ዛንታ 85
የሱስ ኣብ ደምበ ተወልደ
እዚ ሕጻን መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ እወ: የሱስ ኢዩ። ኣብ ደምበ ኢዩ ተወሊዱ። ደምበ ከብቲ ዝዕጸዋሉ ቦታ ኢዩ። ማርያም ንየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቂሳቶ ኣላ: እዚ ኸኣ ኣእዱግን ካልኦት እንስሳታትን ዝበልዕዎ መግቢ ዝሕዝ ኢዩ። ማርያምን ዮሴፍን ኣብዚ ምስቶም እንስሳታት ዘለዉ ግን ስለምንታይ ኢዮም፧ እዚ: ቘልዓ ዝውለደሉ ቦታ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ኣይኰነንዶ፧
እወ: ኣይኰነን። ይኹን እምበር እቲ ምኽንያት ናይ ሮሜ ገዛኢ ቄሳር ኣውጉስጦስ ኵሉ ሰብ ኣብቲ እተወልደሉ ቦታ ኸይዱ ክምዝገብ ስለ ዝኣዘዘ ኢዩ ነይሩ። ዮሴፍ ኣብዚ ኣብ ቤት-ልሄም ኢዩ ተወሊዱ። ንሱን ማርያምን ኣብኡ ምስ በጽሑ ግን: ዝሓድሩሉ ቦታ ፈጺሞም ሰኣኑ። ስለዚ ኣብዚ ምስቶም እንስሳታት ክዀኑ ተገደዱ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ማርያም ንየሱስ ወለደት! ከም እትርእዮ ዘለኻ ግን እቲ ቘልዓ ደሓን ኢዩ ዘሎ።
እቶም ንየሱስ ክርእይዎ ዝመጹ ዘለዉ ጓሶት ትርእዮምዶ ኣሎኻ፧ ብለይቲ ማሎም ኣብ በረኻ ይሕልዉ ነበሩ: ኣብቲ ዝነበርዎ ከባቢ ብምሉኡ ኸኣ ሓደ ድሙቕ ብርሃን መጸ። ሓደ መልኣኽ ኢዩ ነይሩ! እቶም ጓሶት ኣዝዮም ፈሪሖም ነበሩ። እቲ መልኣኽ ግን ‘ኣይትፍርሑ! ብስራት ክነግረኩም ኢየ መጺአ። ሎሚ ኣብ ቤት-ልሄም ክርስቶስ ጐይታ ተወሊዱ ኣሎ። ንሰባት ከኣ ከድሕን ኢዩ! ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ ተጠቕሊሉ ክትረኸብዎ ኢኹም’ በሎም። ብድንገት ከኣ ብዙሓት መላእኽቲ መጺኦም ንኣምላኽ ክውድስዎ ጀመሩ። ስለዚ እዞም ጓሶት እዚኣቶም ንየሱስ ክርእይዎ ብኡንብኡ መጹ: ረኸብዎ ኸኣ።
የሱስ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነሉ ምኽንያት ትፈልጥዶ፧ ብሓቂ መን ከም ዝዀነ ትፈልጥዶ፧ ኣብታ ናይ መጀመርታ ዛንታ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ እቲ ቦኽሪ ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ተማሂርና ከም ዝነበርና ዘክር። እዚ ወዲ እዚ ምስ የሆዋ ኰይኑ ሰማይን ምድርን ካልእ ኵሉ ነገራትን ፈጢሩ ኢዩ። እምብኣርከስ እዚ ኢዩ የሱስ!
እወ: የሆዋ ንህይወት ናይ ወዱ ካብ ሰማይ ወሲዱ ኣብ ውሽጢ ማርያም ኣእተዎ። ብኡንብኡ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ካልኦት ህጻናት ኣብ ማሕጸን ኣዴታቶም ዝዓብዩ: ኣብ ውሽጢ ከብዲ ማርያም ክዓቢ ጀመረ። እዚ ሕጻን እዚ ግን ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእትኡ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ኣብ ደምበ ተወልደ። እቶም መላእኽቲ የሱስ ከም እተወልደ ንሰባት ክነግሩ ኣዝዮም እተሓጐሱሉ ምኽንያት ሕጂ ተረዲኡካዶ፧