ዛንታ 57
ኣምላኽ ንዳዊት ይሓሪ
ነዚ ተፈጺሙ ዘሎ ነገር ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ እቲ ወዲ ነዛ ዕየት ካብቲ ድቢ ኢዩ ኣድሒንዋ። እቲ ድቢ ነታ ዕየት ወሲዱ ክበልዓ ኢዩ ደልዩ ነይሩ። እቲ ወዲ ግን ደድሕሪኡ ጐየዮ: ነታ ዕየት ከኣ ካብ ኣፍ እቲ ድቢ ኣድሓና። እቲ ድቢ ደው ምስ በለ ኸኣ እቲ ወዲ ሒዙ ቐተሎ! ካልእ ግዜ ኸኣ ንሓንቲ ካብተን ኣባጊዑ ካብ ኣንበሳ ኣድሓና። ተባዕ ወዲዶ ኣይኰነን፧ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧
እዚ እቲ መንእሰይ ዳዊት ኢዩ። ኣብ ከተማ ቤት-ልሄም ኢዩ ዝነብር። እዮቤድ ኣቦሓጉኡ ወዲ ሩትን ቦኣዝን ኢዩ። ትዝክሮምዶ፧ ኣቦ ዳዊት ከኣ እሴይ ኢዩ። ዳዊት ንኣባጊዕ ኣቦኡ ኢዩ ዝጓሲ። ዳዊት የሆዋ ንሳኦል ንጉስ ክኸውን ምስ ሓረዮ 10 ዓመት ጸኒሑ ኢዩ ተወሊዱ።
የሆዋ ንሳሙኤል ‘ዘይቲ ሒዝካ ኣብ ቤት እሴይ በዓል ቤት-ልሄም ኪድ። ካብ ደቁ ንጉስ ዝዀነኒ ሓርየ ኣለኹ’ በሎ። ሳሙኤል ንኤልያብ እቲ ዓቢ ወዲ እሴይ ምስ ረኣዮ ‘እቲ የሆዋ ዝቐብኦ እዚ ኢዩ’ ኢሉ ብውሽጡ ሓሰበ። የሆዋ ግን ‘ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣብ መልክዑን ኣይትጠምት። ንጉስ ክኸውን ኣይሓረኽዎን’ በሎ።
ስለዚ እሴይ ንወዱ ኣቢናዳብ ጸውዖ እሞ ናብ ሳሙኤል ኣቕረቦ። ሳሙኤል ግን ‘ነዚ እውን የሆዋ ኣይሓረዮን’ በለ። ቀጺሉ ኸኣ እሴይ ንሳማ ወዱ ኣምጽኦ። ሳሙኤል ከኣ ‘የሆዋ ነዚ እውን ኣይሓረዮን’ በለ። እሴይ ሸውዓተ ካብቶም ደቁ ናብ ሳሙኤል ኣምጽአ: የሆዋ ግን ንዋላ ሓደ ካብኦም ኣይሓረየን። ሳሙኤል ‘ኵሎም ደቅኻ እዚኣቶም ድዮም፧’ ብምባል ሓተቶ።
እሴይ ‘እቲ ንእሽቶ ተሪፉ ኣሎ። እንተዀነ ግን ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ’ ኢሉ መለሰ። ዳዊት ምስ መጸ: ሳሙኤል ጽቡቕ ዝትርኢቱ ወዲ ምዃኑ ረኣየ። የሆዋ ከኣ ‘ንሱ ኢዩ። ተንሲእካ ቅብኣዮ’ በሎ። ሳሙኤል ከኣ ከምኡ ገበረ። ዳዊት ንጉስ ናይ እስራኤል ዝዀነሉ ግዜ ክመጽእ ነበሮ።