ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 3 ገጽ 6-13
  • ንሓዘን ምኽኣሉ—ሕጂ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓዘን ምኽኣሉ—ሕጂ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
  • ንቕሑ!—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1. ካብ ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ሓገዝ ተቐበል
  • 2. ንኣመጋግባኻ ተጠንቀቐሉ፡ ምውስዋስ ኣካላት ግበር
  • 3. እኹል ድቃስ ደቅስ
  • 4. ተዓጻጻፊ ኹን
  • 5. ካብ ጐዳኢ ኣመል ርሓቕ
  • 6. ንግዜኻ ሚዛኑ ሓልወሉ
  • 7. ናብ ንቡር ንጥፈታትካ ተመለስ
  • 8. ተሃዊኽካ ዓበይቲ ውሳነታት ኣይትግበር
  • 9. ንዝሞተ ሰብካ ዘክሮ
  • 10. ዕረፍቲ ውሰድ
  • 11. ንሰብ ሓግዝ
  • 12. ቀዳምነት ንእትህቦ ነገራት ዳግም ገምግሞ
  • ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • ኣብዛ ሕታም እዚኣ፦ ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧
    ንቕሑ!—2018
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2018
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 3 ገጽ 6-13
ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ ዀይኖም ዓለል ፈለል የንሳፍፉ፣ ስእሊ ይስኣሉ

ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ

ንሓዘን ምኽኣሉ​—ሕጂ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንሓዘን ከመይ ጌርካ ኸም እትኽእሎ ዚገልጽ ምኽሪ እንተ ደሊኻ፡ ብዙሕ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ገሊኡ ሓሳባት ከኣ ካብ ካልእ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ኵሉ ሰብ ዚሓዝነሉ መገዲ በበይኑ ብምዃኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሓደ ሰብ ዚጠቕሞ ነገር፡ ንኻልእ ከይጠቕሞ ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ንብዙሓት ዝጠቐሞም መሰረታዊ ሓሳባት ኣሎ። እዚ ሓሳባት እዚ፡ ብዙሕ ግዜ ብኣማኸርቲ ሓዘን ይጥቀስ እዩ፣ ምስቲ ኣብ ሓደ ጥንታዊ ናይ ጥበብ መጽሓፍ፡ ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ግዜ ዘይሓልፎ ስርዓታት እውን ይሳነ እዩ።

1. ካብ ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ሓገዝ ተቐበል

  • ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ ዀይኖም ዓለል ፈለል የንሳፍፉ፣ ስእሊ ይስኣሉ

    ገሊኦም ክኢላታት፡ ሓዘንካ ንምስጋር ዜኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ እዚ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ግናኸ፡ ሓድሓደ ግዜ በይንኻ ኽትከውን ትደሊ ትኸውን። በቶም ኪሕግዙኻ ዚደልዩ ሰባት እውን ቅጭ ይመጸካ ይኸውን። እዚ ንቡር እዩ።

  • ወትሩ ሰብ ኣብ ጥቓኻ ኪኸውን ከም ዘለዎ ዀይኑ ኣይሰማዕካ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ንሰባት ጠሪስካ ኣይተርሕቆም። ከመይሲ፡ ኣብ መጻኢ ሓገዞም የድልየካ ይኸውን። የግዳስ፡ ኣብቲ ህሞት እቲ እንታይ ከም እትደልን እንታይ ከም ዘይትደልን ብለውሃት ሓብሮም።

  • ነቲ ምስ ሰባት እተሕልፎ ግዜን ነቲ በይንኻ እትዀነሉ ግዜን ከከም ኣድላይነቱ ኣመጣጥኖ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ። ሓዲኦም እንተ ወደቐስ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ።”—መክብብ 4:9, 10።

2. ንኣመጋግባኻ ተጠንቀቐሉ፡ ምውስዋስ ኣካላት ግበር

  • ሚዛኑ ዝሓለወ ኣመጋግባ ነቲ ሓዘን ዜምጽኦ ውጥረት ኪንክየልካ ይኽእል እዩ። በበይኑ ዓይነት ፍረታትን ኣሕምልትን ስብሒ ዘይበዝሖ ፕሮቲንን ተመገብ።

  • እኹል ማይን ካልእ ንጥዕና ዚጠቅም መስተን ስተ።

  • ሸውሃትካ እንተ ተዓጽዩ፡ ብተደጋጋሚ ነንእሽቶ ብላዕ። ሓኪምካ ተወሳኺ መዓዛታት ኪእዝዘልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።a

  • ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ምኻድን ካልእ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላትን ንኣሉታዊ ስምዒታት ኪንክዮ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ምውስዋስ ኣካላት ብዛዕባ ዘጋጥመካ ነገር ንምሕሳብ ወይ ሓሳባትካ ኣብ ካልእ ንምግባር ግዜ ኺህበካ ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን።”—ኤፌሶን 5:29።

3. እኹል ድቃስ ደቅስ

  • ዓራት

    ድቃስ ወትሩ ኣድላዪ እዩ፣ ሓዘን ኣድካሚ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ምናዳ ንሓዘንተኛታት ድቃስ የድልዮም እዩ።

  • ካፈይንን ኣልኮልን ድቃስ ኪኸልኣካ ስለ ዚኽእል፡ ክንደይ ዚኣክል መጠን ከም እትሰቲ ተጠንቀቕ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ክልተ ዕማዅ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ።”—መክብብ 4:6፡ እ.ጽ.።

4. ተዓጻጻፊ ኹን

  • ሓንቲ ሓዘንተኛ ንፈታዊታ ስምዒታ ትገልጸላ

    ኵሉ ሰብ ዚሓዝነሉ መገዲ በበይኑ ምዃኑ ኣሚንካ ተቐበሎ። ንዓኻ ኣየናዩ ኸም ዚዀነካ፡ ባዕልኻ ኢኻ ኽትውስን ዘሎካ።

  • ብዙሓት ሰባት ሓዘኖም ንሰብ እንተ ገሊጾም፡ ሓዘኖም ይወጸሎም እዩ፣ ገሊኦም ግና ሓዘኖም ኪገልጹ ኣይደልዩን እዮም። ስምዒታትካ ምግላጽካ ንሓዘንካ ንምኽኣሉ ሓጋዚ ብዛዕባ ምዃኑ፡ ክኢላታት እተፈላለየ ርእይቶ እዮም ዚህቡሉ። ንሓደ ሰብ ስምዒታትካ ኽትገልጸሉ እንተ ደሊኻ፡ ግናኸ ኸምኡ ምግባር እንተ ኣፍሪሁካ፡ ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ በብቝሩብ ስምዒታትካ ኽትገልጸሉ ምጅማርካ ነቲ ነገር ኬቕልለልካ እዩ።

  • ገሊኦም ሰባት ብኽያት ንሓዘኖም ከም ዜውጽኣሎም ይስምዖም እዩ፣ ገሊኦም ግና ብዙሕ ከይበኸዩ ሓዘኖም ይወጸሎም እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ልቢ ንምረቱ ይፈልጦ።”—ምሳሌ 14:10።

5. ካብ ጐዳኢ ኣመል ርሓቕ

  • ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንጥፈታታ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ትጽሕፍ

    ገሊኦም ሓዘንተኛታት ንስምዒታዊ ስቓዮም ንምንካይ፡ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ ወይ ሓሽሽ ይወስዱ እዮም። እዚ “መህደሚ” እዚ ጐዳኢ እዩ። ሓደ ሰብ በዚ ኸምዚ ዚረኽቦ እፎይታ ነዊሕ ኣይጸንሕን እዩ፣ እኳ ደኣስ ሕማቕ ሳዕቤናት የስዕበሉ እዩ። ንጭንቀትካ ንምፍኳስ፡ ጐዳኢ ዘይኰነ መገድታት ተጠቐም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ርእስና ነንጽህ።”—2 ቈረንቶስ 7:1።

6. ንግዜኻ ሚዛኑ ሓልወሉ

  • ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ ሓዘኖም፡ ንእተወሰነ ግዜ ኻብ ሓዘኖም ዜዕርፎም ነገር ምግባር ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

  • ሓድሽ ምሕዝነት ምምስራት፡ ዝነበረካ ምሕዝነት ምድልዳል፡ ሓድሽ ክእለት ምጥራይ፡ ወይ ብመዘናግዒ ምዝንጋዕ፡ ካብ ሓዘንካ ንግዜኡ እፎይታ ይህበካ እዩ።

  • ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ እቲ እዋን ሓዘን እናነከየ ምኻዱ ኣይተርፎን እዩ። እቲ ኻብ ሓዘንካ እተዕርፈሉ እዋን እናነውሐን ብዝያዳ እናተደጋገመን ይኸይድ እዩ፣ በዚ ኸምዚ በብቝሩብ ካብ ሓዘንካ ትድበስ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ፣ . . . ንምብካይ ግዜ ኣለዎ፡ ንምስሓቕ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ ዋይዋይ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምስዕሳዕ ከኣ ግዜ ኣለዎ።”—መክብብ 3:1, 4።

7. ናብ ንቡር ንጥፈታትካ ተመለስ

  • ሓደ ሰብኣይ፡ ስእልታት ዝሞተት ሰበይቱ ንፈተውቱ የርእዮም

    ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ናብ ንቡር ንጥፈታትካ ተመለስ።

  • ናብ ንቡር ድቃስካን ስራሕካን ካልእ ንጥፈታትካን ምስ ተመለስካ፡ ንቡር ህይወት ከም እትነብር ኪስምዓካ ይኽእል እዩ።

  • ብኣወንታዊ ንጥፈታት ትሑዝ ምዃንካ፡ ንሕማቕ ስምዒታትካ ኺንክዮ ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ [ንሰብ] ብታሕጓስ ልቡ ትሑዝ ስለ ዚገብሮ፡ ነቲ ዚሓልፍ መዓልትታት ህይወቱ ኣየስተብህለሉን እዩ።”—መክብብ 5:20።

8. ተሃዊኽካ ዓበይቲ ውሳነታት ኣይትግበር

  • ሰቦም ዝሞቶም ብዙሓት ሓዘንተኛታት ተሃዊኾም ዓበይቲ ውሳነታት እንተ ገይሮም፡ ደሓር በቲ ውሳነታት ይጥዓሱ እዮም።

  • እንተ ተኻኢሉ፡ ናብ ካልእ ቦታ ቕድሚ ምግዓዝካ፡ ስራሕ ቅድሚ ምቕያርካ፡ ወይ ንብረት ሰብካ ቕድሚ ምጕሓፍካ፡ እተወሰነ ግዜ ኽሳዕ ዚሓልፍ ጽናሕ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣ ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።”—ምሳሌ 21:5።

9. ንዝሞተ ሰብካ ዘክሮ

  • ሓንቲ መንእሰይ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ፡ ኣስቤዛ ኣብ ምዕዳግ ትሕግዛ

    ብዙሓት ሓዘንተኛታት ነቲ ዝሞተ ሰቦም ዜዘክሮም ነገር ምግባር ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

  • ስእልታት ወይ መዘከርታታት ምእካብ፡ ወይ ከኣ ክትዝክሮ እትደሊ ተግባራቱ ወይ ታሪኹ እትምዝግበሉ መዝገብ ምግባር ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ባህ ዜብል ተዘክሮታት ዜለዓዕል ነገራት ኣቐምጥ፣ ደሓር ንምርኣዩ ድሉው ምስ ኰንካ፡ በብሓደ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክረን።”—ዘዳግም 32:7።

10. ዕረፍቲ ውሰድ

  • ዕረፍቲ ንምውሳድ ሕሰበሉ።

  • ነዊሕ ዕረፍቲ ኽትወስድ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንሓደ ወይ ንኽልተ መዓልቲ ዜሐጕሰካ ነገር ክትገብር፡ ንኣብነት ብእግርኻ ኽትዛወር፡ ናብ ቤተ መዘክር ክትከይድ፡ ወይ ብማኪና ኽትዛወር ትኽእል ኢኻ።

  • ካብ ንቡር ንጥፈታትካ ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ነገር ምግባር እውን፡ ንሓዘንካ ንምኽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ።”—ማርቆስ 6:31።

11. ንሰብ ሓግዝ

  • ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ ዀይኖም ዓለል ፈለል የንሳፍፉ፣ ስእሊ ይስኣሉ

    ንሰብ ንምሕጋዝ እተሕልፎ ግዜ፡ ንዓኻ ጽቡቕ ስምዒት ከም ዚፈጥረልካ ኣይትረስዕ።

  • ነቶም ብሞት ሰብካ እተጸልዉ ኸም ፈተውትኻን ኣዝማድካን ዝኣመሰሉ ሰባት ብምሕጋዝ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።

  • ንሰብ ምሕጋዝን ምጽንናዕን፡ ኣብ ህይወትካ ሓጐስን ዕላማን ኪህበካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ የድልየካ እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

12. ቀዳምነት ንእትህቦ ነገራት ዳግም ገምግሞ

  • ሓዘን ምስ ዜጋጥመካ፡ ብሓቂ ብዛዕባ ዜገድስ ነገር ሓድሽ ልቦና ተጥሪ ኢኻ።

  • በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒምካ፡ ንህይወትካ ብኸመይ ትጥቀመላ ኸም ዘለኻ ገምግም።

  • ከከም ኣድላይነቱ ኸኣ፡ ቀዳምነት ኣብ እትህቦ ነገራት ምትዕርራይ ግበር።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ፡ ህያዋን ከኣ ኣብ ልቦም ኬንብርዎ ኣለዎም እሞ፡ ናብ ቤት ድግስ ካብ ምኻድሲ፡ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሓይሽ።”—መክብብ 7:2።

ሕጂ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ | ጽማቝ ሓሳባት

  • 1. ካብ ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ሓገዝ ተቐበል

    ነቲ ምስ ሰባት እተሕልፎ ግዜን ነቲ በይንኻ እትዀነሉ ግዜን ከከም ኣድላይነቱ ኣመጣጥኖ።

  • 2. ንኣመጋግባኻ ተጠንቀቐሉ፡ ምውስዋስ ኣካላት ግበር

    ንጥዕና ዚጠቅም ምግቢ ብላዕ፡ እኹል ማይ ስተ፡ ግቡእ ምውስዋስ ኣካላት ግበር።

  • 3. እኹል ድቃስ ደቅስ

    ካብቲ ሓዘን ዜምጽኦ ድኻም ንምንጋፍ፡ ድቃስ ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዘብ።

  • 4. ተዓጻጻፊ ኹን

    ኵሉ ሰብ ዚሓዝነሉ መገዲ በበይኑ ስለ ዝዀነ፡ ንዓኻ ኣየናዩ ኸም ዚዀነካ ወስን።

  • 5. ካብ ጐዳኢ ኣመል ርሓቕ

    ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተ ወይ ሓሽሽ ኣይትውሰድ፣ ከምኡ ምግባር፡ ጸገማት ደኣ እዩ ዚፈጥር እምበር፡ ጸገም ኣይፈትሕን እዩ።

  • 6. ንግዜኻ ሚዛኑ ሓልወሉ

    ኣብ መንጎ ሓዘንካ፡ ምስ ሰባት ተቐራረብን ተዘናጋዕን።

  • 7. ናብ ንቡር ንጥፈታትካ ተመለስ

    ንቡር ህይወት ከም እትነብር ምእንቲ ኺስምዓካ፡ ናብ ንቡር ንጥፈታትካ ተመለስ።

  • 8. ተሃዊኽካ ዓበይቲ ውሳነታት ኣይትግበር

    ደሓር ዜጣዕሰካ ውሳነታት ምእንቲ ኸይትገብር፡ እንተ ተኻኢሉ ዓበይቲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባርካ ዓመት ወይ ዝያዳኡ ጽናሕ።

  • 9. ንዝሞተ ሰብካ ዘክሮ

    ስእልታት ወይ መዘከርታታት ኣክብ፡ ወይ ከኣ ተዘክሮ እቲ ዝሞተ ሰብ እትጽሕፈሉ መዝገብ ግበር።

  • 10. ዕረፍቲ ውሰድ

    ንሓደ መዓልቲ ወይ ካብኡ ንታሕቲ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ንቡር ንጥፈታትካ ወጻኢ ዝዀነ ኻልእ ነገር ግበር።

  • 11. ንሰብ ሓግዝ

    ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ብሞት ሰብካ እተጸልዉ ብምሕጋዝ፡ ህይወትካ ዕላማ ኸም ዚህልዋ ግበር።

  • 12. ቀዳምነት ንእትህቦ ነገራት ዳግም ገምግሞ

    በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒምካ፡ ብሓቂ ብዛዕባ ዜገድስ ነገር ሓድሽ ልቦና ኣጥሪ፣ ቀዳምነት ኣብ እትህቦ ነገራት ድማ ምትዕርራይ ግበር።

ነቲ ሓዘን ዜምጽኦ ስቓይ ምሉእ ብምሉእ ኪድምስሶ ዚኽእል ነገር የልቦን። ኰይኑ ግና፡ ሰቦም ዝሞቶም ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እተዘርዘረ ስጕምትታት ምውሳድ፡ ከም ዘጸናንዖም ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ሓሳባት እዚ፡ ካብ ሓዘን ዚድብስ ኵሉ ዝርዝር ነጥብታት ዝሓዘ ኣይኰነን። ንገሊኡ ኻብዚ ሓሳባት እንተ ፈቲንካዮ ግና፡ ብዙሕ ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ።

a ንቕሑ! ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ