ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 2 ገጽ 8-9
  • ብኸመይ ሓቦኛ ኸም ዚኸውን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ሓቦኛ ኸም ዚኸውን
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓቦ እንታይ እዩ፧
  • ሓቦ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ሓቦ ብኸመይ ትምህር፧
  • ክሳዕ ክንደይ እየ ሓቦኛ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ደቅኻ ንፍሽለት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ ብኸመይ ትሕግዞም፧
    ንስድራ ቤት
  • ንዚውሃበኒ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክርእዮ ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንደቅኻ ትሕትና ምሃሮም
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 2 ገጽ 8-9
ሓንቲ ኣደ ነታ ዝሰንከተቶ ኬክ ብምብልሻዉ ዝጐሃየት ጓላ ትሕግዛ

ትምህርቲ 3

ብኸመይ ሓቦኛ ኸም ዚኸውን

ሓቦ እንታይ እዩ፧

ሓቦኛ ሰብ ዕንቅፋታትን ሕማቕ ነገራትን ምስ ኣጋጠሞ፡ ካብ ዝወደቐሉ ይትንስእ እዩ። እዚ ኽእለት እዚ ብተመክሮ እዩ ዚርከብ። ከምቲ ሓደ ቘልዓ ሓሓሊፉ ኸይወደቐ ብእግሩ ምኻድ ዘይምሃር፡ ኣብ ህይወቱ ሓሓሊፉ ዕንቅፋታት ከየጋጠሞ እውን ዕዉት ምዃን ኣይምሃርን እዩ።

ሓቦ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኦም ቈልዑ ፍሽለት፡ ጸገም፡ ወይ ነቐፌታ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ተስፋ ይቘርጹ እዮም። ገሊኦም ጠሪሶም ይሕለሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት ኪርድኡ የድልዮም እዩ፦

  • ኵሉ እቲ እንገብሮ ኣይኰነን ዚሰልጠና።—ያእቆብ 3:2።

  • ንዅሉ ሰብ ኣብ ህይወቱ ጸገም የጋጥሞ እዩ።—መክብብ 9:11።

  • እናተመሓየሽና ምእንቲ ኽንከይድ፡ መአረምታ የድለየና እዩ።—ምሳሌ 9:9።

ውሉድካ ሓቦኛ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥሞ ብድሆታት ብምትእምማን ኪገጥመሉ ይኽእል እዩ።

ሓቦ ብኸመይ ትምህር፧

ውሉድካ ዝሓሰቦ ምስ ዚፈሽሎ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጻድቕሲ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ መሊሱ ይትንስእ።”—ምሳሌ 24:16።

ውሉድካ ኣመዛዚኑ ኺርኢ ሓግዞ። ንኣብነት፡ ናይ ትምህርቲ ፈተና እንተ ዘይሓሊፉ፡ እንታይ እዩ ዚገብር፧ “ኣነ ኣይክእሎን እየ!” ኢሉ ይሕለል ይኸውን።

ሓቦ ምእንቲ ኺምሃር፡ ከመይ ገይሩ ኸም ዚምሓየሽ መደብ ኪሕንጽጽ ሓግዞ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ በቲ ዘጋጠሞ ጸገም ስምዒቱ ኣብ ክንዲ ዚጕዳእ፡ ፍታሕ ኪረክብ ይጽዕር።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ጸገም ባዕልኻ ኣይትፍትሓሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናቱ መደብ ኬውጽእ ሓግዞ። “ነዚ ትምህርቲ እዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽትርድኦ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።

ሕማቕ ነገር ምስ ዜጋጥም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ጽባሕ ህይወትኩም እንታይ ከም እትኸውን ኣይትፈልጡን ኢኹም።”—ያእቆብ 4:14።

ህይወትና እንታይ ከም ዚኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። ሎሚ ሃብታም ዝዀነ ሰብ፡ ጽባሕ ኪደኪ ይኽእል እዩ፣ ሎሚ ጥዑይ ዘሎ ሰብ፡ ጽባሕ ኪሓምም ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ [ኣይዕወቱን]፡ ሓያላት ድማ ኣብ ውግእ ወትሩ [ኣይስዕሩን]” ድሕሪ ምባል፡ “ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም” ይብል እዩ።—መክብብ 9:11።

ከም ወላዲ መጠን፡ ንውሉድካ ኻብ ሓደጋ ንምዕቋብ ዚከኣለካ ትገብር ኢኻ። ከም ሓቂ ግና፡ ንውሉድካ ኣብ ህይወቱ ኻብ ዜጋጥሞ ዅሉ ሕማቕ ነገራት ከተዕቍቦ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ውሉድካ ዓብዪ ብዘይምዃኑ፡ ካብ ስራሕ ምውጻእ ወይ ቍጠባዊ ጸገም እንታይ ምዃኑ ብተመክሮ ኣይፈልጦን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካልእ ሕማቕ ነገራት ኪጻወር ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት፡ ምስ ዓርኩ ኺባተኽ ወይ ኣባል ስድራ ቤት ኪሞቶ ይኽእል እዩ።a

ንውሉድካ ሃናጺ ነቐፌታ ምስ ዚመጾ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ።”—ምሳሌ 19:20።

ሓደ ሰብ ሃናጺ ነቐፌታ ዚህብ፡ ኪድንድን ኢሉ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ኪልወጥ ዜድልዮ ተግባር ወይ ኣረኣእያ ንምሕባር ኢሉ እዩ።

ውሉድካ መአረምታ ኪቕበል ምስ እትምህሮ፡ ንስኻን ውሉድካን ካብ ብዙሕ ጓሂ ኽትስተሩ ኢኹም። ጆን ዝስሙ ኣቦ ኸምዚ ይብል፦ “ንውሉዳት ወትሩ ኻብ ጌጋታቶም ተናግፎም እንተ ዄንካ፡ ጠሪሶም ኣይምሃሩን እዮም። ካብ ሓደ ጸገም ናብ ካልእ እዮም ዚኣትዉ፣ ንስኻ ድማ ምሉእ ህይወትካ ደድሕሪኦም እናኸድካ፡ ዘናኸስዎ ሓዊ ኸተጥፍእ ትነብር። እዚ ዓይነት ህይወት ከኣ ንወለዲ ዀነ ንውሉዳት ሕማቕ እዩ።”

ውሉድካ ኻብ ሃናጺ ነቐፌታ ምእንቲ ኺጥቀም ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ንውሉድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታ ሃናጺ ነቐፌታ ምስ ተዋህቦ፡ እቲ መአረምታ ግቡእ ከም ዘይኰነ ጌርካ ኸይትዛረብ ተጠንቀቕ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምዚ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ፦

  • “እቲ መአረምታ ስለምንታይ እተዋህበካ ይመስለካ፧”

  • “ከመይ ጌርካ ኸተመሓይሽ ትኽእል፧”

  • “ኣብ መጻኢ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧”

ሃናጺ ነቐፌታ ሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ዓበየ እውን ንውሉድካ ኸም ዚጠቕሞ ኣይትረስዕ።

a ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንውሉድካ ኻብ ሓዘኑ ኺጸናናዕ ሓግዞ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ሓንቲ ኣደ ነታ ዝሰንከተቶ ኬክ ብምብልሻዉ ዝጐሃየት ጓላ ትሕግዛ

ሕጂ ኣሰልጥን

ካብ ፍሽለታቱን ጌጋታቱን ዚትንስእ ቘልዓ፡ ንሓደ ሞያ ንምጥራይ ብሓቦ ይምሃር፡ ወሓለ ድማ ይኸውን

ብኣብነት ምሃር

  • ጌጋታተይ እእመን ድየ ወይስ ናብ ካልኦት እየ ዝልጥፎ፧

  • ብዛዕባ እቲ ዘይሰለጠኒ ነገራትን ካብኡ እንታይ ከም እተምሃርኩን እዛረብ ድየ፧

  • ንሰባት ብሰንኪ ጌጋታቶም አላግጸሎም ድየ፧

ንሕና ዝገበርናዮ . . .

“ንደቅና ኻብ ኵሉ ጸገማት፡ ፍሽለታት፡ ወይ ጌጋታት ኣየዕቈብናዮምን። ኣነ ንእሽቶ ኸለኹ፡ ነዚ ነገራት እዚ ተጻዊረ ምሕላፈይ ዝሓሽኩ ሰብ ገይሩኒ እዩ። ንዓይ ከም ዚመስለኒ፡ ንደቅና ቐበጥበጥ ስለ ዘየበልናዮም፡ ክልቲኦም ደቅና ምስ ዓበዩ ሚዛናውያንን ርጉኣትን ኰይኖም እዮም።”—ጀፍ።

“ኣነን ሰበይተይን ንደቀይ ብጌጋ ኽንብድሎም ከለና፡ ወትሩ ይቕረታ ንሓትቶም ኢና። ጌጋታት ክፍሊ ህይወት ምዃኑ ንምጕላሕ፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ በደላትን ጌጋታትን ስሕተታትን ኪነግርዎም ከም ዘለዎም እየ ዝኣምን።”—ጄምስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ