ዛንታ 3
እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን
ኣብዚ ስእሊ እዚ እንታይ እተፈልየ ነገር ኣሎ፧ ኣብኡ ሰባት ኣለዉ። ንሶም ከኣ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኢዮም። መን ኢዩ ፈጢሩዎም፧ ዝፈጠሮም ኣምላኽ ኢዩ። ስሙ ትፈልጦዶ፧ ስሙ የሆዋ ኢዩ። እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ኣዳምን ሄዋንን ተባሂሎም ተሰምዩ።
የሆዋ ካብ ምድሪ ሓመድ ወሰደ ብኡኡ ገይሩ ኸኣ ፍጹም ዝዀነ ናይ ሰብ ኣካል ሰርሐ። ብድሕርዚ ኣብ ኣፍንጫ ናይቲ ሰብ ኡፍ በለ: ኣዳም ከኣ ህያው ኰነ። የሆዋ ንኣዳም ዝፈጠሮ በዚ መገዲ እዚ ኢዩ።
የሆዋ ኣምላኽ ንኣዳም ዝኸውን ዕዮ ኣዳልዩ ነይሩ ኢዩ። ነቶም እተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ስም ከውጽኣሎም ነገሮ። ኣዳም ዝሰማምዖም ስም ምእንቲ ከውጽኣሎም ነቶም እንስሳታት ንነዊሕ እዋን ተዓዚብዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣዳም ነቶም እንስሳታት ስም ከውጽኣሎም ከሎ ሓደ ነገር ከስተብህል ጀመረ። እዚ ኸኣ እንታይ ከም ዝነበረ ትፈልጥዶ፧
እቶም እንስሳታት ኵሎም ሰብኣይን ሰበይትን ኢዮም ነይሮም። ተባዕትዮ ሓራምዝን ኣንስትዮ ሓራምዝን ከምኡውን ተባዕትዮ ኣናብስን ኣንስትዮ ኣናብስን ነበሩ። ኣዳም ግን ሰበይቲ ክትኰኖ እትኽእል ኣይነበረቶን። ስለዚ የሆዋ ንኣዳም ዓሚቝ ድቃስ ከም ዝወስዶ ገበረ እሞ: ካብ ጐድኑ ኸኣ መሰንገለ ወሰደ። በዚ መሰንገለ እዚ ገይሩ ኸኣ ንኣዳም ሰበይቲ ፈጠረሉ: በዓልቲ ቤቱ ኸኣ ኰነት።
ኣዳም ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተሓጒሱ ክኸውን ዝኽእል! ሄዋን እውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለት ውቅብቲ ጀርዲን ክትነብር ምስ ተፈጥረት: ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሳ ክትከውን ከም እትኽእል እሞ ሕሰቦ! ሕጂ ክወልዱን ተሓጒሶም ብሓንሳእ ክነብሩን ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።
የሆዋ ኣዳምን ሄዋንን ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዩ ዝደልዮም ነይሩ። ብምልእታ ምድሪ ከም ገነት ኤድን ደስ እተብል ክገብርዋ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። ከምኡ ክገብሩ ክሓስቡ ከለዉ ኣዳምን ሄዋንን ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኰን ነይሮም ይዀኑ! ንምድሪ ደስ እተብል ጀርዲን ኣብ ምግባር ክትሓብር ምተፈተወካዶ ነይሩ ይኸውን፧ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ሓጐስ ግን ኣይቀጸለን። ስለምንታይ ከም ዘይቀጸለ እስከ ንርአ።