ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 3 ገጽ 3
  • ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧
  • ንቕሑ!—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ፈጣሪ ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብ ፈጣሪ ዘሎካ እምነት ኣደልድል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • እቲ ዓቢ ፈጣሪና ብዛዕባና ይሓሊ ኢዩ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ህይወት ብኸመይ ጀሚራ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 3 ገጽ 3
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ኻህንን ንሓደ ምስሊ ዲ.ኤን.ኤ. ዝሓዘ ስነ ፍልጠተኛን ትምርምሮም ከም ዘላ ብዜርኢ ኣጠማምታ ትጥምቶም።

ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

“ዩኒቨርስ ብዘይ ገለ ምኽንያት ገዛእ ርእሱ ኺፈጥር ይኽእል እዩ፡ ይፈጥር እውን እዩ።”—ስቲቨን ሆኪንግን ለናርድ ምሎዲኖቭን፡ ፊዚከኛታት፡ 2010።

“ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ።”—መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘፍጥረት 1:1።

ዩኒቨርስን ኣብኡ ዘሎ ህይወትን ብኣምላኽ ድዩ ተፈጢሩ፡ ወይስ ብኣጋጣሚ እዩ ናብ ህልውና መጺኡ፧ እዞም ኣብዛ ዓንቀጽ እተጠቕሱ ኽልተ ፊዚከኛታት እተዛረብዎ ቓላትን እቲ ኣብ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃላትን ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ ክልተ በበይኑ ምላሽ እዩ ዚህበና። ንኽልቲኡ ኣረኣእያታት ብጽኑዕ ዚድግፉ ደገፍቲ ኣለውዎ። ብዙሓት ሰባት ግና ርግጸኛታት ኣይኰኑን። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ህቡባት መጻሕፍትን ኣብ ህዝባዊ ኽትዓትን ብርቱዕ ግጥም ኣካይዶም እዮም።

ዩኒቨርስን ህይወትን ብወዝቢ ኸም ዝመጸ፡ ፈጣሪ እውን ከም ዘየልቦ፡ መምህራንካ ደረቶም ነፊሖም ይዛረቡ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ፈጣሪ ኸም ዘየልቦ ዜርኢ መርትዖ ኣቕሪቦምልካዶ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ይሰብኩ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ ዚድግፍ መርትዖ ሂቦምኻዶ፡ ወይስ ነዚ ነገር እዚ “ብእምነት” ተቐበሎ እዮም ኢሎምኻ፧

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ መሸም ሓሲብካ ኣለኻ፣ ዋላ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ህልውና ፈጣሪ ርግጽ ኪኸውን ከም ዘይክእል እውን ይስምዓካ ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ካልእ ሕቶ እውን ይልዓለካ ይኸውን፣ ‘መልሱ ብሓቂዶ ኣገዳሲ እዩ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ ፈለማ ገሊኦም ብፈጣሪ ኺኣምኑ ዘኽኣሎም ጭቡጥ ሓቅታት ከተቕርብ እያ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ መበቈል እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ምፍላጥ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽትገልጽ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ