ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 115
  • ሓዳስ ገነት ኣብ ምድሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓዳስ ገነት ኣብ ምድሪ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መን እዮም ዚትንስኡ፧ ኣበይከ እዮም ኪነብሩ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • “ኣብ ገነት የራኽበና!”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ድሕሪ ኣርማጌዶን ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 115

ዛንታ 115

ሓዳስ ገነት ኣብ ምድሪ

ነዚ ነዋሕቲ ኣእዋም: ውቁብ ዕምባባታት ከምኡውን ነዚ ዓበይቲ ኣኽራን እሞ ርኣዮ። እዝስ ደስ ዘብልዶ ኣይኰነን፧ እታ ዓጋዘን ካብ ኢድ እቲ ቘልዓ ክትበልዕ ከላ እሞ ርኣያ። ነቶም ኣብቲ ሻኻ ዘለዉ ኣናብስን ኣፍራስን ከኣ እሞ ርኣዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ገዛ ኣልዩካ ክትነብር ምደለኻዶ፧

ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኽትነብር ኢዩ ዝደልየካ። እቲ ሎሚ ሰባት ዘለዎም ቃንዛን ስቓይን ክረኽበካ ኣይደልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብታ ሓዳስ ገነት ዝነብሩ ሰባት: ‘ኣምላኽ ምሳታቶም ክኸውን ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ሞት ይኹን ብኽያት ወይ ስቓይ ኣይክኸውንን ኢዩ። እቲ ናይ ቀደም ሓሊፉ ኢዩ’ ብምባል ይመባጽዓሎም።

የሱስ እዚ ዘገርም ለውጢ እዚ ከም ዝፍጸም ክገብር ኢዩ። መዓስ ከም ዝፍጸም ትፈልጥዶ፧ እወ: ንምድሪ ካብ ኵሉ እከይን እኩያት ሰባትን ድሕሪ ምጽራዩ ኢዩ ክፍጸም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንዅሉ ዓይነት ሕማም ከም ዘሕወየ: ከምኡውን ንምዉታት ከም ዘተንስአ ዘክር። የሱስ ነዚ ዝገበረ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ከምኡ ክገብር ከም ዝዀነ ንኸረድእ ኢሉ ኢዩ።

እታ ሓዳስ ገነት ኣብ ምድሪ ኣየ ክሳዕ ክን​ደይ እተደንቕ ከም እትኸውን እሞ ሕሰብ! የሱስ ምስ ገለ ካብቶም ዝሓረዮም ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኽገዝእ ኢዩ። እዞም ገዛእቲ እዚኣቶም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኵሎም ሕጕሳት ንኽዀኑ ክከናኸንዎም ኢዮም። ኣምላኽ ኣብታ ሓዳስ ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝህበና ርግጸኛታት ንኽንከውን እንታይ ክንገብር ከም ዘድልየና እስከ ንርአ።

ራእይ 21:⁠3, 4፣ 5:⁠9, 10፣ 14:⁠1⁠-​3

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ