ዛንታ 47
ሓደ ሰራቒ ኣብ እስራኤል
እዚ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ዝሓብኦ ዘሎ እሞ ርኣዮ! ጽቡቕ ባርኖስን ልሳን ወርቅን ብሩርን ኢዩ ዝሓብእ ዘሎ። እዚ ካብ ከተማ ያሪኮ ዝወሰዶ ኢዩ። እቲ ኣብ ያሪኮ እተረኽበ ነገራት ግን እንታይ ኢዩ ክግበር ነይርዎ፧ ትዝክሮዶ፧
ክጠፍእ ኢዩ ዝግብኦ ነይሩ: እቲ ወርቅን ብሩርን ከኣ ናብ መዝገብ ማሕደር የሆዋ ክኣቱ ነበሮ። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን። ንኣምላኽ ዝግባእ ነገር ኢዮም ሰሪቖም። ስም እቲ ሰብኣይ ኣካን ኢዩ: እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸኣ ኣባላት ስድራቤቱ ኢዮም። እንታይ ከም ዝዀኑ እስከ ንርአ።
ኣካን እዚ ነገራት እዚ ድሕሪ ምስራቑ: እያሱ ምስ ዓይ ዝዋግኡ ሰባት ለኣኸ። እቶም ሰባት ግን ኣብቲ ውግእ ተሳዕሩ። ገሊኦም ተቐትሉ: እቶም ዝተረፉ ኸኣ ሃደሙ። እያሱ ኣዝዩ ጐሃየ። ገጹ ናብ ምድሪ ደፊኡ ናብ የሆዋ ከምዚ ብምባል ጸለየ:-‘ከምዚ ክንከውን ስለምንታይ ፈቐድካ፧’
የሆዋ ኸኣ ‘ተንስእ! እስራኤል ሓጢኣት ገበረ። ካብቲ ክጠፍእ ወይ ከኣ ንማሕደር የሆዋ ክዋሃብ ዝነበሮ ነገር ወሰዱ። ጽቡቕ ባርኖስ ሰረቑ: ሓብኡዎ ኸኣ። ነቲ ሕሩም ዝወሰደ ክሳዕ እተጥፍእዎ: ኣይባርኸኩምን እየ’ በሎ። የሆዋ ኸኣ እቲ እኩይ ሰብ መን ምዃኑ ንእያሱ ከርእየካ ኢየ በሎ።
ስለዚ እያሱ ንዅሎም እቶም ሰባት ኣከቦም: የሆዋ ኸኣ ንኣካን እቲ እኩይ ሰብኣይ ፈልዩ ኣውጽኦ። ኣካን ከኣ ‘ሓጣእኩ። ጽቡቕ ባርኖስን ልሳን ወርቅን ብሩርን ረኣኹ። ተመኔኽዎ እሞ ወሰድክዎ። ኣብ ድንኳነይ ኣብ ምድሪ ቀቢረዮ ኣለኹ’ ኢሉ ነገሮ።
ነዚ ነገራት እዚ ናብ እያሱ ምስ ኣምጽእዎ: እያሱ ኸኣ ንኣካን ከምዚ በሎ:- ‘ስለምንታይ ሽግር ኣምጻእካልና፧ ሎሚ ኸኣ የሆዋ ሽግር ከምጽኣልካ እዩ!’ ብድሕርዚ ኵሎም እቶም ህዝቢ ንኣካንን ንስድራቤቱን ብዳርባ እምኒ ቐተልዎም። እዝስ ናይ ካልኦት ንብረት ፈጺምና ክንወስድ ከም ዘይብልና ዘመልክትዶ ኣይኰነን፧
ድሕርዚ እስራኤል ምስ ዓይ ክዋግኡ ከዱ። ኣብዚ ግዜ እዚ የሆዋ ንህዝቡ ሓገዞም እሞ ሰዓሩ ኸኣ።