ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 21
  • ዮሴፍ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮሴፍ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀኒእካዶ ትፈልጥ፧ ኣሕዋት ዮሴፍ ቀኒኦም እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ንኣምላኽ እተኣዘዘ ባርያ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 21

ዛንታ 21

ዮሴፍ ኣሕዋቱ ይጸልእዎ

እዚ ወዲ ክሳዕ ክንደይ ዝጐሃየን ተስፋ ዝቘረጸን ከም ዝመስል እሞ ርኣዮ። ንሱ ዮሴፍ ኢዩ። ኣሕዋቱ ናብዞም ንግብጺ ገጾም ዝኸዱ ዘለዉ ሰባት ኢዮም ዝሸጥዎ ዘለዉ። ኣብኡ ኸኣ ዮሴፍ ባርያ ክኸውን ኢዩ። እዞም በቦ ኣሕዋቱ ነዚ ክፉእ ነገር እዚ ዝገበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ብዮሴፍ ስለ ዝቐንኡ ኢዮም።

ኣቡኦም ያእቆብ ንዮሴፍ ኣዝዩ ይፈትዎ ነበረ። ወለል ዝብል ጽቡቕ ቀሚሽ ብምሃቡ ኸኣ ከም ዝፈትዎ ኣርኣየ። እቶም ካብኡ ዝዓብዩ 10 ኣሕዋቱ: ያእቆብ ንዮሴፍ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝፈትዎ ምስ ረኣዩ ቀንኡ እሞ ንዮሴፍ ጸልእዎ። እንተዀነ ግን: ዝጸልእዎ ካልእ ምኽንያት እውን ነይሩ ኢዩ።

ዮሴፍ ክልተ ሕልሚ ሓለመ። ኣብ ክልቲአን ሕልሙ ኣሕዋቱ ክሰግድሉ ረኣየ። ዮሴፍ ንኣሕዋቱ እዚ ሕልሚ እዚ ምስ ነገሮም: እቲ ጽልኦም መሊሱ ገደደ።

ሓደ መዓልቲ እቶም ዓበይቲ ኣሕዋት ዮሴፍ ኣባጊዕ ኣቡኦም እንዳሓለዉ ከለዉ: ያእቆብ ከይዱ ደሃይ ኣሕዋቱ ክገብር ንዮሴፍ  ለኣኾ። ኣሕዋቱ ክመጽእ ምስ ረኣይዎ ገለ ካብኣቶም ‘ንቕተሎ’ ተባሃሃሉ። ሮቤል እቲ ዓቢ ሓዎም ግን ‘ኣይፋልን: ኣይትቕተልዎ’ በሎም። ኣብ ክን​ድኡ ንዮሴፍ ወሲዶም ኣብ ማዩ ዝነቐጸ ጕድጓድ ይድርብይዎ። ብድሕርዚ እንታይ ከም ዝገብርዎ ክው​ስኑ ኮፍ በሉ።

ኣብቲ እዋን እቲ ገለ እስማኤላውያን ክመጹ ረኣዩ። ይሁዳ ነቶም በቦ ኣሕዋቱ ‘ንዑ ግዳ ኣብዞም እስማኤላውያን ንሽጦ’ በሎም። ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ንዮሴፍ ብዕስራ ሲቃል ብሩር ሸጥዎ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ጨካናትን ዘይሕያዎትን ኰን ኢዮም ነይሮም!

ኣሕዋቱ ንኣቡኦም እንታይ ኢሎም ኰን ይነግርዎ ይዀኑ፧ ወጦጦ ሓሪዶም ንቐሚሽ ዮሴፍ ደጋጊሞም ኣብኡ ጠለቕዎ። ድሕርዚ ነቲ ቐምሽ ናብ ኣቡኦም ያእቆብ ወሲዶም ‘እዚ ረኺብና እሞ: ናይ ዮሴፍ እንተ ዀይኑን እንተ ዘይኰይኑን እስከ ኣለልዮ’ በልዎ።

ያእቆብ ናይ ወዱ ምዃኑ ኣለለዮ። ‘ዮሴፍ ኣራዊት በሊዕዎ’ ኢሉ ኸኣ በኸየ። ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቡኦም ከምኡ ኢሉ ክሓስብ ኢዮም ደልዮሞ። ያእቆብ ኣዝዩ ጓሃየ። ንብዙሕ መዓልትታት ከኣ ሓዘነ። ዮሴፍ ግን ኣይሞተን። ኣብቲ ዝወሰድዎ ቦታ እንታይ ከም ዘጓንፎ እስከ ንርአ።

ዘፍጥረት 37:⁠1⁠-​35

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ