ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp ገጽ 56-63
  • 7 ገዛይ ሓዲገዶ ክኸይድ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 7 ገዛይ ሓዲገዶ ክኸይድ፧
  • መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ርእስኻ ንምኽኣል ቅሩብ ዲኻ፧
  • ‘ምስ ስድራይ ኣይሰማማዕን ኢየ!’
  • ስነ⁠-​ምግባርን ድራኸን
  • ካብ ገዛ እንተ ዘይወጺአ ግን ከመይ ኢለ ኢየ ክዓቢ ዝኽእል፧
  • ቀበጥበጥ ኢልካ ምንባር
  • ብቝጠባ ርእስኻ ምኽኣል
  • ቅድሚ ምውጻእካ ተማሃር
  • 3 ወለደይ ዝያዳ ናጽነት ከም ዝህቡኒ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • 2 ወለደይ ስለምንታይ ኢዮም ዘይርድኡኒ፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ወለደይ እንተ ተቛዪቖም፡ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
yp ገጽ 56-63

ምዕራፍ 7 

7 ገዛይ ሓዲገዶ ክኸይድ፧

“ማማ: ባባ:-

“በሉ ምኻደይ ኢዩ ድሓን ኩኑ። ከምቲ ኣቐዲመ ነጊረኩም ዝነበርኩ ንዓኹም ንምሕራቕ ወይ ሕነ ንምፍዳይ ኢለ ኣይኰንኩን ዝፍለየኩም ዘለኹ። ከምቲ ንስኻትኩም እትደልዩኒ ተዓጺኻ ምንባር ግን ከሐጕሰኒ ኣይከኣለን። ካብ ገዛ ወጺአ እውን ምናልባት ኣይሕጐስን እኸውን: ግን እስከ ክፍትኖ ኢየ።”

እዚ ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ንወለዳ ኣብ ዝጸሓፈቶ ናይ ስንብታ ደብዳበ ዘሎ መእተዊ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ፌደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ካብቶም ኣብ መንጎ 15 ክሳዕ 24 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት ካብ ሰለስተ ኣዋልድ ሓንቲ: ካብ ኣርባዕተ ኣወዳት ድማ ሓደ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ኢዮም ዝነብሩ። ምናልባት ንስኻውን ካብ ስድራኻ ክትፍለ ሓሲብካ ትኸውን ኢኻ።

ምምርዓው ንሓደ ሰብ ‘ኣቦኡን ኣዴኡን ንኽሓድግ’ ምኽንያት ከም ዝዀነ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:​23, 24) ስድራኻ ንምሕዳግ ምኽንያት ዝኸውን ከም ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ምስፋሕ ዝኣመሰለ ካልእ ቅቡል ምኽንያታት እውን ኣሎ። (ማርቆስ 10:⁠29, 30) ብዙሓት መንእሰያት ግን ካብቲ ክጻወርዎ ዘይክእሉ ኰይኑ ዝስምዖም ኣብ ገዛ ዘሎ ነገራት ንምርሓቕ ኢሎም ኢዮም ገዝኦም ዝሓድጉ። ሓደ መንእሰይ ከምዚ ይብል:- “ዝያዳ ናጻ ክትከውን ስለ እትደሊ ጥራይ ኢኻ ገዛኻ እትሓድግ። ምስ ወለድኻ ምንባር ኣየዕግበካን። ኵሉ ግዜ ትበኣስ: ትቀሓሓር: እንታይ ከም እትደሊ ድማ ኣይርድኡልካን ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: እተኣሰርካ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓካ: ንእትገብሮ ዝዀነ ይኹን ምንቅስቓስ ድማ ንወለድኻ ክትነግር ኣሎካ።”

ርእስኻ ንምኽኣል ቅሩብ ዲኻ፧

ርእስኻ ክትክእል ምድላይካ ግን ከምኡ ንምግባር ብቑዕ ኢኻ ማለት ድዩ፧ ቀዳማይ ነገር ባዕልኻ ከምኡ ክትገብር ማለት ከምቲ እትሓስቦ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ስራሕ ኣይርከብን ኢዩ። ክራይ ገዛ ሰማይ ኢዩ ደይቡ። እቶም ቝጠባ ዝኸበዶም መንእሰያትከ እንታይ ንኽገብሩ ኢዮም ዝግደዱ፧ ደረስቲ ናይታ ፑሊን ኣፕ ሩትስ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ናብ ስድርኦም ተመሊሶም: ወለዶም እንደገና ንኽቕበልዎም ኢዮም ዝሓቱ” ይብሉ።

ኣእምሮኣዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን መንፈሳዊ ብስለትካኸ፧ ምናልባት ዝበሰልካ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን: ወለድኻ ግን ገና “ነገር ቈልዓ” ክትገብር ይርእዩኻ ይዀኑ። (1 ቈረንቶስ 13:11) ደሓር ከኣ ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ሓላፍነት ክትስከም ከም እትኽእል ብዝያዳ ክፈልጡ ዝኽእሉ ወለድኻዶ ኸይኰኑ፧ ኣንጻር ሓሳባቶም ብምኻድ ብገዛእ ርእስኻ ምስ እትውስን ኣዝዩ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ!​—⁠ምሳሌ 1:⁠8

‘ምስ ስድራይ ኣይሰማማዕን ኢየ!’

ንስኻ እውን ከምዚ ትብል ዲኻ፧ እዚ ሓቂ እንተ​ዀነ እውን ከይተረፈ ስድራኻ ንምሕዳግ ምኽንያት ኣይከውንን ኢዩ። መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን ገና ወለድኻ የድልዩኻ ኢዮም: ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ዕድሜኻ ካብቲ ዘለዎም ምስትውዓልን ጥበብን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። (ምሳሌ 23:⁠22) ብገለ ምኽንያታት ምስኦም ስለ ዘይተሰማማዕካ ጥራይ ካብ ቅድሚኦም ክትርሕቕዶ ኣሎካ ኢዩ፧

ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንምዃን ካብ ስድርኡ እተፈልየ ካርስተን እተባህለ ጀርመናዊ መንእሰይ ከምዚ ይብል:- “ምስ ስድራኻ ክትሰማማዕ ስለ ዘይከኣልካ ጥራይ ካብኦም ኣይትፈለ። ምስኦም ክትሰማማዕ እንተ​ድኣ ዘይክኢልካ ምስ ካልኦት ሰባት ከመይ ኢልካ ክትሰማማዕ ትኽእል፧ ገዛ ምሕዳግ ነቲ ዘሎካ ግድል ክፈትሖ ኣይክእልን ኢዩ። አረ ብኣንጻሩስ ርእስኻ ክኢልካ ንኽትነብር ገና ከም ዘይዓበኻ ዘርኢ: ካብ ወለድኻ ኸኣ ዝያዳ ከም እትርሕቕ ዝገብር ኢዩ።”

ስነ⁠-​ምግባርን ድራኸን

መንእሰያት ነቲ ብሱላት ቅድሚ ምዃኖም ካብ ገዛ ምስ ዝወጹ ዘጋጥሞም ናይ ስነ⁠-​ምግባር ሓደጋታት እውን ኣየስተብህልሉን ኢዮም። ኣብ ሉቃስ 15:⁠11-32 የሱስ ብዛዕባ ሓደ ካብ ስድራኡ ወጺኡ ብገዛእ ርእሱ ክነብር ደልዩ ዝነበረ መንእሰይ ተዛሪቡ ኣሎ። ካብ ትሕቲ እቲ ክጠቕሞ ዝኽእል ዝነበረ ዕቝባ ወለዱ ስለ ዝወጸ ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ብምውዳቕ “ብቕለትን ዕብዳንን” ክነብር ጀመረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ዝነበሮ ዅሉ ገንዘቡ ዘረዎ። ስራሕ ንኽትረክብ ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ ድማ ነቲ ኣይሁዳውያን ከም ጽያፍ ዝቘጽርዎ ስራሕ​—⁠ምጕሳይ ሓሰማ​—⁠ጀመረ። ደሓር ግን እዚ ሓሻሽ ወይ ገንዘቡ ስቕ ኢሉ ዝዘሩ ወዲ ናብ ኣእምሮኡ ተመልሰ። ነቲ ዝነበሮ ዅሉ ትዕቢት ኣወጊዱ ናብ ስድራኡ ተመልሰ እሞ ይቕረ ክብለሉ ንኣቦኡ ለመኖ።

እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ምሕረት ኣምላኽ ንምጕላሕ እተነግረ እኳ እንተ​ዀነ እዚ ዝስዕብ ተግባራዊ ትምህርቲ እውን ዝሓዘ ኢዩ:- ጥበባዊ ዘይኰነ ድራኸ ሒዝካ ስድራኻ ሓዲግካ ምኻድ ስነ⁠-​ምግባራውን መንፈሳውን ሓደጋ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ! እቲ ዘሕዝን ንገሊኦም ካብ ስድርኦም እተፈልዩ ክርስትያን መንእሰያት መንፈሳዊ ሞት ኣጋጢምዎ ኢዩ። ገሊኦም ቝጠባ ስለ ዝኸበዶም ምስቶም ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቃዶ ዓይነት ናብራ ዘለዎም ካልኦት መንእሰያት ክነብሩ ተገዲዶም ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠33

ሆርስት እተባህለ ጀርመናዊ መንእሰይ ብዛዕባ ሓደ ስድርኡ ሓዲጉ ዝኸደ መሰትኡ ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ዋላ እኳ ዘይተመርዓወ እንተ ነበረ ምስ ሓንቲ ዓርኩ ክነብር ጀመረ። ኣብቲ ኣልኮላዊ መስተ ከም ድላይካ ዝርከበሉ: ዝበዝሕ ግዜ ኸኣ ብስኽራን ዝውዳእ ፓርትታት ይካፈሉ ነበሩ። ምስ ስድርኡ ነይሩ እንተ ዝኸውን ግን ነዚ ነገራት እዚ ክገብር ወለዱ ኣይመፍቀድሉን ነይሮም።” ሆርስት ከምዚ ኢሉ ይድምድም:- “ሓንሳእ ካብ ስድራኻ ምስ ተፈለኻ ዝያዳ ናጽነት ከም ዝህልወካ ሓቂ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ሓቂ ክንዛረብ እንተ​ድኣ ዄንና: ዝበዝሕ ግዜ እቲ እትረኽቦ ናጽነት ሕማቕ ነገራት ንምግባር እትጥቀመሉ ኣጋጣሚዶ ኸይኰነ፧”

ስለዚ ዝያዳ ናጽነት ክትረክብ ትደሊ እንተ​ድኣ ዄንካ ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢላ ሕተት:- ዝያዳ ናጽነት ዝደሊ ዘለኹ ስለምንታይ ኢየ፧ ፍቕረ⁠-​ንዋይ ንምርካብ ወይ ነቲ ወለደይ ምስኦም ከለኹ ክኽልክሉኒ ዝኽእሉ ነገራት ናይ ምግባር ናጽነት ንምርካብ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኤርምያስ 17:⁠9 “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ከም ዝብል ኣይትረስዕ።

ካብ ገዛ እንተ ዘይወጺአ ግን ከመይ ኢለ ኢየ ክዓቢ ዝኽእል፧

እታ ኣዶለሰንስ ዘርእስታ መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ስድራኻ ሓዲግካ ምኻድ ጥራይ [ናብ ብጽሕና] ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ንኽትሰጋገር ዋሕስ ኣይኰነካን ኢዩ። ካብ ስድራኻ ኣይተፈለኻን ማለት ድማ በጽሒ ኣይኰንካን ማለት ኣይኰነን።” ዓቢ ምዃን ማለት ገንዘብ: ስራሕ: ከምኡውን መንበሪ ካብ ምሓዝ ንላዕሊ ኢዩ። ቀዳማይ ነገር ኣብ ህይወት ተመክሮ ክርከብ ዝከኣል ንግድላት ገጽ ንገጽ ብምግጣም ኢዩ። ካብቲ ዘይንፈትዎ ነገራት ብምህዳም ዝርከብ ረብሓ ዋላ ሓንቲ የለን። ድጕዓ ኤርምያስ 3:⁠27 “ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ” ትብል።

ፈጺምካ ክትረዳድኦም ዘይትኽእል ወይ ቀይዲ ዘብዝሑ ወለዲ ከም ኣብነት ንውሰድ። ሕጂ ወዲ 47 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ማክ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተፈደሰ ኣቦኡ ስራሕ የብዝሓሉ ነበረ። ኣብ ግዜ ክረምታዊ ዕረፍቲ ካልኦት መንእሰያት ክጻወቱ ኸለዉ ማክ ክሰርሕ ይግደድ ነበረ። ማክ ከምዚ ይብል:- “ንኸይንጻወትን ከይንሕጐስን ዝኽልክለና ኣዝዩ ርጉም ሰብኣይ ከም ዝዀነ ገይረ ኢየ ዝወስዶ ነይረ። ‘ካብዚ ወጺአ ናይ ገዛእ ርእሰይ ገዛ ክህልወኒ እምነ ነበርኩ!’ ” ሕጂ ግን ማክ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ተመክሮ እተፈልየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ:- “ኣቦይ ዝገበረለይ ብዋጋ ዝሽነን ኣይኰነን። ብኸመይ ኣበርቲዐ ከም ዝሰርሕን ጸገማት ከም ዝጽመምን ምሂሩኒ ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ካብቲ ዝሓለፈ ዝገድድ ግድላት ኢዩ ኣጋጢሙኒ: ግን ብኸመይ ፊት ንፊት ከም ዝጋጠሞ እፈልጥ ኢየ።”

ቀበጥበጥ ኢልካ ምንባር

እንተ​ዀነ ግን: ስቕ ኢልካ ምስ ስድራኻ ምንባር ጥራይ ንኽትበስል ውሕስነት ኣይከውንን ኢዩ። ሓደ መንእሰይ ከምዚ ይብል:- “ምስ ወለደይ ምንባር ማለት ቀበጥበጥ ኢልካ ምንባር ማለት ኢዩ። ኵሉ ነገራት ንሶም ኢዮም ዝገብሩለይ።” ገለ ነገራት ብኸመይ ክትገብሮ ከም ዘሎካ ምምሃር እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ዘርኢ ኢዩ። ጐሓፍ ምጕሓፍ ወይ ክዳውንቲ ምሕጻብ ከምቲ እትፈትዎ ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃ ክትወቅዕ ከሎኻ እትረኽቦ ዓይነት ሓጐስ ከም ዘይትረኽበሉ ፍሉጥ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ነዚ ነገራት እዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ዘይትፈልጥ እንተ​ድኣ ዄንካ እንታይ ኢዩ ከጋጥመካ ዝኽእል፧ ሓገዝ ዘድልዮ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ወለዲ ወይ ካልኦት ክኸውን ዘለዎ ዓቢ ሰብ ኢኻ ክትከውን።

(ወዲ ኹን ጓል ብዘየገድስ) ምኽሻን: ምጽራይ: ምስትራር: ናይ ገዛ ኣቝሑ ይኹን ማካይን ምዕራይ እናተማሃርካ ቀስ ኢልካ ርእስኻ ክትክእል ትዳሎዶ ኣሎኻ ኢኻ፧

ብቝጠባ ርእስኻ ምኽኣል

ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዘለዉ መንእሰያት መብዛሕትኡ እዋን ንገንዘብ ብቐሊሉ ዝመጽእን ብቐሊሉ ዝጠፍእን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ናይ ክፍለ⁠-​ግዜ ስራሕ እንተ​ድኣ ኣልይዎም ንገንዘቦም ቴፕን ሓደስቲ ክዳውንትን ኣብ ምግዛእ ኢዮም ዘጥፍእዎ። ይኹን እምበር: እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ርእሶም ንምኽኣል ካብ ስድርኦም ምስ ዝፍለዩ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ድንግርግር ዝኣትዎም! ሆርስት (ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ) ከምዚ ኢሉ ይዝክር:- “[ርእሰይ ክኢለ ንበይነይ ምስ ኰንኩ] ኣብ መወዳእታ ወርሒ ማሕፉዳይን ኣርማድዮይን ጥርሑ ኢዩ ዝኸውን።”

ገና ኣብ ገዛ ኸሎኻ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ስለምንታይ ዘይትማሃር፧ ወለድኻ ብኣተሓሕዛ ገንዘብ ዝመጸ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮ ኣለዎም: ካብ ብዙሕ ሓደጋታት ድማ ከድሕኑኻ ይኽእሉ ኢዮም። እታ ፑሊን ኣፕ ሩትስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ንወለድኻ ክትሓትት ሓሳብ ትህብ:- ‘ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንኤሌክትሪክ ክንደይ ትኸፍሉ፧ ንሙቐት እንጥቀመሉ ነገራትከ፧ ንማይ፧ ቴሌፎን፧ እንኸፍሎ ናይ ቀረጽ ዓይነት እንታይ ኣሎ፧ ክራይከ፧’ ዝበዝሕ ግዜ እቶም ዝሰርሑ መንእሰያት ካብ ወለዶም ንላዕሊ ናይ ጁባ ገንዘብ ከም ዘለዎም ምስ ፈለጥካ ክትግረም ኢኻ! ስለዚ ስራሕ እንተ​ድኣ ኣሎካ ንስድራኻ ንምሕጋዝ ገለ ኣበርክቶ ግበር።

ቅድሚ ምውጻእካ ተማሃር

ንኽትዓቢ ኢልካ ገዛ ሓዲግካ ክትከይድ ኣየድልየካን ኢዩ። ገና ምስ ስድራኻ ኸሎኻ ጽቡቕ ናይ ምምዝዛን ክእለትን ምርዳእን ከተማዕብል ጸዓር። ምስ ካልኦት ብኸመይ ተሰማሚዕካ ከም እትነብር እውን ተማሃር። ነቐፌታ: ፍሽለት: ወይ ተስፋ ምቝራጽ ተጻዊርካ ኽትከይድ ከም እትኽእል ኣረጋግጽ። ‘ለውሃት: ሕያውነት: ህድኣት: ዓቕሊ’ ኣማዕብል። (ገላትያ 5:⁠22, 23) እዚ ባህርያት እዚ ናይ ሓደ ብሱል ወይ ናይ ሓንቲ ብስልቲ ክርስትያን መለለዪ ኢዩ።

ውዒሉ ሓዲሩ ከም መርዓ ዝኣመሰለ ኵነታት ካብ ዕቝባ ስድራኻ ከም እትወጽእ ክገብረካ ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ስለምንታይ ገዛኻ ሓዲግካ ንምኻድ እትህወኽ፧ ምስ ወለድኻ ተዘራረበሉ። ብፍላይ ንድሕንነት ናይቲ ስድራ​ቤት ናይ ሓቂ ኣበርክቶ ትገብር እንተ​ድኣ ኣሊኻ ምስኦም ክትጸንሕ ባህ ይብሎም ይኸውን። ኣብ ገዛኻ ዄንካ ብናቶም ሓገዝ ምዕባይ: ምምሃር: ምብሳል ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 7 

◻ ብዙሓት መንእሰያት ገዛ ሓዲጎም ንኽወጹ ዝህወኹ ስለምንታይ ኢዮም፧

◻ ብዙሓት መንእሰያት ንኽወጹ ብቑዓት ዘይኰኑ ግን ስለምንታይ ኢዮም፧

◻ ቅድሚ ግዜኡ ካብ ስድራኻ ምፍላይ ዘምጽኦ ገለ ሓደጋታት እንታይ ኢዩ፧

◻ ነቶም ገዝኦም ሓዲጎም ዝኸዱ መንእሰያት ዘጋጥሞም ገለ ሓደጋታት እንታይ ኢዩ፧

◻ ገና ምስ ስድራኻ ከሎኻ ዓቢ ሰብ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[Blurb on page 57]

“ምስ ስድራኻ ክትሰማማዕ ስለ ዘይከኣልካ ጥራይ ካብኦም ኣይትፈለ። ምስኦም ክትሰማማዕ እንተ​ድኣ ዘይክኢልካ ምስ ካልኦት ሰባት ከመይ ኢልካ ክትሰማማዕ ትኽእል፧”

[Box on page 60, 61]

ገዛኻ ሓዲግካ ምኻድ መፍትሒ ድዩ፧

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ኰተቴታት ገዝኦም ሓዲጎም ይኸዱ። ገሊኦም ካብቲ ከም ኣካላውን ናይ ጾታዊ ርክብ ማህሰይትን ዝኣመሰለ ክጻወርዎ ዘይክእሉ ኵነታት ኢዮም ዝሃድሙ። ዝበዝሑ ግን ኣብ ከም ገዛ ዝኣትውሉ እተወሰነ ሰዓት: ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝረኽብዎ ነጥቢ: ኣብ ገዛ ዝዕየ ነገራት: ከምኡውን ኣዕሩኽ ዝኣመሰለ ነገራት ምስ ወለዶም ስለ ዘይተሰማምዑ ጥራይ ኢዮም ገዝኦም ሓዲጎም ዝኸዱ።

ምናልባት ወለድኻ ብዛዕባ ገለ ነገራት ዘለዎም ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምስ ናትካ ኣይሰማማዕን ይኸውን። እንተ​ዀነ ግን: ወለድኻ ‘ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን’ ከዕብዩኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ (ኤፌሶን 6:4) ስለዚ ኸኣ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታትን ንጥፈታትን ምስኦም ክትከይድ ግዲ ይብሉኻ ወይ እውን ምስ ገለ መንእሰያት ከይትኸይድ ይኽልክሉኻ ይዀኑ። (1 ቈረንቶስ 15:⁠33) እዚ ኣንጻሮም ንኽትዓሉ ወይ እውን ገዛኻ ሓዲግካ ንኽትከይድ ምኽንያት ክኸውን ይኽእልዶ፧ ንስኻ እውን ነቲ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ሓላፍነት ኣሎካ።​—⁠ኤፌሶን 6:1-3

ኣብ ርእሲ እዚ ገዛኻ ጠንጢንካ ምኻድ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣየምጽእን ኢዩ። ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ከላ ገዝኣ ሓዲጋ ዝኸደት ኣሚ እትበሃል መንእሰይ “ገዛኻ ሓዲግካ ምኻድ ካልእ ተወሳኺ ግድላት ጥራይ ኢዩ ዝፈጥር” ብምባል ትገልጽ። ማርጋሬት ኦ. ሃይዲ ድማ ኣብታ ማይ ፍሬንድ ዎንትስ ቱ ራን ኤወይ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፋ ከምዚ ትብል:- “ካብቶም ገዝኦም ሓዲጎም ዝኸዱ ውሑዳት ጥራይ ኢዮም ስራሕ ረኺቦም ርእሶም ዝኽእሉ። ንመብዛሕትኦም ግን ህይወት ካብቲ ኣብ ገዛ ኸለዉ ዝኸፍአ ኢዩ ዝዀኖም።” ኰተቴ እትበሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) ድማ ከምዚ ትብል:- “ኰተቴታት ኣብ ጐደናታት ናጽነት ኣይረኽቡን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ካብቶም ብሓይሊ ብጾታ ዝዕምጹ ወይ ዘረፍቲ ዕቝባ ክረኽብሉ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ዝነብሩ ከምኦም ገዝኦም ሓዲጎም ዝወጹ ወይ እተደርበዩ መንእሰያት ኢዮም ዝረኽቡ። መንእሰያት ብምብዝባዝ ረሳሕ ንግዲ ዘካይዱ: ነቶም ካብ ገዝኦም ሃዲሞም ዝወጹ ኰተቴታት ድማ ግዳይ ዝገብሩ ብዙሓት ሰባት እውን ይረኽብዎም ኢዮም።”

ኣሚ ገዝኣ ሓዲጋ ምስ ወጸት ምስ ሓደ ወዲ 22 ዓመት “ተዓራረኸት:” ስለ ዘጸገዓ ድማ “ምስኡን ምስ ካልኦት ትሽዓተ ኣዕሩኽቱን ጾታዊ ርክብ ከም እትፍጽም ብምግባር” የኽፍላ። “ትሰክርን ሓሽሽ ትወስድን” ድማ ነበረት። ሳንዲ እትበሃል ካልእ ጓል ከኣ ኣቦኡ ነቲ ዘዕብያ ዝነበረ ሰብኣይ ብጾታዊ መገዲ ምስ ኣሸገራ ገዝኣ ሓዲጋ ኸደት። ድሕርዚ ኣመንዝራ ብምዃን ኣብ ጐደናታት ክትነብር: ኣብ መናፈሻ ቦታታት ወይ ኣብ ዝረኸበቶ ቦታ ክትሓድር ጀመረት። ንብዙሓት ገዝኦም ሓዲጎም ዝወጹ መንእሰያት ከምዚ ኢዩ ዘጋጥሞም።

ዝበዝሑ ካብቶም ገዝኦም ሓዲጎም ዝኸዱ መንእሰያት ስራሕ ከቝጽሮም ዝኽእል ሞያ የብሎምን። ከም ዕለተ⁠-​ልደት ዝገልጽ ወረቐት: ስራሕ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ወረቓቕቲ: ቀዋሚ ኣድራሻ ዝኣመሰለ ነገራት የብሎምን። ሉይስ “ክሰርቕ: ክልምን ነይሩኒ” ይብል። ቀጺሉ ኸኣ “እንተ​ዀነ ግን ለሚንካ ዝህበካ ሰብ ስለ ዘየለ ዝበዝሕ ግዜ ክሰርቕ ነበረኒ” ይብል። ካብቶም ገዝኦም ሓዲጎም ዝኸዱ መንእሰያት 60 ሚእታዊት ኣዋልድ ኢየን: ዝበዝሓ ኸኣ ብምንዝር ኢየን ዝናበራ። ስእለ⁠-​ጽዩፍ ዘዳልዉ: ሸየጥቲ ሓሽሽ: ከምኡውን ኣመናዝር ዘማጽኡ ሰባት ካብ ገዝኦም ዝወጹ መንእሰያት እንተረኸቡ ኢሎም ኣብ መዕርፎ ኣውቶቡሳት ኰለል መለል ምባል ኣየቋርጹን ኢዮም። ብስንባድ ንእተዋሕጡ መንእሰያት መዕረፊ ቦታን መግብን ብምሃብ የተዓሻሽውዎም። አረ ሓድሓደ ግዜስ እተፈተዉ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ንምግባር ኣብ ገዝኦም ከለዉ ዘይረኽብዎ ዝነበሩ ነገራት እውን ከይተረፈ ይህብዎም ኢዮም።

ጸኒሖም ግን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ “ለገስቲ” ገንዘብ ክኽፈሎም ይሓቱ ኢዮም። እቲ ዝሓትዎ ኸኣ ከም ኣመንዝራ ዄንካ ምስራሕ: ኣብ ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ምክፋል: ወይ ኣብ ናይ ስእለ⁠-​ጽዩፍ ስእልታት ንኽትቀርብ ምስኣል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ዝበዝሑ ገዝኦም ሓዲጎም ዝኸዱ መንእሰያት ብርቱዕ መቝሰልቲ እንተ ኣጋጠሞም ወይ እንተ ሞቱ እውን ኣየገርምን ኢዩ!

ስለዚ እምበኣር ምስ ወለድኻ ንምዝርራብ ብተደጋጋሚ: ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ: ጻዕሪ ምግባር ትርጕም ኣለዎ። ከመይ ከም ዝስምዓካን እንታይ ከም እትገብርን ንገሮም። (ምዕራፍ 2 ከምኡውን 3 ርአ።) ኣካላዊ ወይ ናይ ጾታዊ ርክብ ማህሰይቲ እንተ​ድኣ ኣጋጢሙካ ድማ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ምሕታት የድሊ ይኸውን።

እቲ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን: ገዛኻ ሓዲግካ ኣይትኺድ: ተዛረብ። ኣብ ገዛ እተሕልፎ ህይወት ከምቲ ዝድለ እንተዘይኰነ እውን ከይተረፈ ገዛኻ ሓዲግካ ምስ እትኸይድ ዝገደደ ከጋጥመካ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ።

[Picture on page 59]

ኣወዳት ይኹኑ ኣዋልድ ርእስኻ ክኢልካ ንምንባር

ዘድሊ ዘቤታዊ ሞያ

ምስ ስድራኦም ከለዉ ክማሃርዎ ይኽእሉ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ