ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 50
  • ክልተ ተብዓት ኣንስቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክልተ ተብዓት ኣንስቲ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድሽ መራሕን ክልተ ተባዓት ኣንስትን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ‘ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ተንሳእኩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ባራቅ ብእምነት ንሓያል ሰራዊት ሰዓረ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ፈቲኻ ብምግልጋል ንየሆዋ ወድሶ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 50

ዛንታ 50

ክልተ ተብዓት ኣንስቲ

እስራኤላውያን ኣብ ሽግር ምስ ወደቑ ናብ የሆዋ ኣእወዩ። የሆዋ ኸኣ ተብዓት መራ​ሕቲ ብምሃብ ይምልሰሎም። መጽ​ሓፍ ቅዱስ ነዞም መራሕቲ እዚኣቶም መሳፍንቲ ኢሉ ይጽውዖም። እያሱ እቲ ናይ መጀመርታ መስ​ፍን ኢዩ ነይሩ: ብድሕሪኡ ኸኣ ዖትኒኤል: ኤሁድ: ከምኡውን ሻምጋር መሳፍንቲ ነበሩ። ካብቶም ንእስራኤል ዝሓገዙ ግን ክልተ ኣንስቲ ኢየን ነይረን: ስመን ከኣ ዴቦራን ያዔልን ኢዩ።

ዴቦራ ነብዪት ኢያ። የሆዋ ብዛ​ዕባ መጻኢ ሓበሬታ ይህባ እሞ: ንሳ ኸኣ ነቶም ህዝቢ እቲ የሆዋ ዝበሎ ትነግሮም ነበረት። ዴቦራ ፈራዲት እውን ነይራ ኢያ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ውሱን ኦም ተምሪ ትቕመጥ ነበረት: ሰባት ከኣ ሽግራቶም ንምፍታሕ ናብኣ ይመጹ ነበሩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ንጉስ ናይ ከነኣን ያቢን ኢዩ ነይሩ። ያቢን 900 ዝዀና ናይ ውግእ ሰረገላታት ነበራኦ። ሰራዊቱ ኣዝዩ ብር​ቱዕ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ካብ እስራኤላውያን ኣገልገልቲ ናይ ያቢን ክዀኑ ተገደዱ። ናይ ንጉስ ያቢን ሓለቓ ሰራዊት ሲሰራ ኢዩ ዝብሃል ነይሩ።

ሓደ መዓልቲ ዴቦራ ንመስፍን ባራቅ ልኢኻ ከምዚ በለቶ:⁠- ‘የሆዋ ከምዚ ይብል ኣሎ: “10,000 ሰባት ውሰድ እሞ ናብ ከረን ታቦር ተጓዓዝ። ኣብኡ ኸኣ ንሲሰራ ናባኻ ከምጽኦ ኢየ። ንዕኡን ንሰራዊቱን ከኣ ኣብ ኢድካ ክህበካ እየ።”

ባራቅ ከኣ ንዴቦራ ከምዚ በላ:⁠-‘ምሳይ እንተ ኬድኪ ክኸይድ እየ።’ ዴቦራ ምስኡ ኸደት: ንባራቅ ግን ከምዚ በለቶ:⁠-‘እቲ ዓወት ናትካ ኣይከውንን ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ክህቦ ኢዩ።’ ከምኡ ኸኣ ኰነ።

ባራቅ ካብ ከረን ታቦር ወሪዱ ንሰራዊት ሲሰራ ክጋጠሞም ይኸይድ። የሆዋ ኸኣ ብሃንደበት ውሒዝ ኣውሓዘ: ብዙሓት ካብ ሰራዊት ጸላኢ ኸኣ ጠሓሉ። ሲሰራ ግን ካብ ሰረገልኡ ወሪዱ ሃደመ።

ድሕሪ ቑሩብ ሲሰራ ናብ ድንኳን ያዔል መጸ። ንሳ ኸኣ እቶ በለቶ: ጸባ እውን ሃበቶ። እዚ ኸአ ከም ዝድቅስ ገበሮ: ኣብ ሓጺር ግዜ ኸኣ ዓሚቝ ድቃስ ወሰዶ። ድሕርዚ ያዔል ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ኣብ ርእሲ ናይዚ እኩይ ሰብኣይ ሸኸለቶ። ጸኒሑ ባራቅ መጸ እሞ ነቲ ዝሞተ ሲሰራ ኣርኣየቶ! ስለዚ እቲ ዴቦራ ዝበለቶ: ናይ ሓቂ ከም እተፈጸመ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መወዳእታ ንጉስ ያቢን እውን ተቐትለ: እስራኤላውያን ከኣ ንቑሩብ ግዜ እንደገና ሰላም ረኸቡ።

መሳፍንቲ 2:⁠14⁠-​22፣ 4:⁠1⁠-​24፣ 5:⁠1⁠-​31

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ