ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g23 ቍ. 1 ገጽ 9-11
  • ዱር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዱር
  • ንቕሑ!—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዱር ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ዅነታት
  • ፕላነትና—ንሓዋሩ ንምንባር እተነድፈት
  • እንታይ ይግበር ኣሎ፧
  • ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2023
ንቕሑ!—2023
g23 ቍ. 1 ገጽ 9-11
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ዱር ብእተሰርሐ ድልድል ትኸይድ።

ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧

ዱር

ዱር፡ “ሳንቡእ” ምድርና ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ እዚ ድማ ቅኑዕ እዩ። ኣእዋም ነቲ ኺጐድኣና ዚኽእል ካርቦን ዳይኦክሳይድ ወሲዱ፡ ኦክስጅን ዚብሃል ንሕና እነተንፍሶ ኣየር እዩ ዚህብ። ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ምድራውያን ኣትክልትን እንስሳታትን ኣብ ዱር እዮም ዚነብሩ። ብዘይ ዱር፡ ብህይወት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና።

ንዱር ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ዅነታት

ኣብ ዓዓመት ቢልዮናት ኣእዋም ይቝረጽ እዩ፣ መብዛሕትኡ ድማ ንሕርሻ ተባሂሉ እዩ ዚቝረጽ። ካብ ኣጋ መወዳእታ 1940ታት ኣትሒዙ፡ ፍርቂ እቲ ናይ ዓለም ዱር ዝናም (ረይን ፎረስት) በሪሱ ኣሎ።

ዱር ኪበርስ ከሎ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኣትክልትን እንስሳታትን እዮም ዚጸንቱ።

ፕላነትና—ንሓዋሩ ንምንባር እተነድፈት

ገሊኡ በሪሱ ዝነበረ ኣግራብ፡ ዳግም ናይ ምብቋልን ናይ ምስፍሕፋሕን ዜደንቕ ክእለት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ገሊኡ በሪሱ ዝነበረ ዱር ብቕልጡፍ ዳግም ባዕሉ ኸም ዚበቍልን ዕሙር ዱር ከም ዚኸውንን ክኢላታት ኪዕዘቡ ኽኢሎም እዮም። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  • ገሊኦም ተመራመርቲ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዱር ዝነበረ እሞ ንሕርሻ ተባሂሉ እተለበደን ድሕሪኡ እተሓድገን መሬት መጽናዕቲ ገበሩ። ኣብ ኣመሪካን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን፡ ኣብ 2,200 ቃጽዖ መሬት እተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ሓመዱ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ናብቲ ንዱር ዚምሽእ ደረጃ ፍርያምነት ከም ዚምለስ ሓቢሩ።

  • መጽሔት ሳይንስ ኣብ ዘውጽኣቶ መጽናዕቲ፡ ዝበረሰ ዱር ኣብ ውሽጢ ኣስታት 100 ዓመት ባዕሉ ናብቲ ዝነበሮ ደረጃ ኺምለስ ከም ዚኽእል ተመራመርቲ ይግምቱ።

  • ኣብ ብራዚል ዚርከቡ ስነ ፍልጠተኛታት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ነቲ ሰባት ንዱር ዳግም ንምግራብ ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ዘይገበሩሉ ኸባቢ ምስቲ ብዕላማ ብዙሕ ዝጸዓሩሉ ኸባቢ ኣነጻጺሮምዎ እዮም።

  • ናሽናል ጂኦግራፊክ፡ እቶም ኣብዚ እተጠቕሰ መጽናዕቲ እተሳተፉ ተመራመርቲ፡ “ፈልሲ ምትካል ዘየድሊ ዀይኑ ስለ ዝረኸብዎ ተሓጒሶም እዮም” ትብል። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ፡ እቲ ምርምር እተገብረሉ ቓጽዖታት መሬት ባዕሉ “ብመበቈላዊ ኣእዋም መሊኡ።”

    ትፈልጥዶ፧

    ካብ ሕርሻ ናብ ዱር

    ንሕርሻ ተባሂሉ ተለቢዱ ዝነበረ እሞ ደሓር እተሓድገ ዱር ዜርኢ ስእሊ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ እቲ ሓመዱ ይሓዊ። ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ወይ ዝያዳኡ ኸኣ፡ ዕሙር ዱር ኪኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።

    ንሕርሻ ተባሂሉ ተለቢዱ ዝነበረ ዱር ደሓር በይኑ ምስ ተሓድገ፡ ብተፈጥሮ ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ዜደንቕ ክእለት ኣለዎ። ብኻልእ መገዲ ዝበረሰ ዱር እውን ብተመሳሳሊ ባዕሉ ናይ ምሕዋይ ክእለት ኣለዎ።

እንታይ ይግበር ኣሎ፧

ኣብ ብዘላ ዓለም ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዱር ብግቡእ ንምምሕዳር፡ ነቲ እተጐድአ ዱር ድማ ንምሕዋይ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብመሰረት ሓደ ምንጪ ወድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት፡ “ብርሰት ዱር ብልዕሊ 50 ሚእታዊት ነክዩ ኣሎ።”

እዚ ጻዕርታት እዚ ግና ንዱር ንምድሓን እኹል ኣይኰነን። ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዱር ዚብሃል ውድብ ዘሕተሞ ጸብጻብ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ትሮፒክ ዘሎ መጠን ብርሰት ዱር ኣይተቐየረን” ይብል።

ዘይሕጋዊ ምቝራጽ ኣግራብ ብዙሕ ቢልዮናት ዶላር ዚርከቦ ስራሕ እዩ፣ ኣብ ትሮፒክ ዘሎ ብርሰት ዱር ድማ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ንግዲ ዜስዕቦ ምዝመዛ ኣየቋረጸን።

ሓደ ሓላው ዱር ነቲ ኣግራብ ይግምግሞ።

ኣብ ምሕደራ ዱር ዚነጥፉ ጕጅለታት፡ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ኣእዋም ጥራይ ብምቝራጽን ብፈልሲ ብምትካእን ንዱር ይከናኸኑ

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“የሆዋa ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ባህ ዜብልን ምብላዑ ዝጥዑምን ኵሉ ኦም ካብ ምድሪ ኣብቈለ።”—ዘፍጥረት 2:9።

ፈጣሪ ንዱር ብተፈጥሮ ናይ ምሕዋይ ክእለት ሂቡ እዩ ፈጢርዎ። ደቂ ሰብ ንኣእዋም ብግቡእ እንተ ተጠቒሞምሉ፡ ዱር ባዕሉ ገዛእ ርእሱ ኺትክእ ይኽእል እዩ። ፈጣሪና ንዱር ኰነ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ብመስተንክር መገዲ እተነድፉ ህያዋን ኪዕቅቦም ይደሊ እዩ።

ፕላነትናን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን ካብ ጥፍኣት ምእንቲ ኼምልጥ፡ ኣምላኽ ነዚ ሕማቕ ምሕደራ ጸጋታት ምድሪ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። ኣብ ገጽ 15 ዘላ፡ “ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ኣብ ገነት ተሓጒሶም ዚነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን።

ደቂ ሰብ ንጸጋታት ምድሪ ዜመሓድሩሉ ሕማቕ ምሕደራ ንፕላነትና ኸም ዘየጥፍኣ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ኣብ jw.org እትርከብ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ