ዛንታ 115
ሓዳስ ገነት ኣብ ምድሪ
ነዚ ነዋሕቲ ኣእዋም: ውቁብ ዕምባባታት ከምኡውን ነዚ ዓበይቲ ኣኽራን እሞ ርኣዮ። እዝስ ደስ ዘብልዶ ኣይኰነን፧ እታ ዓጋዘን ካብ ኢድ እቲ ቘልዓ ክትበልዕ ከላ እሞ ርኣያ። ነቶም ኣብቲ ሻኻ ዘለዉ ኣናብስን ኣፍራስን ከኣ እሞ ርኣዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ገዛ ኣልዩካ ክትነብር ምደለኻዶ፧
ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኽትነብር ኢዩ ዝደልየካ። እቲ ሎሚ ሰባት ዘለዎም ቃንዛን ስቓይን ክረኽበካ ኣይደልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብታ ሓዳስ ገነት ዝነብሩ ሰባት: ‘ኣምላኽ ምሳታቶም ክኸውን ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ሞት ይኹን ብኽያት ወይ ስቓይ ኣይክኸውንን ኢዩ። እቲ ናይ ቀደም ሓሊፉ ኢዩ’ ብምባል ይመባጽዓሎም።
የሱስ እዚ ዘገርም ለውጢ እዚ ከም ዝፍጸም ክገብር ኢዩ። መዓስ ከም ዝፍጸም ትፈልጥዶ፧ እወ: ንምድሪ ካብ ኵሉ እከይን እኩያት ሰባትን ድሕሪ ምጽራዩ ኢዩ ክፍጸም። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንዅሉ ዓይነት ሕማም ከም ዘሕወየ: ከምኡውን ንምዉታት ከም ዘተንስአ ዘክር። የሱስ ነዚ ዝገበረ ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ከምኡ ክገብር ከም ዝዀነ ንኸረድእ ኢሉ ኢዩ።
እታ ሓዳስ ገነት ኣብ ምድሪ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እተደንቕ ከም እትኸውን እሞ ሕሰብ! የሱስ ምስ ገለ ካብቶም ዝሓረዮም ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኽገዝእ ኢዩ። እዞም ገዛእቲ እዚኣቶም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኵሎም ሕጕሳት ንኽዀኑ ክከናኸንዎም ኢዮም። ኣምላኽ ኣብታ ሓዳስ ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝህበና ርግጸኛታት ንኽንከውን እንታይ ክንገብር ከም ዘድልየና እስከ ንርአ።