ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g23 ቍ. 1 ገጽ 12-14
  • ኣየር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣየር
  • ንቕሑ!—2023
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣየር ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ዅነታት
  • ፕላነትና—ንሓዋሩ ንምንባር እተነድፈት
  • እንታይ ይግበር ኣሎ፧
  • ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • ጽሩይ ኣየርን ብርሃን ጸሓይን—ባህርያዊ “ጸረ ነፍሳት”
    ንቕሑ!—2015
ንቕሑ!—2023
g23 ቍ. 1 ገጽ 12-14
ሰብኣይን ሰበይትን ብውርጪ ኣብ እተሸፈነ ጎቦ ብእግሮም ይዛወሩ፣ ኣብ ማዕዶኦም ጽሩይ ኣየር ዘለዎ ሰማይን ብዱር ብእተሸፈነ ኣኽራን እተኸብበ ቀላይን ኣሎ።

ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧

ኣየር

ኣየር የድልየና እዩ፣ ንምትንፋስ ጥራይ ግና ኣይኰነን ዜድልየና። ኣየር ንፕላነትና ኻብቲ ኻብ ጸሓይ ዚመጽእ ጐዳኢ ጸርጊ ይከላኸለላ እዩ። ኣየር እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ኣብ ዓለምና ዘሎ ዅነታት ኣየር ቀዝሒ ጥራይ ምዀነ።

ንኣየር ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎ ዅነታት

ብከላ ኣየር ኣብ ምድሪ ንዘሎ ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ። ሓደ ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ጥራይ እዩ ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ብቑዕ ዚብሎ መለክዒታት ዜማልእ ኣየር ዜተንፍስ ዘሎ።

ብከላ ኣየር ጠንቂ ሕማም ስርዓተ ምትንፋስን መንሽሮ ሳንቡእን ሕማም ልብን ይኸውን እዩ። ብሰንኪ ብከላ ኣየር ኣብ ዓዓመት ኣስታት 7,000,000 ሰባት ዕምሮም ከም ዚሓጽር ይግመት።

ፕላነትና—ንሓዋሩ ንምንባር እተነድፈት

ፕላነትና ንዅሎም ዜተንፍሱ ፍጥረታት ዚኣክል ጥዕና ዘለዎ ኣየር ናይ ምቕራብ ተፈጥሮኣዊ ኽእለት ኣለዋ። እዚ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ እዚ ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን ግና፡ ደቂ ሰብ ንኣከባቢ ምእንቲ ኸይብክሉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  • ዱር ካብ ኣየር ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናይ ምምጻይ ክእለት ከም ዘለዎ ኣጸቢቕካ ይፍለጥ እዩ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዚርከብ ረግረግ ዚበቝሉ ኣግራብ ሾራ ዝሓሸ ዕዮ ኸም ዚዓይዩ ግና ብዙሕ ኣይፍለጥን እዩ። ኣግራብ ሾራ ኻብ ትሮፒካዊ ዱር ክሳዕ ሓሙሽተ ዕጽፊ ብዚበጽሕ ደረጃ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ካብ ኣየር የወግዱ እዮም።

  • ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ፉኮ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዓይነት ተኽሊ ባሕሪ ኻብ ሃዋህው ካርቦን ዳይኦክሳይድ ኣብ ርእሲ ምምጻዩ፡ ነዚ እውን ይቐብሮ እዩ። ኣቝጽልቲ እዚ ተኽሊ እዚ ንነዊሕ ርሕቀት ጸምበለል ኪብል ዜኽእሎ ብጋዝ ዚምላእ ከረጺታት ኣለዎ። ካብ ገምገም ባሕሪ ርሒቑ ምስ ከደ፡ እዚ ኸረጺታት እዚ ይትኰስ እሞ፡ እቲ ካርቦን ዝመጸየ ተኽሊ ናብ ውሽጢ ውቅያኖስ ይሰጥም። ኣብኡ ድማ ንሓያሎ ዘመናት ተቐቢሩ ይጸንሕ።

  • ኣብቲ ብሰንኪ ኮቪድ-19 እተገብረ ዕጽዋ፡ ሃዋህውና ኻብ ጐዳኢ ብከላ ገዛእ ርእሱ ኼጽሪ ኸም ዚኽእል ተራእዩ እዩ። ኣብ 2020፡ እቲ ኻብ ፋብሪካታትን ማካይንን ዚወጽእ ዝነበረ በካሊ ነገራት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ደው ምስ በለ፡ ጽሬት ኣየር ብኡብኡ ተመሓይሹ። ብመሰረት “ጸብጻብ ጽሬት ኣየር ዓለም 2020፡” ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብተን ኣብቲ ጸብጻብ እተሳተፋ ሃገራት ደድሕሪ እቲ ዕጽዋ ነዊሕ ከይጸንሓ ጽሩይ ኣየር ከም ዝረኸባ ሓቢረን።

    ትፈልጥዶ፧

    ጽሬት ኣየር ኪመሓየሽ ይኽእል

    ኣብ ኒው ደልሂ፡ ህንዲ፡ መጠን እቲ ንኣየር ዚብክል ደቀቕቲ ነገራት (PM2.5) ክንደይ ምዃኑ ዜርኢ ግራፍ። ካብቲ ኣብ ጥሪ 2020 ንጥዕና ጐዳኢ ዝነበረሉ 128.1፡ ኣብ ነሓሰ 2020 ናብቲ ማእከላይ ዚብሃል ትሕቲ 35.5 ወሪዱ።

    ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮቪድ-19፡ ኣብ ኒው ደልሂ፡ ህንዲ ዚርከብ ፋብሪካታትን ማካይንን ዜስዕቦ ብከላ ኣየር ኣመና ነክዩ ነይሩ እዩ። መጠን እቲ ንኣየር ዚብክል ደቀቕቲ ነገራት (PM2.5) ብቕልጡፍ ነክዩ ነይሩ እዩ። እዚ ደቀቕቲ ነገራት (.0025 ሚ.ሜ. ወይ ካብኡ ዚደቅቕ) ሕማም ስርዓተ ምትንፋስን ካልእ ከቢድ ሕማማትን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ምምሕያሽ እዚ ግዜያዊ እኳ እንተ ነበረ፡ ሃዋህውና ኻብ ጐዳኢ ብከላ ብቕልጡፍ ኪሓዊ ኸም ዚኽእል ዜርኢ እዩ።

    ኣብ ኒው ደልሂ፡ ህንዲ፡ ኣብ መወዳእታ 2019፡ ልዑል መጠን ብከላ ኣየር ብምንባሩ፡ ብርቱዕ ጣቓ ይርአ።

    © Amit kg/Shutterstock

    መወዳእታ 2019

    ኣብ ኒው ደልሂ፡ ህንዲ፡ ደሓር ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮቪድ-19፡ መጠን ብከላ ኣየር ብምንካዩ፡ እታ ኸተማ ብንጹር ትርአ።

    © Volobotti/Shutterstock

    ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮቪድ-19

እንታይ ይግበር ኣሎ፧

ሓደ ሰብኣይ ናብ ስራሑ ምስ በጽሐ፡ ብሽክለታኡ ደው የብላ።

ብብሽክለታ ምንቅስቓስ ንብከላ ኣየር ኣብ ምንካይ ኣበርክቶ ይገብር።

ብከላ ኣየር ምእንቲ ኺንኪ፡ መንግስትታት ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪታት ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ። ስነ ፍልጠተኛታት ከኣ ነቲ ብከላ ዜሕድሮ ጽልዋ ንምሕዋይ ዜኽእል ሓደስቲ መገድታት ይረኽቡ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ መስርሕ፡ ብደቀቕቲ ተህዋስያን ገይሮም ንበካሊ ነገራት ናብ ዘይመርዛም ግዛዕ ኪቕይርዎ ኽኢሎም ኣለዉ። ብዘይካዚ፡ ክኢላታት ብማኪና ዘይኰነስ ብእግርና ወይ ብብሽክለታ ኽንንቀሳቐስ፡ ኣብ ኣባይትና እውን ጸዓት ዚቝጥብ ናውቲ ኽንጥቀም ይመኽሩ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ገዛኣ ኾፍ ኢላ ምግቢ ትኽሽን። እታ ምድጃኣ ተራ እኳ እንተ ዀነት፡ ብዙሕ ትኪ የብላን።

ገሊኦም መንግስትታት ብከላ ኣየር ንምንካይ፡ ንዜጋታቶም ዘመናዊ ምድጃ የቕርቡ ኣለዉ፣ ብዙሓት ሰባት ግና ሓድሽ ምድጃ ኼጥርዩ ኣይክእሉን እዮም

እዚ ግና እኹል ኣይኰነን። ከም ውድብ ጥዕና ዓለምን ባንክ ዓለምን ዝኣመሰለ ኣህጉራዊ ትካላት ብ2022 ዘውጽኦ ጸብጻብ እውን ነዚ ዚሕብር እዩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ 2020 ኣስታት ሓደ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ምግቢ ኪኽሽን ከሎ፡ ንኣየር ዚብክል ነዳድን ተክኖሎጂን እዩ ዚጥቀም ነይሩ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ሓድሽ ምድጃ ወይ ኣማራጺ ዚኸውን ዓይነት ነዳዲ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም።

ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ፡ እቲ ፈጣሪ ሰማያት . . . እቲ ንምድርን ንፍርያታን ዝዘርግሐ፡ እቲ ኣብኣ ንዘሎ ህዝቢ ትንፋስ፡ ኣብኣ ንዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሃበ ኸምዚ ይብል።”—ኢሳይያስ 42:5።

ነቲ እነተንፍሶ ኣየርን ነቲ ንኣየር ዜጻሪ ተፈጥሮኣዊ ዑደታትን፡ ኣምላኽ እዩ ፈጢርዎ። ንሱ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ኣለዎ፡ ንደቂ ሰብ እውን የፍቅሮም እዩ። እሞ ደኣ ብዛዕባ ብከላ ኣየር ዋላ ሓንቲ ዘይገብርዶ ይመስለካ፧ “ፕላነትና ኻብ ጥፍኣት ከም እተምልጥ ኣምላኽ ኣተስፍዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ምድሪ ኻብ ጠፈር ክትርአ ኸላ።

ሃዋህው ብኸመይ ናብ ህልውና መጺኡ፧ ኣብ jw.org እትርከብ፡ ዩኒቨርስ ተፈጢሩ ድዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ