ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 4 ገጽ 8
  • እተደንቕ ተርን ኣርክቲክ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተደንቕ ተርን ኣርክቲክ
  • ንቕሑ!—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓንጐል ምጹጹላይ ኣርክቲክ
    ተነዲፉ ድዩ፧
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2017
  • እታ ምልክዕቲ ጽምብላሊዕ ምስጢራ ተፈሊጡ
    ንቕሑ!—2013
  • እቲ ብቐሊሉ ዘይጕዳእ ሓንጎል ምጹጹላይ ኣርክቲክ
    ንቕሑ!—2013
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 4 ገጽ 8
ተርን ኣርክቲክ

እተደንቕ ተርን ኣርክቲክ

ንነዊሕ እዋናት፡ ተርን ኣርክቲክ ካብ ዞባ ኣርክቲክ ናብ ኣንታርክቲካ በጺሐን ብምምላስ ኣብ ዚገብራኦ ጕዕዞ፡ ኣስታት 35,200 ኪ.ሜ. ዚኣክል ርሕቀት ከም ዚጐዓዛ እዩ ዚእመን ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ ግና፡ እዘን ኣዕዋፍ እዚአን ዝያዳ ርሕቀት እየን ዚጐዓዛ።

ተርን ኣርክቲክ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ እትጐዓዘሉ መገዲ

ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ፡ ተርን ትኽ ዝበለ መስመር ሒዘን ኣይኰናን ዚጐዓዛ

ነዚ መጽናዕቲ እዚ ንምግባር፡ ንእተወሰና ኣዕዋፍ ጂኦሎኬተርስ ዚብሃል ዳርጋ ኽንዲ መቐርቀር ወረቐት ዝኽብደቱ ደቂቕ መሳርሒ ኣብ ኣእጋረን ተገጥመለን። ሳላ እዚ ዜደንቕ መሳርሒ እዚ ድማ ገሊአን ተርን፡ ካብ ቦታአን በጺሐን ንምምላስ ብገምጋም 90,000 ኪ.ሜ. ዚኸውን ርሕቀት ከም ዚጐዓዛ ኺፍለጥ ተኻኢሉ። ብመሰረት ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ሓበሬታት ድማ፡ እንስሳታት ካብ ዚገብርዎ ጕዕዞታት እዚ እቲ ዝነውሐ እዩ። ሓንቲ ኻብተን ኣዕዋፍ፡ ዳርጋ 96,000  ኪ.ሜ. ዚኸውን ተጓዒዛ እያ! እቲ መጽናዕቲ እተኸለሰ ስለምንታይ እዩ፧

ምኽንያቱ፡ ተርን ኣርክቲክ ጕዕዘአን ዝጀመራሉ ቦታ ብዘየገድስ፡ ትኽ ዝበለ መስመር ሒዘን ኣይኰናን ዚጐዓዛ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ኪጕዓዛ ኸለዋ ጥውይዋይ መስመር እየን ዚስዕባ። ስለምንታይ፧ ንሓይሊ ንፋስ ኪጥቀማሉ ስለ ዚደልያ እየን።

እዘን ኣስታት 30 ዓመት ዚነብራ ኣዕዋፍ፡ ኣብ መላእ ዕድሚአን ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ኪ.ሜ ዚኣክል ርሕቀት ኪጐዓዛ ይኽእላ እየን። እዚ ኸኣ ናብ ወርሒ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሳዕ እትመላለሰሉ ርሕቀት እዩ። ከምቲ ሓደ ተመራማሪ ዝበሎ፡ “ሓንቲ 100 ግራም እትምዘን ዑፍ ክንድዚ ዚኣክል ክትጐዓዝ ምኽኣላ፡ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።” ላይፍ ኦን አርዝ፦ ኤ ናቹራል ሂስተሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ ድማ፡ ተርን ኣርክቲክ ኣብ ክልቲኡ ዋልታ ምድሪ፡ ኣብ እዋን ሓጋይ ስለ ዚበጽሓ፡ “ኣብ ዓመት፡ ካብ ኵሉ ፍጥረት ብዝያዳ ብርሃን መዓልቲ” ይርእያ እየን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ