ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 47
  • ሓደ ሰራቒ ኣብ እስራኤል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደ ሰራቒ ኣብ እስራኤል
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • እያሱ ዘይረስዖ ነገራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 47

ዛንታ 47

ሓደ ሰራቒ ኣብ እስራኤል

እዚ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ዝሓብኦ ዘሎ እሞ ርኣዮ! ጽቡቕ ባርኖስን ልሳን ወርቅን ብሩርን ኢዩ ዝሓብእ ዘሎ። እዚ ካብ ከተማ ያሪኮ ዝወሰዶ ኢዩ። እቲ ኣብ ያሪኮ እተረኽበ ነገራት ግን እንታይ ኢዩ ክግበር ነይርዎ፧ ትዝክሮዶ፧

ክጠፍእ ኢዩ ዝግብኦ ነይሩ: እቲ ወር​ቅን ብሩርን ከኣ ናብ መዝገብ ማሕደር የሆዋ ክኣቱ ነበሮ። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን። ንኣምላኽ ዝግባእ ነገር ኢዮም ሰሪቖም። ስም እቲ ሰብኣይ ኣካን ኢዩ: እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸኣ ኣባላት ስድራቤቱ ኢዮም። እንታይ ከም ዝዀኑ እስከ ንርአ።

ኣካን እዚ ነገራት እዚ ድሕሪ ምስራቑ: እያሱ ምስ ዓይ ዝዋግኡ ሰባት ለኣኸ። እቶም ሰባት ግን ኣብቲ ውግእ ተሳዕሩ። ገሊኦም ተቐትሉ: እቶም ዝተረፉ ኸኣ ሃደሙ። እያሱ ኣዝዩ ጐሃየ። ገጹ ናብ ምድሪ ደፊኡ ናብ የሆዋ ከምዚ ብምባል ጸለየ:⁠-‘ከምዚ ክንከውን ስለምንታይ ፈቐድካ፧’

የሆዋ ኸኣ ‘ተንስእ! እስራኤል ሓጢኣት ገበረ። ካብቲ ክጠፍእ ወይ ከኣ ንማሕደር የሆዋ ክዋሃብ ዝነበሮ ነገር ወሰዱ። ጽቡቕ ባርኖስ ሰረቑ: ሓብኡዎ ኸኣ። ነቲ ሕሩም ዝወሰደ ክሳዕ እተጥፍእዎ: ኣይባርኸኩምን እየ’ በሎ። የሆዋ ኸኣ እቲ እኩይ ሰብ መን ምዃኑ ንእያሱ ከርእየካ ኢየ በሎ።

ስለዚ እያሱ ንዅሎም እቶም ሰባት ኣከቦም: የሆዋ ኸኣ ንኣካን እቲ እኩይ ሰብኣይ ፈልዩ ኣውጽኦ። ኣካን ከኣ ‘ሓጣእኩ። ጽቡቕ ባርኖስን ልሳን ወርቅን ብሩርን ረኣኹ። ተመኔኽዎ እሞ ወሰድክዎ። ኣብ ድንኳነይ ኣብ ምድሪ ቀቢረዮ ኣለኹ’ ኢሉ ነገሮ።

ነዚ ነገራት እዚ ናብ እያሱ ምስ ኣምጽእዎ: እያሱ ኸኣ ንኣካን ከምዚ በሎ:⁠- ‘ስለምንታይ ሽግር ኣምጻእካልና፧ ሎሚ ኸኣ የሆዋ ሽግር ከምጽኣልካ እዩ!’ ብድሕርዚ ኵሎም እቶም ህዝቢ ንኣካንን ንስድራቤቱን ብዳርባ እምኒ ቐተልዎም። እዝስ ናይ ካልኦት ንብረት ፈጺምና ክንወስድ ከም ዘይብልና ዘመልክትዶ ኣይኰነን፧

ድሕርዚ እስራኤል ምስ ዓይ ክዋግኡ ከዱ። ኣብዚ ግዜ እዚ የሆዋ ንህዝቡ ሓገዞም እሞ ሰዓሩ ኸኣ።

እያሱ 7:⁠1⁠-​26፣ 8:⁠1⁠-​29

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ