ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 3 ገጽ 3
  • ምረት ሓዘን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምረት ሓዘን
  • ንቕሑ!—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2018
  • ኣብዛ ሕታም እዚኣ፦ ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧
    ንቕሑ!—2018
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2018
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 3 ገጽ 3
ሓደ ሓዘንተኛ ኣብ ቤት ምግቢ ንበይኑ ኾፍ ይብል

ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ

ምረት ሓዘን

“ኣነን ሶፍያንa ኣብ ሓዳር ን39 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕና፡ ሶፍያ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ሞይታ። ፈተውተይ ብዙሕ ደጊፎምኒ እዮም፣ ብስራሕ ትሑዝ ክኸውን እውን ፈቲነ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ዓመት ምሉእ ኣብ መሪር ሓዘን እየ ነይረ። ሕንፍሽፍሽ ዝበለ ስምዒት እዩ ነይሩኒ። ሕጂ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እውን፡ ሓሓሊፉ ስምዒታዊ ስቓይ ኣሎኒ፣ እዚ ድማ ሃንደበት እዩ ዚመጽእ።”—ኮስታስ።

እትፈትዎ ሰብካ ሞይቱካዶ ይፈልጥ፧ ሞይቱካ እንተ ዀይኑ፡ ከም ናይ ኮስታስ ዓይነት ስምዒት ተሰሚዑካ ይኸውን እዩ። ሞት መጻምድቲ፡ ሞት ዘመድ፡ ወይ ሞት ፈታዊ ኣዝዩ ዜጨንቕን ዜጕህን እዩ። ብዛዕባ ምረት ሓዘን መጽናዕቲ ዚገብሩ ኽኢላታት እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዑ እዮም። ኣብ ዘ ኣመሪካን ጆርናል ኦፍ ሳይክያትሪ ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ፡ “ሞት ነባርን ካብ ኵሉ ዝኸፍአን ዓይነት ስእነት” ምዃኑ ተገሊጹ እዩ። ሰቡ ዝሞቶ እሞ ሓዘኑ ዝመረሮ ሰብ፡ ‘ከምዚ ዚስምዓኒ ኽሳዕ መዓስ እዩ፧ ድሕሪ ሕጅስ ሓጐስ ክረክብ ድየ፧ ብኸመይ ክጸናናዕ እኽእል፧’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን።

ኣብዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ክንርኢ ኢና። ኣብ ቀረባ እዋን ሰብካ ዝሞተካ እንተ ዄንካ፡ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እንታይ ክትጽበ ኸም እትኽእል ትገልጽ እያ። እተን ብድሕሪኣ ዘለዋ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ድማ፡ ንኽብደት ሓዘንካ ኺንክየልካ ዚኽእል ነገራት ይገልጻ እየን።

ምረት ሓዘን ዝጐድኦ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ካብዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት ግብራዊ ሓገዝ ኪረክብ ልባዊ ትምኒትና እዩ።

a ኣብዚ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዘሎ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ