ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 22
  • ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኣቱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኣቱ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምላኽ እተኣዘዘ ባርያ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ‘ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር እኽእል፧’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • የሆዋ የቕንዓልካ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 22

ዛንታ 22

ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኣቱ

ዮሴፍ ናብ ግብጺ ክውሰድ ከሎ ወዲ 17 ዓመት ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ኣብኡ ኸኣ ናብ ሓደ ጶጢፋር እተባህለ ሰብኣይ ተሸየጠ። ጶጢፋር ኣብ ትሕቲ እቲ ፈርኦን ዝብሃል ንጉስ ግብጺ ኢዩ ዝሰርሕ።

ዮሴፍ ንጐይትኡ ጶጢፋር ብትግሃት ኢዩ ዝሰርሓሉ ነይሩ። ስለዚ ዮሴፍ ምስ ዓበየ ጶጢፋር ኣብ ልዕሊ ኵሉ ቤቱ ሸሞ። እሞኸ ደኣ ዮሴፍ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብሰንኪ ሰበይቲ ጶጢፋር ኢዩ።

ዮሴፍ ምስ ዓበየ ምልኩዕ ሰብኣይ ኢዩ ዀይኑ: ሰበይቲ ጶጢፋር ከኣ ምስኣ ክድቅስ ትብህጎ ነበረት። ዮሴፍ ግን እዚ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ ነይሩ: ኣይገብሮን ድማ ኢዩ። ሰበይቲ ጶጢፋር ኣዝያ ሓረቐት። ስለዚ ሰብኣያ ገዛ ምስ መጸ: ‘እቲ እኩይ ዮሴፍ ምሳይ ክድቅስ ደልዩ መጸኒ’ ኢላ ሓስያ ነገረቶ። ጶጢፋር ንሰበይቱ ኣመና: ንዮሴፍ ከኣ ተቖጥዖ። ሰለዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝኣቱ ገበሮ።

እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ: ዮሴፍ ንፉዕ ሰብ ምዃኑ ቀልጢፉ ተረድአ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እሱራት ሸሞ። ጸኒሑ ፈርኦን ምስ ኣሰላፍ ሜሱን: ምስ ሰንካት እንጌራኡን ተቘጥዐ እሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዎም። ሓደ ለይቲ ክልቲኦም ፍልይ ዝበለ ሕልሚ ሓለሙ: ትርጕም ናይቲ ሕልሞም ግን ኣይፈለጥዎን። ንጽባሒቱ ዮሴፍ ‘ሕልምኹም ንገሩኒ’ በሎም። ምስ ነገርዎ ኸኣ ዮሴፍ ብሓገዝ ኣምላኽ ትርጕም ናይ ሕልሞም ነገሮም።

ነቲ ኣሰላፍ ሜስ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክትወጽእ ኢኻ: እንደገና ኸኣ ናይ ፈርኦን ኣሰላፍ ሜስ ክትከውን ኢኻ’ በሎ። ስለዚ ዮሴፍ ‘ምስ ወጻእካ ኸኣ ንፈርኦን ንገረለይ: ካብዚ ቦታ እዚ ክወጽእ ከኣ ሓግዘኒ’ ብምባል ወሲኹ ነገሮ። ነቲ ሰንካት እንጌራ ግን ዮሴፍ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈርኦን ርእስኻ ክቘርጸካ ኢዩ’ በሎ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ልክዕ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ኰነ። ፈርኦን ርእሲ ናይቲ ሰንካቲ እንጌራ ቈረጸ። እቲ ኣሰላፊ ሜስ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ነቲ ንጉስ ከገልግል ጀመረ። እንተዀነ ግን እቲ ኣሰላፍ ሜስ ንዮሴፍ ፈጺሙ ረስዖ! ንፈርኦን ብዛዕብኡ ኣይነገሮን: ዮሴፍ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተረፈ።

ዘፍጥረት 39:⁠1⁠-​23፣ 40:⁠1⁠-​23

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ