ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 6 ገጽ 10-11
  • ደሲደርዩስ ኢራስመስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ደሲደርዩስ ኢራስመስ
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽናዕትታቱን እምነታቱን
  • ብግሪኽኛ እተዳለወ ሓድሽ ኪዳን
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተሓብሒቡን ተኣጊዱን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2016
  • ቨሰል ኻንስፎርት “ቅድሚ ተሓድሶ ዝነበረ ሓዳሲ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 6 ገጽ 10-11

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ደሲደርዩስ ኢራስመስ

ደሲደርዩስ ኢራስመስ

ደሲደርዩስ ኢራስመስ (ከ. 1469-1536) ኣብ ፈለማ፡ ብዘመኑ ልዕሊ ዅሎም ምሁራት ኤውሮጳ በሊሕ ከም ዝዀነ ተናኢዱ እኳ እንተ ነበረ፡ ጸኒሑ ግና ኸም ጃጃዊ ወይ መናፍቕ ተቘጺሩ፡ ተዋሪዱ እዩ። ኣብ ሓደ ርሱን ሃይማኖታዊ ኽትዕ፡ ነቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኣብቶም መራሕቲ ተሓድሶን ዚርአ ዝነበረ ጕድለታትን ዓመጽን ብትብዓት ኣቃሊዕዎ እዩ። ሎሚ፡ ኣብ ሃይማኖታት ኤውሮጳ ኣብ እተራእየ ለውጢ፡ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዝነበሮ ተፈሊጡ እዩ። ብኸመይ፧

መጽናዕትታቱን እምነታቱን

ኢራስመስ ግሪኽኛን ላቲንን ይመልኽ ብምንባሩ፡ ንኸም ቩልጌት ዝኣመሰለ ብላቲን እተዳለወ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ኬነጻጽሮ ኽኢሉ እዩ። ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸኣ ኣመነ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብቲ እዋን እቲ ልሙድ ናብ ዝነበረ ቛንቋታት ኪትርጐም ከም ዘለዎ ገለጸ።

ኢራስመስ ክርስትና ኺብሃል ከሎ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ጽምብላት ምስታፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣነባብራኻ ኺርአ ኸም ዘለዎ ይኣምን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ውሽጣዊ ተሓድሶ ኺግበር ኣተባብዐ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ መራሕቲ ተሓድሶ፡ ተቓውሞ ኺገብሩን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ሮማ ለውጢ ኺግበር ኪሓትቱን ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ዓይኒ ጥርጣረ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣተወ።

ኢራስመስ ነቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኣብቶም መራሕቲ ተሓድሶን ዚርአ ዝነበረ ጕድለታትን ዓመጽን ብትብዓት ኣቃሊዕዎ እዩ

ኢራስመስ ኣብ ጽሑፋቱ፡ ንዓመጽን ንናይ ጃህራ ኣነባብራን ኣቕሽሽቲ ኸምኡ ድማ እቶም ንውግእ ዚድግፉ ጳጳሳት ንዘለዎም ህርፋን ስልጣን ኣቃሊዕዎ እዩ። ነቲ ብልሹዋት ኣቕሽሽቲ ብኸም ኑዛዜ ሓጢኣትን ኣምልኾ ቕዱሳንን ጾምን ንግደትን ዝኣመሰለ ልምድታት ቤተ ክርስትያን ኣቢሎም ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ምዝመዛ ኸም ዘይሰማማዓሉ ገለጸ። ንኸም መሸጣ ስርየት ሓጢኣትን ምኽልካል መርዓን ዝኣመሰለ ልምድታት ቤተ ክርስትያን እውን ተቓዊምዎ እዩ።

ብግሪኽኛ እተዳለወ ሓድሽ ኪዳን

ብ1516 ኢራስመስ ነቲ ንፈለማ እዋን ባዕሉ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን ኣሕተመ፣ እዚ እቲ ንፈለማ እዋን እተሓትመ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እዩ። ዕዮ ኢራስመስ፡ ተወሳኺ መግለጺታትን ነቲ ኻብ ቩልጌት ዚፍለ ባዕሉ ናብ ላቲን ዝተርጐሞ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ንሕታሙ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ብቐጻሊ ይኽልሶ ስለ ዝነበረ ድማ፡ እቲ ተጻፊፉ እተወድአ ሕታሙ ምስቲ ናይ ላቲን ቩልጌት ብዙሕ ፍልልይ ኪህልዎ ኸኣለ።

ኢራስመስ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን

ኢራስመስ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን

ሓደ ኻብቲ ፍልልያት፡ ኣብ ቀዳማይ ዮሃንስ 5:7 ዚርከብ እዩ ነይሩ። ኣብ ቩልጌት፡ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘይብሉ ትምህርቲ ስላሴ ንምድጋፍ፡ ኮማ ዮሃነዩም ተባሂሉ ዚፍለጥ ሓቅነት ዘይብሉ ቓላት ተወሲኽዎ ነይሩ እዩ። ኣብኡ፡ “ኣብ ሰማይ፡ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ኣለዉ፣ ሰለስቲኦም ድማ ሓደ እዮም” ዚብል ይንበብ። ይኹን እምበር፡ ኢራስመስ ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ ኵሉ እቲ እተወከሶ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ ስለ ዘይረኸበን፡ ካብ ክልቲአን እተን ናይ ሓድሽ ኪዳን ቀዳሞት ሕታማቱ ኣውጽአን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ሕታሙ ነዘን ቃላት እዚአን እንደገና ኼእትወን ብቤተ ክርስትያን ጸቕጢ ተገይሩሉ ነበረ።

ኢራስመስ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ እተመሓየሸ ሕታማት ሓድሽ ኪዳን፡ ናብ ቋንቋታት ኤውሮጳ ብዝሓሸ መገዲ ንምትርጓም መሰረት ኰይኑ እዩ። ማርቲን ሉተርን ዊልያም ቲንደልን ኣንቶንዮ ብሩቾልን ፍራንሲስኮ ዲ ኢንዚናስን፡ ነዘን ሕታማት እዚአን ብምጥቃም፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ናብ ጀርመንኛን እንግሊዝኛን ጥልያንኛን ስጳንኛን ተርጒሞምዎ እዮም።

ኢራስመስ ሓያል ሃይማኖታዊ ናዕቢ ዝነበሮ እዋን ኣሕሊፉ እዩ። እቲ ባዕሉ ብግሪኽኛ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን፡ ብመራሕቲ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ከም ኣዝዩ ሓጋዚ ንዋት ተቘጺሩ እዩ። ተሓድሶ ኸይጀመረ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ገሊኦም ንኢራስመስ ከም መራሒ ተሓድሶ ይርእይዎ ነይሮም እዮም። ብድሕርዚ፡ ኣብቲ ጸኒሑ እተላዕለ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ኽትዓት ወገን ምሓዝ ኣብዩ እዩ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ዴቪድ ሻፍ ዝስሙ ምሁር ቅድሚ 100 ዓመት ኣቢሉ፡ ኢራስመስ “ምስ ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ምትእስሳር ኣይነበሮን፡ ብዅሉ ተነጺሉ ኸሎ ድማ እዩ ሞይቱ። ካቶሊክ ኰኑ ፕሮተስታንት ኣባሎም ምንባሩ ኺዛረቡ ኣይከኣሉን” ብምባል ጸሓፈ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብ1516 ኢራስመስ ብግሪኽኛ እተዳለወ ሓድሽ ኪዳን ኣሕተመ። ኣብ ሓደ ዓምዲ እቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ፡ ኣብቲ ኻልእ ዓምዲ ድማ ብቛንቋ ላቲን ዘዳለዎ ትርጉም፡ ከምኡ ድማ ሰፊሕ ተወሳኺ መግለጺታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ።

  • ኢራስመስ ኣብ መቕድም እቲ ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን፡ “ነቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ብተራ ሰባት ኪንበብ ዘይደልዩ ዀኑ ነቶም ነዚ ቕዱሳት ጽሑፋት ናብ ካልእ ተራ ቛንቋታት ኪትርጐም ዘይደልዩ ሰባት ኣዝየ እየ ዝቃወሞም” ብምባል ጸሓፈ።

  • ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ኤውሮጳ፡ ተጻረርቲ ንመጻሕፍቱ ኣንዲዶምዎ እዮም፣ እቶም ኣብ ሮማ ዝነበሩ ጳጳሳት ድማ ንመጻሕፍቱ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ዝርዝር እቲ እተኣገደ ጽሑፋት ኣእትዮምዎ ነይሮም እዮም።

ኣህጉራዊ ብዓል ዝና

ኢራስመስ ብሓቂ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዝነበሮ ምሁር እዩ ነይሩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ይነብርን ይሰርሕን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ንጉሳዊ ቤተ ሰብን ካብ ዩኒቨርሲቲታትን ጽልዋ ዝነበሮም ኣዕሩኽ ኣጥርዩ እዩ። ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ምሁራት፡ ኬማኽሮም ይሓትትዎ ነበሩ። ጽሑፋቱ ብሰፊሑ ስለ እተነብበን ኣድንቖት ስለ ዘትረፈን፡ ተፈላጥነት ረኺቡ እዩ። ንእተወሰነ እዋን፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ መሳፍንትን ጳጳሳትን ምሁራትን፡ ብዳንኬራን ብጨብጨባን ይቕበልዎ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓደ ዘመናዊ ጸሓፊ፡ “ምስዞም ሎሚ ዘለዉ ሰብ ዝና ዚመዓራረ መራሒ ተሓድሶ” ብምባል ጸውዖ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ