ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 57
  • ኣምላኽ ንዳዊት ይሓሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንዳዊት ይሓሪ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ልቢ እዩ ዚርኢ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ከም ልቢ የሆዋ ዝበለ ሰብኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ዳዊትን ጐልያድን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሳሙኤል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣተባብዐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 57

ዛንታ 57

ኣምላኽ ንዳዊት ይሓሪ

ነዚ ተፈጺሙ ዘሎ ነገር ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ እቲ ወዲ ነዛ ዕየት ካብቲ ድቢ ኢዩ ኣድሒንዋ። እቲ ድቢ ነታ ዕየት ወሲዱ ክበልዓ ኢዩ ደልዩ ነይሩ። እቲ ወዲ ግን ደድሕሪኡ ጐየዮ: ነታ ዕየት ከኣ ካብ ኣፍ እቲ ድቢ ኣድሓና። እቲ ድቢ ደው ምስ በለ ኸኣ እቲ ወዲ ሒዙ ቐተሎ! ካልእ ግዜ ኸኣ ንሓንቲ ካብተን ኣባጊዑ ካብ ኣንበሳ ኣድሓና። ተባዕ ወዲዶ ኣይኰነን፧ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧

እዚ እቲ መንእሰይ ዳዊት ኢዩ። ኣብ ከተማ ቤት⁠-​ልሄም ኢዩ ዝነብር። እዮቤድ ኣቦሓጉኡ ወዲ ሩትን ቦኣዝን ኢዩ። ትዝክሮምዶ፧ ኣቦ ዳዊት ከኣ እሴይ ኢዩ። ዳዊት ንኣባጊዕ ኣቦኡ ኢዩ ዝጓሲ። ዳዊት የሆዋ ንሳኦል ንጉስ ክኸውን ምስ ሓረዮ 10 ዓመት ጸኒሑ ኢዩ ተወሊዱ።

የሆዋ ንሳሙኤል ‘ዘይቲ ሒዝካ ኣብ ቤት እሴይ በዓል ቤት⁠-​ልሄም ኪድ። ካብ ደቁ ንጉስ ዝዀነኒ ሓርየ ኣለኹ’ በሎ። ሳሙኤል ንኤልያብ እቲ ዓቢ ወዲ እሴይ ምስ ረኣዮ ‘እቲ የሆዋ ዝቐብኦ እዚ ኢዩ’ ኢሉ ብውሽጡ ሓሰበ። የሆዋ ግን ‘ኣብ ምንዋሕ ቍመቱን ኣብ መልክዑን ኣይትጠምት። ንጉስ ክኸውን ኣይሓረኽዎን’ በሎ።

ስለዚ እሴይ ንወዱ ኣቢናዳብ ጸውዖ እሞ ናብ ሳሙኤል ኣቕረቦ። ሳሙኤል ግን ‘ነዚ እውን የሆዋ ኣይሓረዮን’ በለ። ቀጺሉ ኸኣ እሴይ ንሳማ ወዱ ኣምጽኦ። ሳሙኤል ከኣ ‘የሆዋ ነዚ እውን ኣይሓረዮን’ በለ። እሴይ ሸውዓተ ካብቶም ደቁ ናብ ሳሙኤል ኣምጽአ: የሆዋ ግን ንዋላ ሓደ ካብኦም ኣይሓረየን። ሳሙኤል ‘ኵሎም ደቅኻ እዚኣቶም ድዮም፧’ ብምባል ሓተቶ።

እሴይ ‘እቲ ንእሽቶ ተሪፉ ኣሎ። እንተዀነ ግን ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ’ ኢሉ መለሰ። ዳዊት ምስ መጸ: ሳሙኤል ጽቡቕ ዝትርኢቱ ወዲ ምዃኑ ረኣየ። የሆዋ ከኣ ‘ንሱ ኢዩ። ተንሲእካ ቅብኣዮ’ በሎ። ሳሙኤል ከኣ ከምኡ ገበረ። ዳዊት ንጉስ ናይ እስራኤል ዝዀነሉ ግዜ ክመጽእ ነበሮ።

1 ሳሙኤል 17:⁠34, 35፣ 16:⁠1⁠-​13

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ