ዛንታ 104
የሱስ ናብ ሰማይ ይምለስ
መዓልትታት እናሓለፈ ምስ ከደ: የሱስ ንሰዓብቱ ብዙሕ ሳዕ ተራእዮም። ሓደ እዋን ገለ 500 ዝዀኑ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ረኣይዎ። ምስ ተራእዮም የሱስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተዛረቦም ትፈልጥዶ፧ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ። የሆዋ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ንኽምህር ኢዩ። ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እዚ ተዛረበ።
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና ትዝክሮዶ፧ እወ: እታ መንግስቲ ናይ ሓቂ ምምሕዳር ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኢያ: የሱስ ንጉስ ንኽኸውን ከኣ ኣምላኽ መሪጽዎ ኢዩ። ከም እተማሃርናዮ ንዝጠመዩ ብምዕንጋል: ንዝሓመሙ ብምፍዋስ: ንምዉታት እውን ከይተረፈ ብምትንሳእ የሱስ ግሩም ንጉስ ከም ዝኸውን ኣርእዩ ኢዩ!
ስለዚ የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ንሽሕ ዓመታት ክገዝእ ከሎ: ምድሪ ከመይ ክትከውን ኢያ፧ እወ: ብዘላ ምድሪ ባህ እተብል ገነት ክትከውን ኢያ። ውግእ: ዓመጻ: ሕማም ወይ ከኣ ሞት ኣይክኸውንን ኢዩ። እዚ ሓቂ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና: ምኽንያቱ ኣምላኽ ሰባት ባህ ኢሉዎም ንኽነብርዋ ንምድሪ ገነት ገይሩ ኢዩ ፈጢርዋ። ኣብ መጀመርታ ገነት ኤድን ዝገበረሉ ምኽንያት እውን እዚ ኢዩ። የሱስ እቲ ኣምላኽ ክግበር ዝደልዮ ነገራት ኣብ መወዳእትኡ ከም ዝፍጸም ክገብሮ ኢዩ።
እቲ የሱስ እንደገና ናብ ሰማይ ዝኸደሉ እዋን መጸ። ን40 መዓልትታት የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእየ። ስለዚ እንደገና ህያው ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ኢዮም። ምስ ደቀ መዛሙርቱ ቅድሚ ምፍልላዩ ግን ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- ‘መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ እትቕበሉ ኣብ የሩሳሌም ጽንሑ።’ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ሰዓብቱ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ዝሕግዞም ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ኰይኑ ልክዕ ከም ዝነፍስ ንፋስ ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ የሱስ ከምዚ በሎም:- ‘ብዛዕባይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ክትሰብኩ ኢኹም።’
የሱስ ከምዚ ድሕሪ ምባሉ ሓደ ዘገርም ነገር ተፈጸመ። ኣብዚ ስእሊ ክትርእዮ ከም እትኽእል ናብ ሰማይ ክዓርግ ጀመረ። ድሕርዚ ደበና ካብ ኣዒንቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ከወለቶ: እንደገና ኸኣ ንየሱስ ኣይረኣይዎን። የሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ: ኣብኡ ዀይኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቱ ክገዝእ ጀመረ።