ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 2 ገጽ 4
  • 1 ቃል ኪዳን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1 ቃል ኪዳን
  • ንቕሑ!—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ንቓል ኪዳንካ ብኸመይ ከም እተደልድሎ
    ንቕሑ!—2015
  • ንሓዳርካ ኸተደልድለሉ እትኽእል መገድታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣብ ቃል ኪዳን ምጽናዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 2 ገጽ 4
ማዕበል ምስ ኰነ፡ መልህቕ ንሓንቲ ጃልባ የጽንዓ

ቃል ኪዳን ከም መልህቕ እዩ፣ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንሓዳር የጽንዖ

ንሰብ ሓዳር

1 ቃል ኪዳን

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ቃል ኪዳኖም ዚሕልዉ ሰብኣይን ሰበይትን ንመውስቦኦም ነባሪ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎኦም ቅሳነት ይፈጥር እዩ። ክልቲኦም ድማ ብጻዮም ኣብ ጽንኩር ግዜ እውን ከይተረፈ ንመውስቦኡ ኸም ዜኽብር ይተኣማመኑ እዮም።

ገሊኦም ሰብ ሓዳር ብምኽንያት ማሕበራዊ ወይ ቤተ ሰባዊ ጸቕጢ ብሓባር ኪነብሩ ይግደዱ እዮም። በቲ ኣብ መንጎ ሓድሕዶም ዘሎ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተደሪኾም ቃል ኪዳኖም ዚሕልዉ እንተ ዀይኖም ግና ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብኣይ . . . ካብ ሰበይቱ ኣይፈለ።”—1 ቈረንቶስ 7:11።

“ንቓል ኪዳንካ ውፉይ እንተ ዄንካ፡ ብቐሊሉ ኣይትቕየምን ኢኻ። ቀልጢፍካ ይቕረ ትብልን ቀልጢፍካ ይቕረታ ትሓትትን ኢኻ። ንጸገማት ከም ዕንቅፋታት እምበር፡ ከም መባተኺ ጌርካ ኣይትርእዮን ኢኻ።”—ማይካ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንቓል ኪዳኖም ውፉያት ንዘይኰኑ ሰብ ሓዳር ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ‘ኣይንሳነን ኢና’ ኢሎም ይድምድሙ፡ ንፍትሕ ድማ መገዲ የናድዩ እዮም።

“ብዙሓት ሰባት ሓዳር ኪጅምሩ ኸለዉ፡ እንተ ዘይቀደወ ኸም ‘መሐለውታ’ ኪዀኖም ፍትሕ ይሓስቡ እዮም። ፍትሕ እናሓሰቡ ሓዳር እንተ ጀሚሮም፡ ቃል ኪዳኖም ካብ መጀመርታኡ ጽኑዕ ኣይኰነን።”—ጂን።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ርእስኻ ፈትን

ክትብኣሱ ኸለኹም . . .

  • ብመጻምድትኻ ትጠዓስ ዲኻ፧

  • ምስ ካልእ ክትከውን ትምነ ዲኻ፧

  • “ሓዲገካ/ኪ ክኸይድ እየ” ወይ “ዚርድኣኒ ሰብ ክረክብ እየ” ትብል ዲኻ፧

ንሓዲኡ ኻብዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ቃል ኪዳንካ ኸተድልድለሉ እትኽእል እዋን ሕጂ እዩ።

ምስ መጻምድትኻ ተመያየጥ

  • ንቓል ኪዳንና ዝነበረና ተወፋይነት ነክዩዶ፧ እንተ ነክዩ፡ ስለምንታይ፧

  • ንቓል ኪዳንና ንምድልዳል እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧

ምኽሪ

  • ሓሓሊፍካ ንመጻምድትኻ ብጽሑፍ ፍቕርኻ ግለጽ

  • ኣብ እትሰርሓሉ ቦታ ስእሊ መጻምድትኻ ብምንባር ተወፋይነትካ ኣርኢ

  • ብስራሕ ወይ ብኻልእ ተፋላሊኹም ኣብ እትውዕሉሉ እዋን ተሌፎን ደውል

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”—ማቴዎስ 19:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ