ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g22 ቍ. 1 ገጽ 7-9
  • 2 | መነባብሮኻ ሓሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2 | መነባብሮኻ ሓሉ
  • ንቕሑ!—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ቈጢብካ ምንባር
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ገንዘብካ ኣካውን
    ንቕሑ!—2025
  • ገንዘብ ምክዋን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንዕዳ ብግቡእ ምሓዙ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2022
g22 ቍ. 1 ገጽ 7-9
ሓደ ጸራባይ ኣብ ጣውላ ምስማር ይሃርም።

ህውከት ዝመልኣ ዓለም

2 | መነባብሮኻ ሓሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት፡ መዓልታዊ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡ ይቃለሱ እዮም። እቲ ዜሕዝን፡ ዓለም ብህውከት ስለ ዝመልአት፡ እቲ ዘሎ ጸገማት እናገደደ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ስለምንታይ፧

  • ህውከት ኣብ ዘለዎ ማሕበረ ሰባት፡ ከም ዋጋ ምግብን መንበርን ዝኣመሰለ ነገራት ይውስኽ እዩ።

  • ቅልውላው፡ ስእነት ስራሕ ከም ዚውስኽ፡ ወይ ድማ ደሞዝ ከም ዚንኪ ኺገብር ይኽእል እዩ።

  • ሓደጋታት፡ ትካላት ንግድን ኣባይትን ንብረትን ኬዕኑ ወይ ኬጥፍእ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ብዙሓት ይደኽዩ እዮም።

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ንገንዘብካ ብጽቡቕ ተካውኖ እንተ ዄንካ፡ ንእዋን ሓደጋታት ብዝሓሸ ኽትዋጽኣሉ ትኽእል ኢኻ።

  • ገንዘብ ንሓዋሩ ውሕስነት ይኸውን እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ኣተዊኻ፡ ቍጠባኻ፡ ንብረትካ ዋጋ ኺስእን ይኽእል እዩ።

  • ከም ሓጐስን ሓድነት ስድራ ቤትን ዝኣመሰለ ነገራት ብገንዘብ ኣይዕደግን እዩ።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ምግብን ክዳንን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና።”—1 ጢሞቴዎስ 6:8።

ዕጉብ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ንእትደልዮ ነገር ደረት ምግባርን በቲ ኣብ መዓልታዊ ዜድልየካ ነገር ምዕጋብን የጠቓልል። ብፍላይ ድማ መነባብሮና ጕድኣት ኪወርዶ ኸሎ ኣገዳሲ እዩ።

ዕጉብ ንምዃን ኣብ ኣነባብራኻ ምትዕርራይ የድልየካ ይኸውን። ልዕሊ ኣታዊኻ ትነብር እንተ ዄንካ፡ ቍጠባዊ ጸገማትካ ኺጋደድ ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ትዋጽኣሉ፧ ጠቓሚ ምኽርታት

ኣብ እዋን ህውከት፡ በዚ ዚስዕብ ግብራዊ ስጕምትታት ንመነባብሮኻ ሓልዎ፦

ወጻኢታትካ ነኪ

  • ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ፡ ካብ ጀርዲን ካሮቲ ትምሑ።

    ወጻኢታትካ ነኪ

    ንብረትካ ወይ ክዳውንትኻ፡ ከተመሓይሾ ወይ ክትትክኦ ዝነበረካ መደብ ኣጽናሓዮ። ንገዛእ ርእስኻ፡ ‘ማኪና ተድልየኒ ድያ፧ ኣብ ጀርዲን ኣሕምልቲ ኽተክል እኽእል ድየ፧’ ኢልካ ሕተታ።

  • ዝዀነ ነገር ቅድሚ ምግዛእካ፡ ንገዛእ ርእሳኻ፡ ‘ብሓቂ የድልየኒ ድዩ፧ ዓቕመይ ይፈቕደለይ ድዩ፧’ ኢልካ ሕተታ።

  • ዚክኣል እንተ ዀይኑ፡ ካብ መንግስቲ ወይ ካብ ትካላት ግብረ ሰናይ፡ ሓገዝ ክትረክብ ኣመልክት።

“ብስድራ ቤት ኴንና፡ ንኣነባብራና መርሚርናዮ። ወጻኢታት ንዘለዎ መዘናግዒታት ሰረዝናዮ ወይ ነኪናዮ። ብዘይካዚ፡ ሕሱር ዝዋጋኡ ምግቢ ኸነዳሉ ጀሚርና።”—ጊፍት።

ባጀት ግበር

ሓንቲ ሰበይቲ፡ ቀማሪት ተጠቒማ ትድምርን ካብ ቅብሊት ዝርዝር ነገራት ትምዝግብን።

ባጀት ግበር

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ፣ ዚህወኽ ዘበለ ዅሉ ግና ናብ ድኽነት የምርሕ።” (ምሳሌ 21:5) ባጀት ምግባር ካብ ኣታዊኻ ንላዕሊ ኸይተውጽእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  • ፈለማ፡ ኣብ ወርሒ ኽትረኽቦ ኸም እትኽእል እትሓስቦ ኣታዊ ጽሓፍ።

  • ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ እተውጽኦ ጽሓፍ፡ ተጠንቂቕካ ኸኣ መርምር።

  • ቀጺልካ፡ ኣታዊኻ ምስ ወጻኢታትካ ኣወዳድር፣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ኣታዊኻ ምስ ወጻኢታትካ ምእንቲ ኺሳነ፡ ኪንከ ወይ ኪስረዝ ዘለዎ ነገራት ፍለ።

“ኣብ ወወርሒ፡ ዝርዝር ኣታዊታትናን ወጻኢታትናን ነዳሉ ኢና። ንህጹጽ እዋን ዚኸውንን ንመጻኢ ዚኸውንን ገንዘብ ከነቐምጥ ንጽዕር ኔርና። ሳላ ኸምዚ ዝገበርና ኣይንጭነቕን ኢና፣ ንመጻኢ ድማ ኣታዊና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ንፈልጥ ኢና።”—ካርሎስ።

ኣብ ዕዳ ኣይትእቶ / ገንዘብ ኣዋህልል

  • ሓንቲ ኣደ ንጓላ ኣብ ጥርሙዝ ሰልዲ ኸተቐምጥ ትሕግዛ።

    ናብ ዕዳ ኣይትእቶ / ገንዘብ ኣዋህልል

    ዕዳ እትንክየሉ ጽቡቕ መደብ ይሃሉኻ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ ፈጺምካ ኣብ ዕዳ ኣይትእቶ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዜድልየካ ነገራት ንምዕዳግ ገንዘብ ከተዋህልል ፈትን።

  • ንእትጽበዮን ዘይትጽበዮን ወጻኢታት ዚኸውን ኣብ ወወርሒ እተወሰነ ገንዘብ ኣዋህልል።

ተጊህካ ዕየ / ንስራሕካ ዓቅቦ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ።”—ምሳሌ 14:23።

  • ሓደ ጸራባይ ኣብ ጣውላ ምስማር ይሃርም።

    ተጊህካ ዕየ / ንስራሕካ ዓቅቦ

    ብዛዕባ ስራሕካ ጽቡቕ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ዋላ እኳ እቲ እትዓይዮ ዕዮ እትምነዮ ዓይነት እንተ ዘይኰነ፡ ኣታዊ ግና ትረኽበሉ ኣለኻ።

  • ህርኩትን እሙንን ክትከውን ጽዓር። እዚ ኸኣ፡ ስራሕካ ኸይትስእን ወይ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

“ዋላ እኳ ዝደልዮ ዓይነት ስራሕ ወይ ዝምነዮ መጠን ደሞዝ ዘይብሉ እንተ ዀነ፡ ዝረኸብክዎ ስራሕ እሰርሕ ነይረ። ወትሩ ንፉዕን እሙንን ክኸውንን ጽፉፍ ስራሕ ክሰርሕን እየ ዝደሊ ነይረ፣ ከም ናተይ ስራሕ ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ።”—ዲሚትሪ።

ስራሕ ትደሊ እንተ ኣሊኻ . . .

  • ተበግሶ ውሰድ። ንሳኻ እትሰርሖ ዓይነት ስራሕ ኣብ ዘለዎ ትካላት ሕተት፣ ዋላ እውን ምልክታ ኣየውጽኡ። ስራሕ ትደሊ ኸም ዘለኻ ንስድራኻን ንፈተውትኻን ሓብሮም።

  • ተዓጻጻፊ ኹን። ከምቲ እትደልዮ ዓይነት ስራሕ ከይትረክ ትኽእል ኢኻ።

ወለዲ ብዛዕባ ገንዘብ ይመያየጡ፡ ደቆም ድማ ኣብ ካንሸሎ ይጻወቱ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ። ነታ “ቈጢብካ ምንባር” ኣንብባ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ