ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 2 ገጽ 11
  • 8 ኣብነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 8 ኣብነት
  • ንቕሑ!—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ እትምህረሉ መገዲ ኣየናይ ሜላ እዩ ብዝበለጸ ዚዓዪ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 2 ገጽ 11
ሓንቲ ጓል ኣብ ውርጪ ኣስኣሰር ኣቦኣ ትስዕብ

ደቅኻ ኺስዕቡኻስ፡ ንስኻ ብምንታይ ዓይነት መገዲ ትኸይድ ኣለኻ፧

ንወለዲ

8 ኣብነት

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብነት ዚዀኑ ወለዲ ኸምቲ ዚምህርዎ ዀይኖም እዮም ዚመላለሱ። ንኣብነት፡ ምስ ሓደ ሰብ ክትራኸብ ስለ ዘይደለኻ፡ “‘ኣብ ገዛ የሎን’ በሎ” ኽትብል ከለኻ ወድኻ እንተ ሰሚዑካ፡ ሓቀኛ ኪኸውን መሸም ክትጽበዮ ኣይትኽእልን ኢኻ።

“‘ከምቲ ዝበልኩኻ እምበር፡ ከምቲ ዝገብሮ ኣይትግበር’ ዚብል ብሂል ኣሎ። እዚ ግና ምስ ውሉዳት ኣይዓይይን እዩ። እንብሎ ዅሉ ኸም ዚመጽዩ ሰፍነግ [ወይ ስፖንጅ] እዮም፣ እቲ እንብሎ ምስቲ ኽንምህሮም እንፍትን ነገራት ዘይቃዶ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ከኣ ይነግሩና እዮም።”—ዴቪድ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣታ፡ ‘ኣይትስረቕ’ ኢልካ እትሰብኽ፡ ትሰርቕዶ፧”—ሮሜ 2:21።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ወለዲ ኣብቶም ውሉዳቶም ዝዀኑ ቈልዑን መንእሰያትን ልዑል ጽልዋ የሕድሩ እዮም። እዚ ጽልዋኦም ከኣ ካብ ናይ ካልኦት ሰባት፡ እንተላይ ካብ ናይ መዛኑ ይሕይል። ስለዚ፡ ንደቅኻ ብቕኑዕ መገዲ ንምምራሕ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኣሎካ፣ ከምኡ ንምግባር ግና ከምቲ እትዛረቦ ኽትገብር ኣሎካ።

“ሓደ ነገር ሚእቲ ሳዕ ደጋጊምና ምስ እንዛረብ፡ ውሉድና ይሰምዓና እንተ ኣልዩ ንሓስብ ንኸውን፣ ግናኸ፡ ሓንሳእ እኳ ኸምቲ ዝበልናዮ እንተ ዘይጌርና፡ ውሉድና ነዚ ይሕብረና እዩ። ደቅና ንዅሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ዘየቕልቡሉ ኣብ ዚመስሉሉ እዋን እኳ የቕልቡሉ እዮም።”—ኒኮል።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ዘይግብዝቲ እያ።”—ያእቆብ 3:17።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ንናይ ገዛእ ርእስኻ መለክዒታት መርምሮ። እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኢኻ እትርኢ፧ ንመጻምድትኻን ንደቅኻን ብኸመይ ኢኻ እትሕዞም፧ እንታይ ዓይነት ኣዕሩኽ እዮም ዘለዉኻ፧ ንሰባት ትሓልየሎም ዲኻ፧ ብሓጺሩ፡ ከምቲ ደቅኻ ኪዀንዎ እትደልዮም ዓይነት ሰብ ዲኻ፧

“ኣነን ሰብኣየይን ንደቅና፡ ነቲ ንሕና ኣብ ህይወትና ኽንገብሮ ዘይከኣልና መለክዒታት ኬማልኡ ኣይንጽበዮምን ኢና።”—ክሪስቲን።

ንጌጋታትካ ይቕረታ ሕተት። ደቅኻ ኸም እትጋገ ይፈልጡ እዮም። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ንመጻምድትኻ ዀነ ንደቅኻ ይቕረታ ምስ እትሓትት ግና፡ ብዛዕባ ቕንዕናን ትሕትናን ጽቡቕ ትምህርቲ ኽትህብ ኢኻ።

“ደቅና፡ ኣብ እንጋገየሉ እዋን ጌጋና ኽንእመንን ንጌጋና ይቕረታ ኽንሓትትን ከለና ኺሰምዑ ኣለዎም። ከምኡ እንተ ዘይጌርና፡ ጌጋኦም ምሽፋን ጥራይ እዮም ዚምሃሩ።”—ሮቢን።

“ወለዲ ዘበልና፡ ኣብ ደቅና ዝዓበየ ጽልዋ ኣሎና፣ ኣብነትና ኸኣ ኵሉ ሳዕ ስለ ዚርእይዎ፡ ንምምሃር ከም እንጥቀመሉ ዝዓበየ ንዋት እዩ። ወትሩ ተገንጺሉ ኸም ዘሎ መጽሓፍን ወትሩ ኸም ዚውሃብ ትምህርትን እዩ።”—ወንደል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ