ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g17 ቍ. 5 ገጽ 16
  • ቅርጺ ዛዕጐላት ባሕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅርጺ ዛዕጐላት ባሕሪ
  • ንቕሑ!—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2017
  • ብርሃን ካብ ህይወት
    ተነዲፉ ድዩ፧
ንቕሑ!—2017
g17 ቍ. 5 ገጽ 16
ዛዕጐላት ባሕሪ

ተነዲፉ ድዩ፧

ቅርጺ ዛዕጐላት ባሕሪ

ሞሉስካ ዚብሃል እንስሳ ባሕሪ ነቲ ኣብ ባይታ ባሕሪ ዘሎ ኸቢድ ጸቕጢ ተጻዊሩ ኺነብር ዚኽእል፡ ሳላ ዛዕጐል ባሕሪ እዩ። መሃንድሳት ድማ ነዚ ብሉጽ ዕቝባ እዚ ድሕሪ ምዕዛቦም፡ ንተጠቃሚኡ ዜዕቍብ መጐዓዝያን ህንጻታትን ንምስራሕ ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ኣብ ቅርጽን መዋቕርን ዛዕጐል ባሕሪ መጽናዕቲ ንምግባር ተለዓዒሎም ኣለዉ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መሃንድሳት ክልተ ቕርጺ ዛዕጐል ባሕሪ መርሚሮም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ሓደ ጽምዲ ድርዒ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልእ ድማ ቪተ ዚመስል ሕምብሊላይ እዩ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ኸም እተረኽበ ድማ፡ እቲ ኣብ ደጋዊ ኽፋል ጽምዲ ዝድርዑ ዛዕጐል ዘሎ መሰናግለ ዚመስል ዕራድ ዕራድ፡ ነቲ ጸቕጢ ናብቲ መላግቦኡን ደጋዊ ጫፋቱን ከም ዜብል እዩ ዚገብሮ። እቲ ኣብ ደጋዊ ኽፋል ሕምብሊላይ ዛዕጐል ዘሎ ጥውይዋይ ድማ፡ ነቲ ጸቕጢ ናብ ሕመረቱን ናብቲ ሰፊሕ ጫፋቱን ከም ዜብል እዩ ዚገብሮ። ኣብ ክልቲኡ ኸኣ፡ ቅርጺ እቲ ዛዕጐላት ባሕሪ ነቲ ጸቕጢ ናብቲ ዝተረረ ሸነኹ ኸም ዜብል እዩ ዚገብሮ። እዚ ማለት ድማ፡ ጕድኣት ኬጋጥም ከሎ፡ እቲ ሞሉስካ ብዙሕ ኣይጕዳእን።

ብዘይካዚ፡ ተመራመርቲ ንናይ ሓቂ ዛዕጐላትን ብ3-D ፕሪንተር (ቅርጺ ዚሰርሕ ማሽን) ንእተሰንዐ ምስ ዛዕጐላት ዚመሳሰል ነገራትን ፈተነ ተጻዋርነት ጸቕጢ ገይሮምሉ እዮም። እቲ ውጽኢት ድማ፡ ተፈጥሮኣዊ ዛዕጐላት ባሕሪ ዘለዎ እተሓላለኸ ዝባን ምስቲ ኸም ስሊንደርን ኵዕሶን ዝኣመሰለ ዝቐለለ ቕርጺ ዘለዎ ነገራት ኪነጻጸር ከሎ፡ እቲ ተፈጥሮኣዊ ዛዕጐላት ጸቕጢ ንምጽዋር ዘለዎ ዓቕሚ ዳርጋ ብዕጽፊ እዩ ዚውስኽ።

ሳይንቲፊክ ኣመሪካን፡ እዚ ምርምር እዚ ኣበይ ኪጠቅም ከም ዚኽእል ክትገልጽ ከላ፡ “ሓደ መዓልቲ፡ ቅርጺ ዛዕጐል ዘለዋ ማኪና እንተ ዘዊርካ፡ ውቅብቲ ዝመልክዓን ኣብ ውሽጣ ንዘሎ ኸተዕቍብ እተነድፈትን እያ ኽትከውን” ትብል።

እንታይ ይመስለካ፧ ቅርጺ ዛዕጐላት ባሕሪ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ