ዛንታ 9
ኖህ መርከብ ይሰርሕ
ኖህ: ሰበይትን ሰለስተ ደቅን ነበርዎ። ስም ደቁ ሴም ካም ያፌት ኢዩ። ደቁ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም ኣንስቲ ነበራኦም። ስለዚ ኣብ ስድራቤት ኖህ ሸሞንተ ሰባት ነበሩ።
ኣምላኽ ንኖህ ሓድሽ ነገር ክገብር ደለዮ። ዓባይ መርከብ ክሰርሕ ነገሮ። እዚኣ ኣዝያ ሰፋሕ መርከብ ኢያ: ግን ዓብን ነዊሕን ሳንዱቕ ኢያ ትመስል ነይራ። ኣምላኽ ንኖህ ‘ሰለስተ ደርብን ክፍልታትን ግበረላ’ በሎ። እቲ ክፍልታት ንኖህን ስድራቤቱን: ነቶም እንስሳታት: ከምኡውን ነቲ ንዕኦም ዝኸውን መግብን ኢዩ ነይሩ።
ነታ መርከብ ማይ ምእንቲ ከይኣትዋ ኣምላኽ ንኖህ ክልብጣ ነገሮ። ኣምላኽ ‘ማይ ኣይሂ ኣምጺአ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ከጥፍኦ እየ: ኣብታ መርከብ ዘይኣተወ ኵሉ ኸኣ ክመውት ኢዩ’ በሎ።
ኖህን ደቁን ንየሆዋ ተኣዘዝዎ እሞ ምስራሕ ጀመሩ። እቶም ካልኦት ሰባት ግን ሰሓቑ። እኩያት ኰይኖም ከኣ ቀጸሉ። ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገብር ኖህ ክነግሮም ከሎ ዋላ ሓደ ኣይኣመኖን።
እታ መርከብ ዓባይ ስለ ዝነበረት ንኽትስራሕ ብዙሕ ግዜ ወሰደት። ኣብ መወዳእትኡ: ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ተወድአት። ነቶም እንስሳታት ኣብ መርከብ ምእንቲ ከእትዎም ኣምላኽ ንኖህ ነገሮ። ካብ ገለ ዓይነት እንስሳ ከክልተ: ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣእቱ በሎ። ካብቶም ካልእ ዓይነት እንስሳታት ግን በብሸውዓተ ገይሩ ከእትዎም ነገሮ። ካብ ኵለን እተን እተፈላለያ ዓይነት ኣዕዋፍ እውን ከእቱ ኣምላኽ ንኖህ ነገሮ። ኖህ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ገበረ።
ብድሕርዚ ኖህን ስድራቤቱን እውን ኣብታ መርከብ ኣተዉ። ሽዑ ኣምላኽ ነቲ ማዕጾ ዓጸዎ። ኣብ ውሽጢ ኖህን ስድራቤቱን ይጽበዩ ነበሩ። ምስኦም ኣብታ መርከብ ትጽበ ከም ዘለኻ ገይርካ እስከ ሕሰቦ። ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ማይ ኣይሂ ክህሉ ደዀን ይኸውን፧