ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 4 ገጽ 16
  • ዑደት ህይወት ፋንጣ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዑደት ህይወት ፋንጣ
  • ንቕሑ!—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 4 ገጽ 16

ተነዲፉ ድዩ፧

ዑደት ህይወት ፋንጣ

ፋንጣ ምስ ኣንበጣ እትመሳሰል ሓሸራ ዀይና፡ ብዘይካ ኣብ ኣንታርክቲካ ኣብ ኵለን ኣህጉራት እያ እትርከብ። እታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ እትርከብ ዓይነት ፋንጣ (ፒርዮዲካል ሲካዳ) ግና ንተመራመርቲ ስነ ህይወት ንነዊሕ እዋን ኣደኒቓቶም እያ።

ፋንጣ

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እዘን ብሚልዮናት ዚቝጸራ ዓይነት ፋንጣ እዚአን፡ ኣብ ወቕቲ ጽድያ ተቐልቂለን ንሒደት ሰሙናት ጥራይ ይጸንሓ። ኣብዚ ሓጺር እዋን እዚ፡ ናይ መጀመርታ ቘርበተን የርግፋ፡ ብብርቱዕ ድምጺ ይዝምራ፡ ይነፍራ፡ ይፋረያ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ይሞታ እየን። እቲ ዜገርም፡ እቲ ዚቕጽል ወለዶ፡ ከከም ጅር እተን ፋንጣ ድሕሪ 13 ወይ 17 ዓመት እዩ ዚቕልቀል። እሞኸ፡ ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ነዘን ሓሸራታት እንታይ እዩ ዜጋጥመን፧?

መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ ነቲ ዜደንቕ ዑደት ህይወት ፋንጣ ኽንርድኦ ኣሎና። ካብቲ እተቐልቀላሉ እዋን ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ፡ እቶም ዝኣኸሉ ሓሸራታት ይዋሰቡ እሞ፡ እተን ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ውልዶ ጨናፍር ኦም ካብ 400 ኽሳዕ 600 እንቋቝሖ ይወልዳ። ድሕሪኡ፡ እተን ዝኣኸላ ነዊሕ ከይጸንሓ ይሞታ። ኣብ ዚቕጽል ሒደት ሰሙናት፡ እቲ እንቋቝሖ ይጭጫሕ፡ እቶም ውልዶታት ኒምፍ ድማ ናብ መሬት ይወድቁ፡ ኣብ ሓመድ ኲዒቶም ብምእታው ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ምንባር ይጅምሩ፣ ንሓያሎ ዓመታት ከኣ ካብ ሰራውር ኣእዋም ፈሳሲ እናመጸዩ ይነብሩ። ድሕሪ 13 ወይ 17 ዓመት ድማ እቶም ዝኣኸሉ ሓድሽ ወለዶ ነቲ ዑደት እቲ ንምቕጻል ይቕልቀሉ።

ብመሰረት ኣብ መጽሔት ኔቸር ዝወጸት ዓንቀጽ፡ እቲ እተሓላለኸ ዑደት ህይወት እዘን ዓይነት ፋንጣ እዚአን፡ “ንዘመናት ዚኣክል ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣስደሚምዎም እዩ ጸኒሑ። . . . ሕጂ እውን እንተዀነ ተመራመርቲ ስነ ሓሸራ ንዑደት ህይወት እዛ ፍልይቲ ሓሸራ ንምርዳእ ይጽዕሩ እዮም ዘለዉ።” እዚ ተርእዮ እዚ፡ ገና ዘይተፈትሐ ምስጢር እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ ዑደት ህይወት ፋንጣ ውጽኢት ፍልቀት ድዩ፧ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ