ዛንታ 95
የሱስ ዝምህረሉ ኣገባብ
ሓደ መዓልቲ የሱስ ንሓደ ሰብኣይ: ብጻዩ ከፍቅር ነገሮ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ንየሱስ ‘ብጻየይ መን ኢዩ፧’ ኢሉ ሓተቶ። የሱስ እዚ ሰብኣይ እዚ ዝሓስቦ ዘሎ እንታይ ምዃኑ ተረዲኡ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ደቂ ዓድኻን ከም ናትካ ሃይማኖት ዘለዎምን ጥራይ ብጾትካ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። ስለዚ የሱስ እንታይ ከም ዝበሎ እስከ ንርአ።
ሓድሓደ ግዜ የሱስ ዛንታ ብምንጋር ኢዩ ዝምህር ነይሩ። ኣብዚ ኸኣ ከምኡ ኢዩ ዝገበረ። ብዛዕባ ሓደ ኣይሁዳውን ሓደ ሳምራውን ዛንታ ነገረ። ድሮ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ንሳምራውያን ከም ዘይፈትዉዎም ተማሂርና ኢና። እምብኣር እታ ናይ የሱስ ዛንታ ኸምዚ ኢያ ትብል።
ሓደ መዓልቲ ሓደ ኣይሁዳዊ ካብ ከረን ወሪዱ ናብ መገዲ ያሪኮ ይኸይድ ነበረ። ግናኸ ዓመጽቲ ከተርዎ። ገንዘቡ ወሲዶም ዳርጋ ክሳዕ ዝመውት ቀጥቀጥዎ።
ጸኒሑ ሓደ ኣይሁዳዊ ካህን በቲ መገዲ ሓለፈ። ነቲ እተወቕዐ ሰብኣይ ረኣዮ። እንታይ ዝገበረ ይመስለካ፧ ናብቲ ሓደ ወገን ናይቲ መገዲ ሰጊሩ ጕዕዝኡ ቐጸለ። ድሕሪኡ ኸኣ ሓደ ኣዝዩ ሃይማኖታዊ ሰብኣይ መጸ። ሌዋዊ ኢዩ ነይሩ። ንሱኸ ደውዶ በለ፧ ኣይፋሉን: ንሱ እውን ነቲ እተወቕዐ ሰብኣይ ንምሕጋዝ ደው ኣይበለን። እቲ ኻህንን እቲ ሌዋውን ብርሑቕ በቲ መገዲ ክኸዱ ከለዉ ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ።
እንተዀነ ግን: ነቲ ምስቲ እተቐጥቀጠ ሰብኣይ ዘሎ ርኣዮ። ንሱ ሳምራዊ ኢዩ። ነቲ ኣይሁዳዊ ኸኣ ይሕግዞ ኣሎ። ኣብቲ ቝስሉ ፈውሲ ይገብረሉ ኣሎ። ብድሕርዚ ነቲ ኣይሁዳዊ ናብ ክዓርፈሉን ክሓውየሉን ዝኽእል ቦታ ወሰዶ።
ነቲ ዛንታ ነጊሩ ድሕሪ ምውድኡ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ‘ካብዞም ሰለስተስ ነቲ እተወቕዐ ሰብኣይ ብጻዩ ኣየናዮም ኢዩ፧ እቲ ኻህንዶ: እቲ ሌዋዊዶ ወይስ እቲ ሳምራዊ፧’ ኢሉ ሓተቶ።
እቲ ሰብኣይ ከኣ ‘ነቲ እተቐጥቀጠ ሰብኣይ ሕያውነት ዘርኣየ እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ ኢዩ’ ኢሉ መለሰ።
የሱስ ከኣ ‘ልክዕ ኣለኻ። ስለዚ ንስኻ እውን ንኻልኦት ከምኡ ግበር’ በሎ።
እቲ የሱስ ዝምህረሉ ኣገባብሲ ኣይትፈትዎንዶ፧ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ የሱስ ዝበሎ ንሰምዕ እንተድኣ ዄንና ብዙሕ ኣድላዪ ነገራት ክንማሃር ንኽእል ኢና: ኣይኰነንዶ፧