ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 108
  • ኣብ መገዲ ደማስቆ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ መገዲ ደማስቆ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ንሳውል ሓረዮ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እቲ ሰጓጒ ዓቢ ብርሃን ይርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • እቶም ክፉእ ዚገብሩ ኪቕየሩ ይኽእሉ ድዮም፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ስብከት ሳውል ጽልኢ ኣለዓዓለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 108

ዛንታ 108

ኣብ መገዲ ደማስቆ

እዚ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ዘሎ መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ሳውል ኢዩ። ንሱ ክዳውንቲ ናይቶም ንእስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ዝቐተልዎ ዝሓለወ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ድሙቕ ብርሃን እሞ ርኣዮ! እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧

እስጢፋኖስ ድሕሪ ሙማቱ: ሳውል ሰዓብቲ የሱስ ንምቕታል ክሃድን ጀመረ። ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ የውጽኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ የእትዎም ነበረ። ብዙሓት ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ካልእ ከተማታት ሃደሙ ኣብኡ ኸኣ “ብስራት” ክሰብኩ ጀመሩ። ሳውል ግን ሰዓብቲ የሱስ ንኽረክብ ናብ ካልእ ከተማታት ከደ። ሕጂ ናብ ደማስቆ ንኽኸይድ ኣብ መገዲ ኢዩ ዘሎ። ኣብቲ መገዲ ግን እዚ ዘገርም ነገር እዚ ተፈጸመ።

ብድንገት ኣብ ዙርያ ሳውል ጸዳል ብርሃን ኣንጸባረቐ። ኣብዚ ኸም እንርእዮ ኣብ ምድሪ ወደቐ። ብድሕርዚ ‘ሳውል: ሳውል! ስለምንታይ ኢኻ እትሰጐኒ ዘሎኻ፧’ ዝብል ድምጺ ሰምዐ። እቶም ምስ ሳውል ዝነበሩ ሰባት ነቲ ብርሃን ርኣይዎ ነቲ ድምጺ እውን ሰምዕዎ: እንተዀነ ግን እንታይ ይበሃል ከም ዝነበረ ክርድኡ ኣይከኣሉን።

ሳውል ከኣ ‘መን ኢኻ ጐይታይ፧’ ኢሉ ሓተተ።

እቲ ድምጺ ኸኣ ‘እቲ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ ኢየ’ በሎ። የሱስ ከምኡ ዝበሎ ሳውል ንሰዓብቲ የሱስ ክሰጎም ከሎ ንርእሱ እተሰጐ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ኢዩ።

ሳውል ከኣ ‘ጐይታይ እንታይ ክገብር፧’ ኢሉ ሓተተ።

የሱስ ከኣ ‘ተንስእ ናብ ደማስቆ ኺድ። እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኣብኡ ክነግሩኻ ኢዮም’ በሎ። ሳውል ተንሲኡ ኣዒንቱ ምስ ከፈተ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይረኣየን። ዓዊሩ ኢዩ! ስለዚ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት በእዳዉ ሒዞም ናብ ደማስቆ ወሰድዎ።

የሱስ ንሓደ ካብቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ:⁠- ‘ሃናንያ ተንስእ። ናብታ ቕኑዕ እትበሃል መተሓላለፊ ኪድ። ኣብ ቤት ይሁዳ ኸኣ ሳውል እተባህለ ሰብ ኣሎ። ንዓይ እተፈልየ ኣገልጋሊ ክኸውን መሪጸዮ ኣለኹ።’

ሃናንያ ተኣዘዘ። ንሳውል ምስ ረኸቦ ኸኣ ኣእዳዉ ኣንበረሉ እሞ ‘ጐይታ ኽትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልኣካን ናባኻ ልኢኹኒ’ በሎ። ብኡንብኡ ኸኣ ከም ቅርፊት ዝበለ ካብ ኣዒንቲ ሳውል ወጸ እሞ እንደገና ክርኢ ከኣለ።

ሳውል ካብ ብዙሓት ሃገራት ንዝነብሩ ሰባት ክሰብኽ ብብዙሕ መገዲ ዓይዩ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ተጸውዐ: ብዛዕብኡ ኸኣ ብዙሕ ክንማሃር ኢና። መጀመርታ ግን ኣምላኽ ንጴጥሮስ እንታይ ክገብር ከም ዝለኣኾ ንርአ።

ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠1⁠-​4፣ 9:⁠1⁠-​20፣ 22:⁠6⁠-​16፣ 26:⁠8⁠-​20

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ