ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 2 ገጽ 6
  • 3 ኣኽብሮት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3 ኣኽብሮት
  • ንቕሑ!—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ኣኽብሮት ብኸመይ ከም እተርኢ
    ንቕሑ!—2016
  • ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
    ንስድራ ቤት
  • ምትዕራቕ ዝሓሸ ድዩ፧
    ንቕሑ!—2000
  • ብኸመይ ተዓጻጻፊ ኸም እትኸውን
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 2 ገጽ 6
ሰብ ሓዳር ብብዑጥ ስሚንቶን ብሕጡብን ገይሮም ይነድቁ

ብምክብባር ዚዝረብ ዘረባ፡ ንሓዳርኩም ከም ዜላግብ ብዑጥ ስሚንቶ እዩ

ንሰብ ሓዳር

3 ኣኽብሮት

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ዚከባበሩ ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ዘይሰማምዑሉ እዋን እኳ ንሓድሕዶም ይፋተዉ እዮም። ቴን ለሰንስ ቱ ትራንስፎርም ዮር ሜረጅ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “[ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ] ሰብ ሓዳር ብህልኽ ተለዓዒሎም ኪወጹሉ ኣብ ዘይክእሉ ዅነታት ኣይኣትዉን እዮም” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ግጭታቶም ይዛራረቡ እዮም። ንርእይቶ መጻምድቶም ብኣኽብሮት ይሰምዑ፡ ንኽልቲኦም ዚዓዪ ፍታሕ ይረኽቡ እዮም” ትብል።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ፍቕሪ . . . ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን . . . እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4, 5።

“ንሰበይተይ ዘኽብራ እንተ ዀይነ ዋጋኣ ይርድኣኒ እዩ፣ ንዓኣ ወይ ንሓዳርና ዚጐድእ ዝዀነ ነገር እውን ክገብር ኣይደልን እየ።”—ማይካ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ምክብባር እንተ ዘየልዩ፡ ኣብ ዝርርቦም ነቐፌታን ሽምጠጣን ንዕቀትን ኪኣቱ ይጅምር እዩ፣ እዚ ኸኣ ተመራመርቲ ኸም ዚብልዎ ናይ መጀመርታ ምልክት ፍትሕ እዩ።

“ብዛዕባ ሰበይትኻ ሕማቕ እትዛረብ፡ እትሽምጥጥ፡ ወይ እትጨርቕ እንተ ዄንካ፡ እዚ ንርእሰ ምትእምማና ይሕምሽሾ፡ ኣባኻ ንዝነበራ እምንቶ የጥፍኦ፡ ንሓዳርካ እውን ይጐድኦ እዩ።”—ብራያን።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ርእስኻ ፈትን

ንሰሙን ዚኣክል ንዘረባኻን ንተግባርካን ኣቕልበሉ። ድሕሪኡ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦

  • ‘ንመጻምድተይ ክንደይ ሳዕ እየ ነቒፈ፧ ክንደይ ሳዕከ እየ ንኢደ፧’

  • ‘ንመጻምድተይ ብምንታይ መገድታት እየ ኣኽብሮተይ ኣርእየ፧’

ምስ መጻምድትኻ ተመያየጥ

  • እንታይ ተግባራትን ቃላትን እዩ ኸም እትከባበሩ ዜርኢ፧

  • እንታይ ተግባራትን ቃላትን እዩ ኸም ዘይትከባበሩ ዜርኢ፧

ምኽሪ

  • ንስኻን መጻምድትኻን ክትክበሩሉ እትደልዩ ሰሰለስተ መገዲ ብብሕትኹም ጽሓፉ። ነቲ ዝጸሓፍኩምዎ ተላዋወጡ እሞ በቲ ኣብኡ ዘሎ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ተኸባበሩ።

  • ንመጻምድትኻ እተኽብረሉ ባህርያት ዘርዝር። ድሕሪኡ፡ ንመጻምድትኻ፡ ነቲ ባህርያት ክሳዕ ክንደይ ከም እትፈትዎ ግለጸሉ።

“ንሰብኣየይ ዘኽብሮ እንተ ዀይነ፡ ክብ ኣቢለ ኸም ዝርእዮን ኪሕጐስ ከም ዝደልዮን ብተግባራተይ እየ ዘርኢ። ወትሩ ዓብዪ ነገር እገብር ማለት ኣይኰነን፣ ብዙሕ ግዜ ዝገብሮ ንኣሽቱ ነገራት እዩ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ዜርኢ።”—ሜጋን።

ኣኽብሮት በቲ ንስኻ ገይረዮ ኢልካ እትኣምነሉ ዘይኰነስ፡ በቲ መጻምድትኻ ዝሓደሮ ስምዒት እዩ ዚልካዕ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ።”—ቈሎሴ 3:12።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ