ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 3 ገጽ 6-7
  • ስምዒታዊ ጥዕና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስምዒታዊ ጥዕና
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቍጥዓ
  • ምስጋና
  • ካልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቝጥዓ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ምስትውዓል ንሰብ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ቍጥዓኻ ክትቈጻጸሮ ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧
    ንቕሑ!—1999
  • ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 3 ገጽ 6-7
ብዙሓት ሰባት ኣብ ዓብዪ ድኳን ንምኽፋል ሪጋ ሒዞም ከለዉ፡ ዓቕሊ ኸም ዘጽበቡ ኣብ ገጾም ይርአ፣ ሓንቲ ሰበይትን ንእሽቶ ጓላን ግና ሃዲአን ኣለዋ

ስምዒታዊ ጥዕና

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጐዳኢ ስምዒታት ከይነሕድር የጠንቅቐና፡ ጠቓሚ ስምዒታት ከነማዕብል ከኣ የተባብዓና እዩ።

ቍጥዓ

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ካብ ጅግና . . . ይበልጽ።”—ምሳሌ 16:32።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ስምዒትና ኽንቈጻጸር እንተ ኽኢልና፡ ንጥቀም ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ቍጥዓ ግቡእ ዚኸውን እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዚዀነ ቝጥዓ ግና ሃሳዪ እዩ። ሰባት ምስ ተቘጥዑ፡ ደሓር ዜጣዕሶም ነገር ከም ዚዛረቡ ወይ ከም ዚገብሩ፡ ዘመናዊ ምርምር ይሕብር እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል፦ ንስኻ ደኣ ንቝጥዓኻ ተቘጻጸሮ እምበር፡ ንሱ ኺቈጻጸረካ ኣይትሕደጎ። ገሊኦም ሰባት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ ኸም ምልክት ብርታዐ ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ግናኸ ምልክት ድኽመት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስምዒቱ ኺቈጻጸር ዘይክእል ሰብሲ፡ መካበብያ ኸም ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 25:28) ሓደ ኻብቲ ቝጥዓኻ ኽትቈጻጸር እትኽእለሉ ግብራዊ መገዲ፡ ኵሉ ሓቅታት ቅድሚ ምፍላጥካ ምላሽ ዘይምሃብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ” ይብል። (ምሳሌ 19:11) ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ብኽልቲኡ ወገን ዚቐርብ ሓሳባት ተጠንቂቕና ንስማዕ፣ እዚ ድማ ንስምዒታትና ኼህድኦ ዚኽእል ልቦና ኺህበና እዩ።

ምስጋና

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።”—ቈሎሴ 3:15።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ‘ኣመስገንቲ ሰባት ጥራይ እዮም ሕጉሳት ኪዀኑ ዚኽእሉ’ ይብሃል እዩ። ኣዝዮም ዝፈትውዎ ሰብ ወይ ዜኽብርዎ ነገር ዝሰኣኑ ሰባት ነዚ ኺምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ብስምዒታዊ መዳይ ሚዛኖም ሓልዮም ኪመላለሱ ዘኽኣሎም ቀንዲ ነገር፡ ኣብቲ ዝሰኣንዎ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዜመስግኑሉ ነገር ብምትኳሮም ምዃኑ ይገልጹ እዮም።

ክትገብሮ እትኽእል፦ መዓልቲ መዓልቲ፡ ነቲ እተመስግነሉ ነገራት ዘርዝሮ። እዚ ድማ ዓበይቲ ነገራት ጥራይ ኪኸውን የብሉን። ብዛዕባ ንኣሽቱ ነገራት እውን ኣስተንትን፣ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ውቁብ ጸሓይ ብራቕ፡ ምስ እትፈትዎ ሰብካ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ባህ ዜብል ዕላል፡ ወይ ብህይወት ብዛዕባ ዝወዓልካላ ተወሳኺት መዓልቲ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣወንታዊ ነገራት እዚ ተስተብህለሉን ተማስወሉን እንተ ዄንካ፡ ንስምዒታዊ ጥዕናኻ ብዙሕ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ።

ንስድራ ቤትካን ንፈተውትኻን ስለምንታይ ከም እተመስግኖም እንተ ሓሲብካ፡ ብዙሕ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንኻልኦት ሰባት እተመስግነሉ ነጥብታት ምስ ረኸብካ፡ ብዛዕባኡ ብኣካል፡ ብደብዳበ፡ ብኢ-መይል፡ ወይ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንገሮም። እዚ ንርክባትካ ኼደልድሎ እዩ፣ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ እውን ክትረክብ ኢኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

ካልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ሓንቲ ኣደ ኽዳውንቲ ንእሽቶ ጓላ እናዓጸፈት፡ ብድምጺ እተቐድሐ መጽሓፍ ቅዱስ ትሰምዕ

ኣውድዮ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ከተራግፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ኣብ jw.org ብኣስታት 40 ቛንቋ ይርከብ

ካብ ቈየቛ ርሓቕ።

“ምጅማር ባእሲ ኸም ምኽፋት ኣፍ ደገ ውሒዝ እዩ፣ ቈየቛ ኸይተላዕለ ርሓቕ።”​—ምሳሌ 17:14።

ብዛዕባ መጻኢ ብዘየድሊ ኣይትጨነቕ።

“ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።”​—ማቴዎስ 6:34።

ብስምዒት ጥራይ ኣብ ክንዲ እትውስን፡ ኣዕሚቝካ ሕሰብ።

“ምምዝዛን ክትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።”​—ምሳሌ 2:11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ