እትፈልጦ ምግቢ ኣብ ክሽነኻ ኣይተቐምጦ። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ዊን ኪብለካ ኸሎ ኢድካ ንኸይትህብ ኪሕግዘካ እዩ።

  • ቅኑዕ ነገር ምግባር ከም ዚቐለካ ግበር። ንኣብነት፡ ንግሆ ተንሲእካ ኣካላዊ ምውስዋስ ክትገብር እንተ መዲብካ፡ ነቲ ኽዳውንትኻ ብድሮኡ ቐሪብካዮ ሕደር። ንሓደ ንጥፈት ክትጅምሮ ኸሎኻ ቐሊል ከም ዚኸውን እንተ ደኣ ጌርካዮ፡ ክትቅጽሎ ዘሎካ ኣጋጣሚ ሰፊሕ እዩ።

  • ኣዕሩኽካ ብጥበብ ምረጽ። ከምቶም መዋዕልትና ዝዀኑ ሰባት ናይ ምዃን ዝንባለ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 15:33) ስለዚ፡ ነቲ ምስቶም ከተወግዶ ንእትደሊ ሕማቕ ልማድ ዜተባብዑ ሰባት ዘሎካ ርክብ ደረት ግበረሉ፣ ምስቶም ጽቡቕ ልማድ ከተማዕብል ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ሰባት ድማ ተቐራረብ።

ተወሳኺ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

“ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን።” —ምሳሌ 13:20።

“ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ።” —ምሳሌ 21:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ