ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g20 ቍ. 3 ገጽ 6-7
  • ደንግጸሎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ደንግጸሎም
  • ንቕሑ!—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጸገም
  • ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ድንጋጽ ብኸመይ ይሕግዝ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ሓልዮት ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዝ ባህሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ድንጋጽ ብምርኣይ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ኣምላኽ ይድንግጸልካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ናብራ ስድራ ቤትን ዕርክነትን
    ንቕሑ!—2019
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2020
g20 ቍ. 3 ገጽ 6-7
ኣብ ነፋሪት ጐድኒ ጐድኒ እተቐመጡ ሓደ ጻዕዳን ሓደ ህንዳውን ተሓጒሶም ይዛራረቡ።

ደንግጸሎም

እቲ ጸገም

ኣብቲ ሰባት ካባና ዘለዎም ፍልልይ እንተ ኣተኲርና፡ እዚ ነገር እዚ ጕድለት ወይ ኣበር ከም ዝዀነ ጌርና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቶም ካባና እተፈልዩ ሰባት ከም ዝተሓቱ ጌርና ኽንርእዮም ንኽእል ኢና። እዚ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዚ ምስ ኣማዕበልና፡ ክንድንግጸሎም ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ዘይምድንጋጽ ከኣ፡ ምልክት ሓደ ሱር ዝሰደደ ጸገም፡ ማለት ምልክት ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ

“ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐሱ፣ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ።”—ሮሜ 12:15።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ስርዓት እዚ፡ ደንግጸሎም ብእትብል ቃል ኪጠቓለል ይኽእል እዩ። ደንጋጺ ሰብ ንርእሱ ኣብ ቦታ ኻልኦት የእቱ፡ ስምዒቶም እውን ይስምዖ እዩ።

ድንጋጽ ብኸመይ ይሕግዝ፧

ንሰብ ንድንግጽ እንተ ዄንና፡ ምስቲ ሰብ ዜመሳስለና ብዙሕ ነገር ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ስምዒቱን ተግባሩን ከም ናትና ምዃኑ ንግንዘብ ኢና። ደንገጽቲ እንተ ዄንና፡ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ ኵሎም ሰባት ሓደ ስድራ ቤት ከም ዝዀኑ ንርዳእ ኢና። ምሳና ኣብ ዜመሳስሎም ነገር እንተ ኣተኲርና ድማ፡ ብኣሉታዊ ኣይንፈርዶምን ኢና።

ድንጋጽ ንሰብ ከነኽብር እውን ትሕግዘና እያ። ኣብ ሰነጋል እትነብር ኣን-ማሪ፡ ካብ ትሑት ማሕበራዊ ደርቢ ጌርካ ንዚርኣዩ ሰባት ትንዕቕ ነይራ እያ። ድንጋጽ ብኸመይ ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “እቶም ካብ ትሑት ደርቢ ጌርካ ዚቝጸሩ ሰባት እንታይ ጸገማት ከም ዜሕልፉ ምስ ረኣኹ፡ ‘ኣብ ቦታኦም እንተ ዝኸውን ከመይ ምተሰምዓኒ፧’ ኢለ ገዛእ ርእሰይ ሓቲተ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ዝለዓለ ደረጃ እንተ ኣልዩኒ ሕቶ ኸም ዚልዓለኒ ገይሩ—ነዚ እውን ኣነ ብምርጫይ ወይ ብጻዕረይ ዝረኸብክዎ ኣይኰነን።” እወ፡ ነቲ ሰብ ዜሕልፎ ቓልሲ ኽንርዳእ እንተ ጽዒርና፡ ኣብ ክንዲ እንነቅፍ፡ ክንድንግጽ ኢና።

ክትገብሮ እትኽእል

ነቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቶም ብኣሉታዊ እትርእዮም ጕጅለን ዘሎኩም ፍልልይ ሰጊርካ፡ ነቲ ምስስል ክትርኢ ጽዓር። ንኣብነት፡ እዚ ዚስዕብ ኪገብሩ ኸለዉ እንታይ ከም ዚስምዖም ሕሰብ፦

ደንገጽቲ እንተ ዄንና፡ ኵሎም ሰባት ሓደ ስድራ ቤት ከም ዝዀኑ ንርዳእ ኢና

  • ምስ ስድራ ቤቶም ኣብ መኣዲ ኪቐርቡ ኸለዉ

  • ከቢድ ዕዮ ኪሰርሑ ውዒሎም ኪዛዝሙ ኸለዉ

  • ምስ ፈተውቶም ግዜ ኼሕልፉ ኸለዉ

  • ዚፈትውዎ ሙዚቃ ኺሰምዑ ኸለዉ

ድሕሪኡ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኵነታቶም ጌርካ ስኣል። ከምዚ ኢልካ ሕተት፦

  • ሓደ ሰብ ዋጋ ኸም ዘይብለይ ኰይነ ኸም ዚስምዓኒ እንተ ገይሩ እንታይ ምገበርኩ፧

  • ሰባት ገና ኸይፈለጡኒ ምስ ዚፈርዱኒ፡ ከመይ ምተሰምዓኒ፧

  • ካብቶም ጕጅለ እንተ ዝኸውን፡ ካልኦት ብኸመይ ኪሕዙኒ ምደለኹ፧

ኣብ ነፋሪት ጐድኒ ጐድኒ እተቐመጡ ሓደ ጻዕዳን ሓደ ህንዳውን ተሓጒሶም ይዛራረቡ።

ናይ ሓቂ ኣብነት፦ ሮበርት (ሲንጋፖር)

“ቀደም፡ ንጽሙማን፡ ስግንጢርን ደናቍርን መንጸርጸርትን ገይረ እየ ዝርእዮም ነይረ። ስለዚ፡ ኣይቀርቦምን እየ ነይረ። ኣረኣእያይ ንዋላ ሓደ ዘይጐድእ ኰይኑ ይስምዓኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣቐዲመ እፈርድ ዘለኹ ኣይመስለንን እዩ ነይሩ።

“ንጽሙማን ክድንግጸሎም ምስ ጀመርኩ ግና፡ ነቲ ኣቐዲመ ናይ ምፍራድ ባህርየይ ከሰንፎ ሓጊዙኒ። ንኣብነት፡ ንጽሙማን ክዛረቦም ከለኹ፡ ኣብ ገጾም ዋላ ሓንቲ ስምዒት ከይተነብበ ስለ ዚጥምቱኒ፡ ብዙሕ ዘየስተውዕሉ እዩ ዚመስለኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ሰብ ኪዛረበኒ ኸሎ ዋላ ሓንቲ እንተ ዘይሰሚዐዮ ኸመይ ከም ዚስምዓኒ ኽሓስብ ፈቲነ። መቸም ኣብ ገጸይ ዋላ ሓንቲ ስምዒት ኣይምተራእየን! ዋላ እውን ንምስማዕ ዚሕግዝ መሳርሒ እንተ ዚህልወኒ፡ ንምስማዕ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋን፡ ‘ክርድኣካ የጸግመኒ ኣሎ’ ዚብል መግለጺ ኣብ ገጸይ ምተነብበ።

“ገዛእ ርእሰይ ኣብ ቦታ ጽሙማን ገይረ ምስ ሓሰብኩ፡ እቲ ዝነበረኒ ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ጸገም በኒኑ ጠፊኡ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ