ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 1 ገጽ 8-9
  • ዕግበት ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕግበት ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህርኩት ኩን
  • ሓቀኛ ኹን
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣርኣእያ ይሃሉኻ
  • ብሉጽ ትምህርቲ ምረጽ
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    ንቕሑ!—2015
  • ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ገንዘብ
    ንቕሑ!—2014
  • ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 1 ገጽ 8-9
ኣብ ህንዲ፡ ሰበ ኣብ ዚበዝሖ ዕዳጋ፡ ሰባት ኣዝዩ ኽቡር ነገራት ተሃንጢዮም ይጥምቱ፣ ኣደን ወድን ድማ በቲ ዘለዎም ዓጊቦም ብጥቓኦም ይሓልፉ።

ዕግበት ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

ኵላትና፡ ዘይተመርዓና ንኹን ሰብ ሓዳር፡ መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ፡ ሕጉሳትን ዕጉባትን ክንከውን ንደሊ ኢና። ፈጣሪና እውን ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ይደልየና እዩ። ነዚ እዩ ኸኣ ብኸመይ ዕጉባት ክንከውን ከም እንኽእል ብሉጽ ምኽሪ ዝሃበና።

ህርኩት ኩን

“ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ሰናይ እናገበረ ደኣ ብኣእዳዉ ይጽዓር።”—ኤፌሶን 4:28።

ፈጣሪና ብዛዕባ ስራሕ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኺህልወና እዩ ዜተባብዓና። ስለምንታይ፧ ጻዕረኛ ሰብ ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ስለ ዚኣሊ፡ ሕጉስ እዩ። ካብ ርእሱ ሓሊፉ ንስኡን እውን ይሕግዝ እዩ። ኣስራሒኡ ህርኩት ብምዃኑ ይፈትዎ እዩ፣ ስለዚ፡ ካብ ስራሕ ከይስጐጕ ኣይሻቐልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጻዕረኛ ሰብ ዚረኽቦ ዓስቢ፡ “ውህበት ኣምላኽ” ኢሉ እዩ ዚገልጾ።—መክብብ 3:13።

ሓቀኛ ኹን

“ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና፡ ቅኑዕ ሕልና ኸም ዘሎና ንተኣማመን ኢና።”—እብራውያን 13:18።

ሓቀኛታት እንተ ዄንና፡ ንርእስና ግቡእ ኣኽብሮት ይህልወና፡ ውሽጣዊ ሰላም ንረክብ፡ ጥዑም ድቃስ ከኣ ንድቅስ ኢና። ብተወሳኺ፡ ካልኦት ይኣምኑናን የኽብሩናን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ መታለልቲ ሰባት እዚ ጽቡቕ ነገራት የብሎምን። ከመይሲ፡ ሕልናኦም ይርብሾም እዩ፡ ከምኡ እውን ሓደ መዓልቲ ኺቃላዕ እየ ዚብል ፍርሂ የሳቕዮም እዩ።

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣርኣእያ ይሃሉኻ

“ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።”—እብራውያን 13:5።

ምግብን ካልእ ዜድልየናን ነገራትን ንምዕዳግ ገንዘብ የድልየና እዩ። “ፍቕሪ ገንዘብ” ግና ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ሓደ ገንዘብ ዜፍቅር ሰብ ግዜኡን ጕልበቱን ዝያዳ ገንዘብ ንምርካብ እዩ ዜውዕሎ። ደድሕሪ ገንዘብ ዚጐዪ ሰብ ኣብ ሓዳሩ ጸገም ይፍጠር፡ ምስ ደቁ ግዜ ምሕላፍ ይስእን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ኸኣ ጥዕናኡ ይጕዳእ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ካብዚ ሓሊፉ ኸኣ ሓደ ፍቕሪ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ፡ ኣታሊሉ ኺህብትም ይጽዕር እዩ። ነዚ ብዚምልከት ሓደ ጥበበኛ ሰብ፡ “እሙን ሰብ ብዙሕ በረኸት ይረክብ፣ ኪህብትም ዚህወኽ ግና፡ ንጹህ ኰይኑ ኣይቅጽልን” ኢሉ እዩ።—ምሳሌ 28:20።

ብሉጽ ትምህርቲ ምረጽ

“ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን።”—ምሳሌ 3:21።

ጽቡቕ ትምህርቲ፡ ሓላፍነት ዚስምዓና ሰባት ክንከውን ይሕግዘና እዩ። ጽቡቕ ዓለማዊ ትምህርቲ ጥራይ ግና፡ ነባራዊ ድሕንነት ወይ ሓጐስ ኣየምጽኣልናን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ናይ ሓቂ ዕዉታት ምእንቲ ክንከውን፡ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ትምህርቲ የድልየና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንኣምላኽ ዚሰምዕ ሰብ፡ “ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ” ይብል እዩ።—መዝሙር 1:1-3።

ሕጉስን ዕጉብን ኰይነ

“ኣብ ማሕበረ ሰበይ፡ ብዙሓት ሰባት ዝለዓለ ትምህርትን ሃብትን ዝናን ንምርካብ ሒዅ ይብሉ እዮም። ነቲ ዝጸዓርሉ ምስ ረኸቡ ግና ነባሪ ሓጐስ ኣይረኽቡን እዮም። ንዓይ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ክሕዝ ሓጊዙኒ እዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገንዘብ ብእተወሰነ መጠን ዕቝባ ኸም ዚዀነና እንተዀነ ግና፡ ሓጐስ ወይ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘይዕድገልና ተማሂረ እየ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብን ስራሕን ጥበባዊ ውሳነ ኽገብር ስለ ዚሕግዘኒ፡ ሓጐስን ዕግበትን ኣሎኒ።”—ኪሾር።

ኪሾር።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ፦

ፈጣሪና ብዛዕባ ስራሕ፡ ገንዘብ፡ ትምህርቲ፡ ዚህቦ ተወሳኺ ግብራዊ ምኽሪ ኽትረክብ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ እሞ ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ሰላምን ሓጐስን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ