ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 3 ገጽ 16
  • ጸምሪ ጣቝስታ ባሕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸምሪ ጣቝስታ ባሕሪ
  • ንቕሑ!—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2017
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 3 ገጽ 16
ጣቝስታ ባሕሪ

ተነዲፉ ድዩ፧

ጸምሪ ጣቝስታ ባሕሪ

ኣብ ቈራሪ ማያት ዚነብሩ ብዙሓት መጥበውቲ እንስሳታት፡ ኣብ ትሕቲ ቘርበቶም ሙቐት ኣካላቶም ኪዕቅቡ ዚሕግዞም ስብሒ ኣለዎም። ጣቝስታ ባሕሪ ግና፡ ሙቐት ኣካላቱ ዚዕቅበሉ ኻልእ መገዲ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ጽዑቕ ጸምሪ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ጸምሪ ጣቝስታ ባሕሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትርብዒት ሰንቲ ሜተር 155,000 ጸጕሪ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ካብ ጸምሪ ዝዀነ ይኹን መጥበዊ ዝጸዓቐ እዩ። ጣቝስታ ኺሕምብስ ከሎ፡ እቲ ጸምሩ ኣብ ጥቓ ቘርበቱ ኣየር ይሕዝ እዩ። እቲ ኣየር እቲ ኸኣ፡ እቲ ዝሑል ማይ ብቐጥታ ንቘርበት እቲ እንስሳ ኸይትንክፎ እሞ ኸየቝርሮ ዓጋቲ ይዀነሉ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ካብ ጸምሪ ጣቝስታ ባሕሪ ኺምሃርዎ ዚኽእሉ ነገር ከም ዘሎ ይኣምኑ እዮም። እተፈላለየ ቝመትን ጻዕቕን ጸምሪ ዘለዎ ሰብ ዝሰርሖ ልብሲ ኸኣ ፈቲኖም እዮም። እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ጸጕሪ ዝያዳ ጽዑቕን ነዊሕን ብዝዀነ መጠን፡ ማይ ናብ ውሽጢ ኸም ዘየእቱ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ጣቝስታ ባሕሪ ብጸምሪ እተሰርሐ ውጽኢታዊ ልብሲ ኣብ ምምሃዝ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።

ተመራመርቲ፡ እቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ማይ ዘየእቱ ብሉጽ ዓለባ ንምንዳፍን ንምድላውን ኣብ ዚግበር ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ኣበርክቶ ኺህልዎ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ። ‘እሞ ደኣ እቶም ኣብ ቈራሪ ማያት ዚጠልቁ ጠለቕቲ ምስ ናይ ጣቝስታ ዚመሳሰል ጨጓር ልብሲ እንተ ዚኽደኑዶ ኣይምሓሸን፧’ ኢሎም ዚሓስቡ ኣይስኣኑን እዮም።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ሙቐት ዚዕቅብ ጸምሪ ጣቝስታ ባሕሪ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ