ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g22 ቍ. 1 ገጽ 13-15
  • 4 | ተስፋኻ ሓሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 4 | ተስፋኻ ሓሉ
  • ንቕሑ!—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህብ
  • ተስፋ ኻበይ ክረክብ እኽእል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣብ 2024 ብኸመይ ተስፋ ትረክብ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2022
g22 ቍ. 1 ገጽ 13-15
እተገንጸለ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥቓ ዕምባባ።

ህውከት ዝመልኣ ዓለም

4 | ተስፋኻ ሓሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዛ ዓለም ዘሎ ህውከት ዜጨንቕ ብምዃኑ፡ ንሰባት ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ይጐድኦም እዩ። ብዙሓት እተጐድኡ ሰባት ተስፋ ዚብሃል ኣይረኣዮምን እዩ። እሞኸ እንታይ ይገብሩ፧

  • ገሊኦም ብዛዕባ መጻኢ ኺሓስቡ ኣይደልዩን እዮም።

  • ካልኦት ከኣ ካብ ጭንቀቶም ንምህዳም፡ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ ይጥቀሙ እዮም።

  • ሒደት ከኣ ካብ ምንባር ሞት ይመርጹ። “ምንባር እንታይ ይዓብሰለይ፧” ኢሎም እውን ይሓትቱ እዮም።

ክትፈልጦ ዘሎካ

  • ገሊኡ ዜጋጥመካ ጸገም ግዜያውን ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኼምጽኣልካ ይኽእልን እዩ።

  • ዋላ እኳ እቲ ዅነታትካ እንተ ዘይተቐየረ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንጸገማት ደቂ ሰብ ንሓዋሩ ፍታሕ ኪኸውን ዚኽእል ናይ ሓቂ ተስፋ ይህብ እዩ።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።”—ማቴዎስ 6:34።

ብዛዕባ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ሕሰብ። ብዛዕባ ጽባሕ ብምጭናቕ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓላፍነታትካ ኻብ ምፍጻም ኣይዕገትካ።

ብዛዕባ ኼጋጥም ዚኽእል ኣሉታዊ ነገራት ምሕሳብ ንጭንቀትካ ኼጋድዶ፡ ንመጻኢ ዘሎካ ዝሓሸ ተስፋ ድማ ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ትዋጽኣሉ፧ ጠቓሚ ምኽርታት

ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኵር

ሓንቲ ሰበይቲ ተመሲጣ ብመስኰት ናብ ግዳም ትጥምት።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኵለን መዓልትታት ውጹዓት ክፉኣት እየን፣ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ብቐጻሊ ድግስ ኣለዎ።” (ምሳሌ 15:15) ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ፡ ንመፍትሕ እቲ ጸገማት፡ ከይትርእዮ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ነቲ ዅነታት ክትዋጽኣሉ እትኽእል መገዲ ምእንቲ ኽትሓስብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  • ነቲ ዜና ብምርኣይ እተሕልፎ ግዜ ደረት ግበረሉ።

  • ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ከተመስግነሉ ዚግባእ ክልተ ወይ ሰለስተ ነገራት ጽሓፍ።

  • ንሎሚ ኽትገብሮ ዘሎካ ዝርዝር ኣዳሉ። ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ፍረ ጻማኻ ምእንቲ ኽትርኢ፡ ነቲ ዓበይቲ ስራሕ ናብ ናእሽቱ መቓቕሎ።

ሓገዝ ተቐበል

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ንሓደ ሰብኣይ የበራትዖ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንርእሱ ዚፈሊ፡ . . . ንዅሉ ግብራዊ ጥበብ ከኣ ይነጽጎ።” (ምሳሌ 18:1) ካብ ዓሚቝ ጕድጓድ ብዘይ ሓገዝ ክትወጽእ ዘይከኣል እዩ፣ ሓግዝ እንተ ረኺብካ ግና ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ።

  • ካብ ኣባላት ስድራ ቤትካ ወይ ፈተውትኻ ሓገዝ ሕተት።

  • ንስኻ እውን ንዓታቶም እትሕግዘሉ መገድታት ኣናዲ። ከምኡ ምግባርካ ብዛዕባ ጸገማትካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  • ተስፋ እንተ ቘሪጽካን ምንባር እንተ ሰልክዩካን ናብ ሓኪም ኪድ። ሓድሓደ ግዜ ዚስምዓካ ጸቕጢ ኸም ሕዱር ጭንቀት ዝኣመሰለ ናይ ጥዕና ጸገም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሰባት ናብ ሕክምና ብምኻዶም ሓገዝ ረኺቦም እዮም።a

a ንቕሑ! ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ።

መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ተስፋ ይህብ

ሓደ ጥንታዊ ዘማሪ ናብ ኣምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸልዩ ነይሩ። “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ።” (መዝሙር 119:105) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚዀነ መርምር።

ኣብ ጸልማት ለይቲ፡ መብራህቲ ናበይ ከም እንኸይድ ክንውስን ይሕግዘና እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ ውሳነታት ክንገብር ኪመርሓና ዚኽእል ግብራዊ ጥበብ ዝሓዘ እዩ።

ብርሃን ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ ኽንርኢ ይሕግዘና እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ሒዙልና ዘሎ ነገራት ክንርኢ የብርሃልና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ታሪኽ ሰባት ዚገልጽ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ዝሓዘ ቕዱስ መጽሓፍ እውን እዩ። ነዘን ስዒበን ዘለዋ ሕቶታት ድማ መልሲ ይህብ፦

ብኸመይ፧

መከራ ብኸመይ ከም ዝጀመረ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ።”—ሮሜ 5:12።

ስለምንታይ፧

ሰብኣውያን ገዛእቲ ንጸገማትና ምፍታሕ ስለምንታይ ከም ዘይከኣሉ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።” (ኤርምያስ 10:23) ኣብ ዓለም ዘሎ ዅነታት፡ ነዚ ሓቂ እዚ የረጋግጸልና እዩ።

እንታይ፧

ኣምላኽ ነዚ ዅነታት እዚ ንምፍታሕ እንታይ ከም ዚገብር መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4።

 “መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበበቶ ንሰብኣያ ትነግሮ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ