ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 81
  • ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ምውካል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ምውካል
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ወጹ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ኣብ ኣጸጋሚ እዋን፡ ተኣማሚንካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ምህናጽ መናድቕ የሩሳሌም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 81

ዛንታ 81

ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ምውካል

ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ተጓዕዙ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ግን የሩሳሌም ዓቢ ዑና ዀይና ኢያ ጸኒሓቶም። ኣብኡ ዝነብር ዋላ ሓደ ኣይነበረን። እቶም እስራኤላውያን ንዅሉ እንደገና ክሃንጽዎ ነበሮም።

ሓደ ኻብቲ መጀመርታ ዝሰርሕዎ ነገር መሰውኢ ኢዩ ነይሩ። እዚ ንየሆዋ ዝኸውን ናይ እንስሳታት መስዋእቲ: ወይ ከኣ ህያብ ክገብሩሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ቦታ ኢዩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እስራኤላውያን ቤት መቕደስ ክሰርሑ ጀመሩ። እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዝነበሩ ጸላእቶም ግን እስራኤላውያን ነቲ ቤት መቕደስ ክሰርሕዎ ኣይደለዩን። ስለዚ ምእንቲ ኸይሰርሕዎ ከፈራርሕዎም ፈተኑ። ኣብ መወዳእትኡ ነቲ ናይ ምህናጽ ዕዮ ደው ንኸብልዎ እዞም ጸላእቶም ነቲ ሓድሽ ንጉስ ናይ ፋርስ ሕጊ ኸም ዘውጽእ ገበሩ።

ዓመታት ሓለፈ። እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ካብ ዝወጹ 17 ዓመታት ኰነ። የሆዋ ንሃጌን ንዘካርያስን ነብያቱ ልኢኹ እቶም ህዝቢ ምህናጽ ክጅምሩ ነገሮም። እቶም ህዝቢ ኣብ ሓገዝ የሆዋ ተወከሉ: ነቶም ነብያት ከኣ ተኣዘዝዎም። ክሃንጹ ኸም ዘይብሎም ዝእዝዝ ሕጊ እኳ እንተነበረ እንደገና ክሃንጹ ጀመሩ።

ስለዚ ሓደ ታትናይ እተባህለ ፋርሳዊ በዓል ስልጣን ናብ እስራኤላውያን መጺኡ ቤት መቕደስ ክሰርሑ መን ከም ዘፍቀደሎም ሓተቶም። እቶም እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ባቢሎን ከለዉ ንጉስ ቂሮስ ‘ናብ የሩሳሌም ኪዱ: ንቤት መቕደስ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ስርሑ’ ኢሉ ከም ዝኣዘዞም ነገርዎ።

ታትናይ ናብ ባቢሎን ደብዳበ ለኣኸ እሞ እቲ ዝሞተ ቂሮስ ብሓቂ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ እንተ ዀይኑ ሓተተ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ካብቲ ሓድሽ ንጉስ ናይ ፋርስ ደብዳበ መጸ። ቂሮስ ብሓቂ ኸምኡ ኢሉ ኸም ዝነበረ ኸኣ ፈለጡ። ስለዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ‘እስራኤላውያን ንኣምላኾም ቤት መቕደስ ክሰርሑ ሕደግዎም። ክትሕግዝዎም እውን እእዝዘኩም ኣለኹ’ ብምባል ጸሓፈ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን እታ ቤት መቕደስ ተወድአት: እቶም እስራኤላውያን ከኣ ኣዝዮም ተሓጐሱ።

ብድሕርዚ ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ። እታ ቤት መቕደስ ካብ እትስራሕ ዳርጋ 48 ዓመታት ሓለፈ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ድኻታት ኢዮም ነይሮም: እታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝነበረታ ከተማ ኸኣ ጽብቕቲ ኣይነበረትን። እቲ እስራኤላዊ እዝራ ኸኣ ኣብ ባቢሎን ኰይኑ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ምዕራይ ከም ዘድልዮ ፈለጠ። ስለዚ እንታይ ከም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧

እዝራ ናብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ኣተወ: እዚ ሕያዋይ ንጉስ እዚ ኸኣ ንእዝራ ናብ የሩሳሌም ሒዝዎ ዝኸይድ ብዙሕ ህያብ ሃቦ። እዝራ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ እስራኤላውያን እዚ ህያባት እዚ ናብ የሩሳሌም ሒዝዎ ንኽኸይድ ክሕግዝዎ ሓተቶም። ገለ 6,000 ዝዀኑ ሰባት ከኣ ክኸዱ ፍቓደኛታት ኰኑ። ምስኦም ሒዞሞ ዝኸዱ ብዙሕ ብሩርን ወርቅን ካልእ ክቡር ነገራትን ነበሮም።

ኣብቲ መገዲ እኩያት ሰባት ስለ ዝነበሩ እዝራ ተሻቐለ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሩሮምን ወርቆምን ወሲዶም ክቐትልዎም ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ እዝራ ኣብዚ ስእሊ ክትርእዮ ከም እትኽእል ነቶም ህዝቢ ብሓባር ኣከቦም። ብድሕርዚ ናብ የሩሳሌም ክምለሱ ኸለዉ ምእንቲ ኸዕቍቦም ናብ የሆዋ ጸለዩ።

የሆዋ ድማ ኣዕቈቦም። ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ተጓዕዙ ኸኣ ብድሓን ናብ የሩሳሌም ኣተዉ። እዝስ: የሆዋ ነቶም ኣብ ሓገዝ ናቱ ዝውከሉ ከም ዘዕቍቦምዶ ኣየርእየናን፧

እዝራ ምዕራፍ 2 ክሳዕ 8

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ