ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g23 ቍ. 1 ገጽ 6-8
  • ውቅያኖስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውቅያኖስ
  • ንቕሑ!—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንውቅያኖስ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ዅነታት
  • ፕላነትና—ንሓዋሩ ንምንባር እተነድፈት
  • እንታይ ይግበር ኣሎ፧
  • ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • “ሃብቲ ባሕሪ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2023
  • ኣብዛ ሕታም ንቕሑ!
    ንቕሑ!—2023
  • መእተዊ
    ንቕሑ!—2023
ንቕሑ!—2023
g23 ቍ. 1 ገጽ 6-8
ሓደ ሓምባሲ ኣብ ውሽጢ እቲ በበይኑ ዝሕብሮም ዓሳታትን መርጀንን ኣትክልትን ዘለውዎ ባሕሪ ይሕምብስ።

Georgette Douwma/Stone via Getty Images

ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧

ውቅያኖስ

ውቅያኖሳት ንመብዛሕትኡ እቲ እንበልዖ ምግቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓያሎ ኻብቲ ንመድሃኒት ዜድሊ ነገራት ይልግስ እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኦክስጅን ካብ ውቅያኖሳት እዩ ዚፈሪ። ብዘይካዚ፡ ውቅያኖሳት ነቲ ንጥፈታት ደቂ ሰብ ዘህለኾ ካርቦን ይመጺ። ብተወሳኺ እውን፡ ኵነታት ኣየር ከም ዚመጣጠን ይገብር እዩ።

ንውቅያኖስ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ዅነታት

ለውጢ ዅነታት ኣየር ንከርከስ መርጀንን ንድርዓውያን ዓሳታትን ንኻልኦት ማያውያን ፍጥረታትን ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ። ስነ ፍልጠተኛታት ዳርጋ ዅሉ እቲ ንልዕሊ ርብዒ እቶም ኣብ ባሕሪ ዘለዉ ህያዋን ዜናብር መርጀን፡ ኣብ ዚቕጽል 30 ዓመት ኪመውት ከም ዚኽእል ይንበዩ።

ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኣዕዋፍ ባሕሪ ፕላስቲክ ከም ዝበልዓ፡ ኣብ ውቅያኖስ ዚርከብ ፕላስቲክ ድማ ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት እንስሳታት ባሕሪ ኸም ዚቐትል ክኢላታት ይግምቱ።

ብ2022፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ “ንውቅያኖሳት ክንክን ኣይገበርናሉን፣ ስለዚ፡ ሎሚ ‘ህጹጽ ኵነታት ውቅያኖስ’ ኢለ ኽጽውዖ ኣብ ዝኽእል ኵነታት ኢና ዘለና” በለ።

ፕላነትና—ንሓዋሩ ንምንባር እተነድፈት

ደቂ ሰብ ንውቅያኖሳት እምብዛ እንተ ዘይበኪሎምዎ፡ ውቅያኖሳት ኰነ ኣብኡ ዘሎ ህይወት ገዛእ ርእሱ ኸም ዜጻርን ጥዕናኡ ኸም ዚሕሉን ኰይኑ እዩ ተነዲፉ። ሪጀነሬሽን፦ ኤንዲንግ ዘ ክላይመት ክራይስስ ኢን ዋን ጀነሬሽን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ገሊኡ ኽፋል ባሕሪ ኻብቲ ኢንዱስትሪ ዜስዕቦ ህስያ ሓለዋ እንተ ተገይሩሉ፡ “እቲ ውቅያኖሳት ገዛእ ርእሱ ንምሕዳስ ዘለዎ ኽእለት ብዘይ ዓጋቲ እዩ ዚዓዪ” ትብል። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  • ፋይቶፕላንክተን ዚብሃሉ ደቀቕቲ ተህዋስያን ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ምውሳኽ ዓለምለኻዊ ሙቐት ተባሂሉ ዚእመነሉ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ይምገቡን ይኽዝኑን እዮም። እዞም ፋይቶፕላንክተን ጥራይ ዳርጋ ማዕረ እቲ ዅሉ ኣእዋምን ሳዕርን ኣትክልትን ምድሪ ብድምር ዚኽዝኖ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ይኽዝኑ።

  • ደቀቕቲ ተህዋስያን ነቲ ኻብ ዓሳታት ዚውጽእ ጐሓፍ ይምገብዎ፣ ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ውቅያኖሳት ምተበከለ። ድሕርዚ፡ ደቀቕቲ ተህዋስያን ንኻልኦት ማያውያን ፍጥረታት ምግቢ ይዀኑ። ብመሰረት እቲ ትካል ስሚዝሶኒያን ብዛዕባ ውቅያኖስ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እዚ እተጠቕሰ ምትሕብባር እዚ “ንውቅያኖስ ጽሬቱ ይሕልወሉ።”

  • ኣብ ውቅያኖስ ዚርከቡ ሓያሎ ፍጥረታት በቲ ናይ ምሕቃቕ መስርሖም ኣቢሎም ነቲ ንመርጀንን ንድርዓውያን ዓሳታትን ንኻልኦት ፍጥረታትን ዚጐድእ ኣሲዳዊ ማያት ናብ ዘይጐድእ ማይ ይልውጥዎ።

    ትፈልጥዶ፧

    ሳዕሪ ባሕርን ጥዕና ውቅያኖስን

    ማዕበል ናብ ገምገም ኪውሕዝ ዜርኢ ስእሊ። ኣብቲ ስእሊ፡ ባይታ እቲ ባሕርን ሳዕሪ ባሕርን ፍጥረታት ባሕርን ይርአ። ማዕበላት ናብ ገምገም ገጹ ኪቐርብ ከሎ፡ እቲ ሳዕሪ ባሕሪ ንግዝፍን ንፍጥነትን እቲ ማዕበላት ይንክዮ፡ እቲ ድበት እውን ዝግ ይብል። ዓሳታትን ካልኦት ፍጥረታት ባሕርን ኣብቲ ሳዕሪ ይስስኑ። ናብ ገምገም ዚበጽሕ ማይ ብዝያዳ ይጸሪ፡ እቲ ማዕበላት እውን ሓይሉ ይንኪ።

    ሳዕሪ ባሕሪ ነቲ ትሕቲ ማይ ዘሎ ድበት ካብ ቦታኡ ኸይንቀሳቐስ ኣሲሩ ይሕዞ። ንሃሳዪ ማዕበላት ሓይሉ ኸም ዚንኪ ብምግባር ፍግረ መሬት ስለ ዚከላኸል፡ ሕማማት መርጀን ኣብ ምንካይን ገማግም ከይብሕጐጕ ኣብ ምክልኻልን እጃም ኣለዎ።

እንታይ ይግበር ኣሎ፧

ስእልታት፦ 1. ሓደ ሰብኣይ በቲ ብተደጋጋሚ ዚጥቀመሉ ሳንጣኡ ሒዝዎ ዝመጸ ኣስቤዛ ኣብ ክሽነ የንብሮ። 2. ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ቡምባ ናብቲ ብተደጋጋሚ እትጥቀመሉ መስተዪ ማይ ትቐድሕ።

ደጋጊምካ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ሳንጣታትን መስተዪ ማይን ምጥቃም፡ ነቲ ናብ ውቅያኖሳት ዚጕሓፍ ፕላስቲክ ኣብ ምንካይ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል

ጐሓፍ ናብ ውቅያኖስ እንተ ዘይተደርብዩ፡ ውቅያኖሳት ጽሬቱ ይሕሎ እዩ። ስለዚ፡ ብፕላስቲክ እተሰርሐ ነገራት ሓንሳእ ተጠቒምና ኣብ ክንዲ እንጕሕፍ፡ ሳንጣታትን ኣቕሑን መትሓዚታትን ደጋጊምና ኽንጥቀም ከም ዘሎና፡ ክኢላታት የተባብዑ።

እዚ ግና እኹል ኣይኰነን። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሓደ ኣብ ክንክን ኣከባቢ ዚነጥፍ ውድብ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ኣብ 112 ሃገራት ብማዕበል ተደፊኡ ዝወጸ 9,200 ቶን ጐሓፍ ኣኪቡ። እዚ ግና ካብቲ ኣብ ዓዓመት ናብ ውቅያኖስ ዚጕሓፍ ጐሓፍ ሓደ ኻብ ሽሕ ጥራይ እዩ።

ናሽናል ጂኦግራፊክ፡ “እቲ ኽሳዕ ሕጂ [ኣብ ውቅያኖሳት] ኣሲድነት ዚውስኸሉ ዘሎ መጠን ናብ ዝነበሮ ኺምለስ ዚከኣል ኣይኰነን” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ፍጥረታት ባሕሪ ምስቲ ደቂ ሰብ ብብዝሒ ዜዘውትርዎ በካሊ ነዳዲ ይቃለሱ ኸም ዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ነዚ ኺመጣጠንዎ ኣይክእሉን እዮም” ይብል።

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ። ቍጽሪ ዘይብሎም ንኣሽቱን ዓበይትን ህያዋን ዝመልእዎ ዓብይን ሰፊሕን ባሕሪ እንሆ።” —መዝሙር 104:24, 25።

ፈጣሪና ንውቅያኖሳትን ነቲ ውቅያኖሳት ገዛእ ርእሱ ንምጽራይ ዘለዎ ኽእለትን ፈጢሩ እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ብዛዕባ ባሕርን ማያዊ ህይወትን ብዙሕ ዚፈልጥ ካብ ኰነ፡ ነቲ ኣብ ውቅያኖሳት ዝወረደ ጕድኣት ንምዕራይ ብቕዓት ዘለዎዶ ኣይመስለካን፧ ኣብ ገጽ 15 ዘላ፡ “ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ዓሳ ኣንበሪ ኣብ ውቅያኖስ ይሕምብስ።

Blue Planet Archive/Doug Perrine

ዓበይቲ መራኽብ ብዘይ መርዛም ከሚካላት ንምጽራይ ዚኽእል ሜላ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ውቅያኖስ ኣሎ። ኣብ jw.org፡ “ገዛእ ርእሱ ዜጽሪ ቘርበት ዓሳ ኣንበሪ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ