ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 1 ገጽ 6-7
  • ምስ ካልኦት ብሰላም ክትነብር ዚሕግዘካ መምርሒ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ካልኦት ብሰላም ክትነብር ዚሕግዘካ መምርሒ
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ይቕረ በሃሊ ኹን
  • ትሑትን ንኻልኦት እተኽብርን ኩን
  • ዘይተዳሉ ኹን
  • ልኡም ኩን
  • ለጋስን መማሰውን ኩን
  • ለጋሳት ሕጉሳት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ለጋስ ኩን
    ንቕሑ!—2025
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 1 ገጽ 6-7
ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ገዛኦም ንኣጋይሽ ድራር ዓዲሞም።

ምስ ካልኦት ብሰላም ክትነብር ዚሕግዘካ መምርሒ

ፈጣሪና ምስ ስድራ ቤትና፡ ምስ መሳርሕትና፡ ወይ ምስ ፈተውትና ብኸመይ ብሰላም ክንነብር ከም እንኽእል ይነግረና እዩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ጥበባዊ ምኽሩ ኣብ ተግባር ብምውዓል ሰላም ረኺቦም እዮም። ገለ ኻብቲ ምኽርታት እስከ ንርአ።

ይቕረ በሃሊ ኹን

“ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡ ንሓድሕድኩም . . . ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉ።”—ቈሎሴ 3:13።

ኵላትና ንጋገ ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ቅር ኬብሉና ይኽእሉ እዮም፡ ወይ ንሕና ንኻልኦት ሰባት ቅር ከነብሎም ንኽእል ኢና። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ኵላትና ይቕረ በሃልቲ ኽንከውንን ይቕረታ ኽንሓትትን ኣሎና። ነቲ ቕር ዘበለና ሰብ ይቕረ ምስ በልናሉ፡ ድሕሪኡ ቒም ኣይንሕዘሉን ኢና። ‘ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይንፈድን’ ኢና፣ ነቲ ሰብ ድማ ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ ጌጋታቱ ወይ ድኽመታቱ ኣይነልዕለሉን ኢና። (ሮሜ 12:17) እቲ ሰብ ኣመና ኣጕህዩና እንተ ነይሩን ነቲ ጕዳይ ክንርስዖ እንተ ዘይኪእልናንከ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑና፡ ብዛዕባኡ ነቲ ሰብ ንበይኑ ብኣኽብሮት ከነዘራርቦ ንኽእል ኢና፣ ከምኡ ኽንገብር ከለና ግና ዕላማና ሰላም ንምግባር እምበር፡ ንምርታዕ ኪኸውን የብሉን።—ሮሜ 12:18።

ትሑትን ንኻልኦት እተኽብርን ኩን

“ብትሕትና ግና ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ።”—ፊልጲ 2:3።

ትሑታትን ንኻልኦት እነኽብርን እንተ ዄንና፡ ሰባት ምሳና ምዃን ባህ ይብሎም እዩ። ከመይሲ፡ ለውሃትን ሓልዮትን ከም ዘለናን ኰነ ኢልና ኸም ዘይንጐድኦምን ይፈልጡ እዮም። ንርእስና ኻብ ካልኦት ኣብሊጽና ንርእያ ወይ ንኻልኦት ክንዕብልል ንፍትን እንተ ዄንና ግና፡ ባእስን ውጥረት ኢና እንፈጥር። ከም ውጽኢቱ ድማ ሰባት ይርሕቁና፡ ፈተውቲ ድማ ኣይንረክብን።

ዘይተዳሉ ኹን

“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

ፈጣሪና ንሰባት ብዜግነቶም፡ ብቛንቋኦም፡ ብማሕበራዊ ደረጃኦም ወይ ብሕብሪ ቘርበቶም ካብ ካልኦት ኣብሊጹ ኣይርእዮምን እዩ። ስለምንታይሲ፡ “ካብ ሓደ ሰብ . . . ኵሉ ህዝቢ ገይሩ እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:26) ስለዚ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም። ንሰባት ብኣኽብሮትን ብለውሃትን እንተ ሒዝናዮም፡ ንሳቶም ይሕጐሱ፡ ንሕና ብዝያዳ ንሕጐስ፡ ንፈጣሪና ኸኣ ባህ ነብሎ ኢና።

ልኡም ኩን

“ልእመት . . . ልበሱ።”—ቈሎሴ 3:12።

ልኡማት እንተ ዄንና ንኻልኦት ኣይንኸብዶምን ኢና። ሰባት ከይተሰከፉ ይዛረቡና፡ ብህድኣት ከም እንሰምዖም ስለ ዝፈልጡ ኸኣ፡ ኪእርሙና ኣይከብዶምን እዩ። ሓደ ሰብ ተቘጢዑ ምስ ዚዛረበና፡ እቲ ልኡም ምላሽና ኼህድኦ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ምሳሌ 15:1 ኸም እትብሎ “ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣ ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል።”

ለጋስን መማሰውን ኩን

“ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

ሓያሎ ሰባት፡ ስሱዓትን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዚሓስቡን እዮም። ናይ ሓቂ ሓጐስ ዚርከብ ግና ለጋስ ብምዃን እዩ። (ሉቃስ 6:38) ለጋሳት ሰባት ሕጕሳት ዚዀኑሉ ምኽንያት፡ ካብ ጥሪት ንላዕሊ ንሰባት ስለ ዜፍቅሩ እዮም። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸኣ መማሰውቲ ኪዀኑን ልግሲ ንዘርኣዮም ሰብ ኬመስግኑን ትድርኾም እያ። (ቈሎሴ 3:15) ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ምስ ከመይ ዝበሉ ሰባት እየ ክኸውን ዝደሊ፧ ምስ በቃቓትን ዘይመመስገንትን ወይስ ምስ ለጋሳትን ኣመስገንትን፧’ እምበኣር፡ ከምቲ ሰባት ኪዀኑ እትደልዮ፡ ንስኻ እውን ከምኡ ኹን።—ማቴዎስ 7:12።

ሕጂ ንሰባት ኣትሒተ ኣይርእዮምን እየ

“መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንኻልኦት ከም ንርእስኹም ጌርኩም ሕሰቡሎም፣ . . . ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ኣይምሰልኩም’ ይብል እዩ።” (ሮሜ 12:16) “እዚ መምርሒ ንዝነበረኒ ትዕቢትን ንኻልኦት ሰባት ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ ዝንባለን ክቃለስ ሓጊዙኒ እዩ፣ ሕጂ፡ ዓሌተይ ካብ ካልኦት ከም ዚበልጽ ገይረ ኣይሓስብን እየ። ካልእ ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ከኣ ኣይንዕቕን እየ። ብዘይካዚ፡ ዝያዳ ተቐራቢት ኰይነ፡ ንኻልኦት ሰላም ምባል ከኣ ኣይከብደንን እዩ።”—ኣሻ።

ኣሻ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ፦

ምስ ሰባት ዘሎካ ርክብ ከተመሓይሽ ዚሕግዘካ ተወሳኺ ግብራዊ ምኽሪ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ እሞ ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ሰላምን ሓጐስን > ርክባት ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ