ዛንታ 50
ክልተ ተብዓት ኣንስቲ
እስራኤላውያን ኣብ ሽግር ምስ ወደቑ ናብ የሆዋ ኣእወዩ። የሆዋ ኸኣ ተብዓት መራሕቲ ብምሃብ ይምልሰሎም። መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም መራሕቲ እዚኣቶም መሳፍንቲ ኢሉ ይጽውዖም። እያሱ እቲ ናይ መጀመርታ መስፍን ኢዩ ነይሩ: ብድሕሪኡ ኸኣ ዖትኒኤል: ኤሁድ: ከምኡውን ሻምጋር መሳፍንቲ ነበሩ። ካብቶም ንእስራኤል ዝሓገዙ ግን ክልተ ኣንስቲ ኢየን ነይረን: ስመን ከኣ ዴቦራን ያዔልን ኢዩ።
ዴቦራ ነብዪት ኢያ። የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ሓበሬታ ይህባ እሞ: ንሳ ኸኣ ነቶም ህዝቢ እቲ የሆዋ ዝበሎ ትነግሮም ነበረት። ዴቦራ ፈራዲት እውን ነይራ ኢያ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ውሱን ኦም ተምሪ ትቕመጥ ነበረት: ሰባት ከኣ ሽግራቶም ንምፍታሕ ናብኣ ይመጹ ነበሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ንጉስ ናይ ከነኣን ያቢን ኢዩ ነይሩ። ያቢን 900 ዝዀና ናይ ውግእ ሰረገላታት ነበራኦ። ሰራዊቱ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ካብ እስራኤላውያን ኣገልገልቲ ናይ ያቢን ክዀኑ ተገደዱ። ናይ ንጉስ ያቢን ሓለቓ ሰራዊት ሲሰራ ኢዩ ዝብሃል ነይሩ።
ሓደ መዓልቲ ዴቦራ ንመስፍን ባራቅ ልኢኻ ከምዚ በለቶ:- ‘የሆዋ ከምዚ ይብል ኣሎ: “10,000 ሰባት ውሰድ እሞ ናብ ከረን ታቦር ተጓዓዝ። ኣብኡ ኸኣ ንሲሰራ ናባኻ ከምጽኦ ኢየ። ንዕኡን ንሰራዊቱን ከኣ ኣብ ኢድካ ክህበካ እየ።”
ባራቅ ከኣ ንዴቦራ ከምዚ በላ:-‘ምሳይ እንተ ኬድኪ ክኸይድ እየ።’ ዴቦራ ምስኡ ኸደት: ንባራቅ ግን ከምዚ በለቶ:-‘እቲ ዓወት ናትካ ኣይከውንን ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ክህቦ ኢዩ።’ ከምኡ ኸኣ ኰነ።
ባራቅ ካብ ከረን ታቦር ወሪዱ ንሰራዊት ሲሰራ ክጋጠሞም ይኸይድ። የሆዋ ኸኣ ብሃንደበት ውሒዝ ኣውሓዘ: ብዙሓት ካብ ሰራዊት ጸላኢ ኸኣ ጠሓሉ። ሲሰራ ግን ካብ ሰረገልኡ ወሪዱ ሃደመ።
ድሕሪ ቑሩብ ሲሰራ ናብ ድንኳን ያዔል መጸ። ንሳ ኸኣ እቶ በለቶ: ጸባ እውን ሃበቶ። እዚ ኸአ ከም ዝድቅስ ገበሮ: ኣብ ሓጺር ግዜ ኸኣ ዓሚቝ ድቃስ ወሰዶ። ድሕርዚ ያዔል ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ኣብ ርእሲ ናይዚ እኩይ ሰብኣይ ሸኸለቶ። ጸኒሑ ባራቅ መጸ እሞ ነቲ ዝሞተ ሲሰራ ኣርኣየቶ! ስለዚ እቲ ዴቦራ ዝበለቶ: ናይ ሓቂ ከም እተፈጸመ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ መወዳእታ ንጉስ ያቢን እውን ተቐትለ: እስራኤላውያን ከኣ ንቑሩብ ግዜ እንደገና ሰላም ረኸቡ።