ምዕራፍ 8
8 ብኸመይ ኢየ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል፧
“ኣብዚ ኣውራጃ እዚ ንሸሞንተ ዓመት ዝኣክል ተማሂረ ኸብቅዕ ሓደ ዓርኪ እውን ይኹን ከጥሪ ኣይከኣልኩን!” እዚ ሓደ ሮኒ እተባህለ መንእሰይ ዘስምዖ መረረ ኢዩ። ንስኻውን ብተመሳሳሊ ዓርኪ ንምርካብ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ፈሺሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ዝበሃሉ ከመይ ዝበሉ ኢዮም፧ ዕርክነት ኣብ ምፍጣር እቲ ቐንዲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧
ሓደ ምስላ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ኣብ ግዜ ጸገማ ድማ ሓው ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 17:17 ዘ ባይብል ኢን በይዚክ ኢንግሊሽ) ዕርክነት ማለት ግን ንሓድሕድካ ምጽንናዕ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ሓንቲ ማርቭያ እትበሃል መንእሰይ ከምዚ ትብል:- “ሓድሓደ ግዜ እታ መሓዛይ ኢያ እትብላ ሰብ ናብ ሽግር እናኣተኻ ስቕ ኢላ ትርእየካ እሞ ምስ ኰነ ‘ከምኡ ከም ዘጋጥመኪ እኳ ተረዲኡኒ ነይሩ ኢዩ: ከይነግረኪ ግን ፈሪሀ’ ትብለካ። ናይ ሓቂ መሓዛ ግን ገለ ሕማቕ ነገር ምስ እትዕዘብ: ነቲ ሓሳብ ንስኻ ከም እትጸልኦ እናፈለጠት እውን ከይተረፈ ከሎ ገና ኢያ ተጠንቅቐካ።”
ክብርኻ ስለ እተተንከፈ ጥራይ ነቲ ሓደ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ሰብ መጺኡ ዝነግረካ ሓቂ ትነጽጎዶ ኢኻ፧ ምሳሌ 27:6 “ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ: ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም” ትብል። ስለዚ ናይ ሓቂ ዓርኪ ክዀነካ ዝኽእል እቲ ቕኑዕ ኣተሓሳስባ ዘለዎን ብግልጺ ዝዛረብን ሰብ ኢዩ።
ናይ ሓሶትን ናይ ሓቅን ኣዕሩኽ ምንጽጻሮም
ሓንቲ ፔጊ እትበሃል ጓል 23 ዓመት መንእሰይ “ኵሎም ‘ኣዕሩኽ’ ኣጸቢቖም ይጠቕሙ ኢዮም ማለት ከም ዘይኰነ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመኒ ነገር መረጋገጺ ኢዩ” ትብል። ፔጊ ኰተቴ ኸላ ካብ ገዝኣ ክትወጽእ ተገደደት። እንተዀነ ግን: ምስ ቢልን በዓልቲ ቤቱ ሎይን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ተዓራረኸት። ንፔጊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩላ ጀመሩ። ፔጊ “እተን ምስኦም ዘሕለፍክወን ኣዋርሕ ናይ ሓቂ ሓጐስ: ዕግበት: ሰላም ዝመልአን ኢየን ነይረን” ትብል። እንተዀነ ግን: ንቢልን ሎይን ገዲፋ ንኻልኦት መንእሰያት መረጸት።
ፔጊ ወሲኻ ከምዚ ትብል:- “ካብቶም ሓደስቲ ‘ኣዕሩኽተይ’ ብዙሕ ነገራት ማለት ቴፕ ምስራቕ: ናይ ሓሶት ቼክ ምጥቃም: ማሪዋና ምትካኽ: ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ኣብ መዓልቲ 200 ዶላር ከም ዘውጽእ ዝገብረኒ ዝነበረ ወልፊ ሓሽሽ ከዕግበሉ ዝኽእል መገዲ ተማሃርኩ።” ጓል 18 ዓመት ምስ ኰነት ምስ ሓደ ረይ ዝበሃል መንእሰይ ተፋለጠት: እኹል ሓሽሽ ብናጻ ከም ዝህባ ድማ ገለጸላ። ፔጊ “ኵሉ ሽግራተይ ዘብቅዐ: ድሕሪ ደጊም ክሰርቕ ኰነ ከደናግር ከም ዘየድልየኒ ዀይኑ ተሰመዓኒ” ትብል። ረይ ግን ናብ ምንዝርና ከም እትኣቱ ገበራ። ኣብ መወዳእታኡ ግን ፔጊ ካብታ ከተማን ካብቶም ከይጽዓሩ ገንዘብ ዝረኽቡ ዝነበሩ “አዕሩኽታን” ሃደመት።
ኣብቲ ዝኸደቶ ሓድሽ ቦታ: ሓደ መዓልቲ ንፔጊ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጽሓኣ። ፔጊ ከምዚ ትብል:- “ነተን ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቚፈ ክስዕመን ከለኹ ደንጺወን ፈዚዘን ደው በላ: ኣነ ድማ ናይ ሓጐስ ንብዓት ሰዓረኒ። ንዅሉ ግብዝና ናይቶም ናይ ቀደም ‘ኣዕሩኽተይ’ ፈንፊነዮ ኢየ ነይረ: ሕጂ ግን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ክዀኑኒ ዝኽእሉ ሰባት ረኸብኩ።” ፔጊ እንደገና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸለት።
እንተዀነ ግን: ናብራኣ ምስ መገድታት ኣምላኽ ከተሰማምዖ ቀሊል ኣይነበረን። ብፍላይ ምትካኽ ሽጋራ ደው ከተብል ከቢድዋ ነበረ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ግን “ሽጋራ ምስ ኣትከኽኪ ብጸሎት ይቕሬታ ኣብ ክንዲ እትሓቲ: ናይ ምትካኽ ስምዒት ክመጸኪ ኸሎ የሆዋ ሓይሊ ምእንቲ ክህበኪ ብኡንብኡ ዘይትጽልዪ፧” ብምባል መኸራ። ፔጊ ከምዚ ትብል:- “እዚ ሕያውነት እተሓወሶን ተግባራውን ሓሳብ እዚ ጠቓሚ ኢዩ ነይሩ . . . ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ብውሽጠይ ጽፍፍቲ ኰይኑ ተሰመዓኒ: ክብረት ገዛእ ርእስኻ ምሕላው እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ድማ ተረዳእኩ።”
እቲ ፔጊ ዘሕለፈቶ ተመክሮ ንሓቅነት ናይቲ ኣብ ምሳሌ 13:20 ዘሎ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጕልሕ ኢዩ:- “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።” ፔጊ ከምዚ ትብል:- “ምስቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ዕርክነተይ ዓቂበ ነይረ እንተ ዝኸውን: እዚ ዅሉ ሕጂ ብሕማቕ ዝዝክሮ ዘለኹ ነገራት ኣይመጋጠመንን ነይሩ።”
ኣዕሩኽ ምርካብ
ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ኣዕሩኽ ኣበይ ኢኻ ክትረክብ እትኽእል፧ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ። ናይ ኣምሰሉ እምነት ዘላቶም መንእሰያት ዘይኰነስ ንእምነቶምን ኣምላኻዊ ተወፋይነቶምን ብተግባር ዘርእዩ መንእሰያት ክትረክብ ጸዓር። (ምስ ያእቆብ 2:26 ኣረኣእዮ።) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ክትረክብ እንተ ዘይክኢልካ ድማ ምስ ገለ ካባኻ ዝዓብዩ ክርስትያናት ተዓራረኽ። ዕድመ ዕርክነት ኣብ ምፍጣር ዕንቅፋት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ዕርክነት ይዛረብ ኢዩ። ዮናታን ብዕድሜኡ ንዳዊት ይወልዶ ኢዩ!—1 ሳሙኤል 18:1
ብኸመይ ኢኻ ግን ዕርክነት ክትጅምር እትኽእል፧
ኣብ ካልኦት ተገዳስነት ኣርኢ
የሱስ ክርስቶስ ጥብቂ ዝዀነ ዕርክነት ፈጢሩ ስለ ዝነበረ ኣዕሩኽቱ ኣብ ክንድኡ ክሞቱ ፍቓደኛታት ኢዮም ነይሮም። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ ነገር የሱስ ብዛዕባ ሰባት ይሓሊ ነይሩ ኢዩ። ንኻልኦት ንኽሕግዝ ይጽዕር ነበረ። ሽግራቶም ንምፍታሕ ‘ይፈቱ’ ነበረ። (ማቴዎስ 8:3) ብሓቂ እምበኣር: ኣብ ካልኦት ተገዳስነት ምርኣይ ዕርክነት ኣብ ምምስራት ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኢዩ።
ንኣብነት: ሓደ ዴቪድ ዝስሙ መንእሰይ “ኣብ ሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ስለ ዘለዎ ከምኡውን ኣብ ካልኦት ዓሚቝ ተገዳስነት ስለ ዘርኢ” ዕርክነት ኣብ ምምስራት ዕዉት ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ። ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ሓደ ካብቲ ዓቢ ነገር ስም ናይቲ ሰብ ምፍላጥ ኢዩ። ብዙሓት ኣስማቶም ስለ ዝዘከርካዮም ጥራይ ከም እትሓልየሎም ኢዮም ዝርድኡ። ስለዚ ኸኣ ተመክሮኦም ወይ ግድላቶም የካፍሉኻ: ዕርክነት ድማ ክህነጽ ይጅምር።”
እዚ ግን ስቕ ኢልካ ዋዕዋዕ ምብዛሕ ማለት ኣይኰነን። የሱስ ተጃሃሪ ኣይነበረን: ‘ልቡ ትሑት’ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 11:28, 29) እቲ ኣብ ካልኦት ዘሎካ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኢዩ ንሰባት ዝስሕቦም። መብዛሕትኡ ግዜ ከም ብሓባር መግቢ ምብላዕ ወይ ኣብ ገለ ስራሕ ምሕጋዝ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራት ነቲ ዘሎ ዕርክነት ከም ዝድልድል ክገብር ይኽእል ኢዩ።
“ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ”
የሱስ “ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ” ብምባል ተማሕጺኑ ኣሎ። (ሉቃስ 8:18) የሱስ ከምዚ ክብል ከሎ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ስርዓት ግን ርክብ ኣብ ምምስራት እውን ይውዕል ኢዩ። ጽን ኢልካ ምስማዕ ዕርክነት ኣብ ምምስራት ኣገዳሲ ኢዩ።
ካልኦት ዝብልዎ ዘለዉ ነገራት ኣብ ምስማዕ ብሓቂ ንግደስ እንተድኣ ዄንና መብዛሕትኡ ግዜ ምሳና ክቐርቡ ይደልዩ ኢዮም። እዚ ግን ነቲ “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ [ወይ እውን ኣብቲ ክብሎ ዝደሊ ጥራይ] ኣይጠምት” ዝብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝሓትት ኢዩ።—ፊልጲ 2:4
እሙን ኩን
የሱስ ምስ ኣዕሩኽቱ ጠቢቑ ኢዩ። “ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።” (ዮሃንስ 13:1) ሓደ ጎርዶን እተባህለ መንእሰይ እውን ነዕሩኽቱ ከምዚ ናይ የሱስ ገይሩ ኢዩ ዝሕዞም። ከምዚ ይብል:- “ቀንዲ ባህርይ ናይ ዓርኪ: እሙን ምዃን ኢዩ። ኣብ ግዜ ጸገም ብሓቂ ኣብ ጐንኻ ደው ይብል ድዩ፧ ኣነን ዓርከይን ካልኦት ብዛዕባና ሕማቕ ክዛረቡ ኸለዉ ሓደ ነቲ ሓደ ይጣበቐሉ ኢዩ። እቲ ነገር ቅኑዕ ምስ ዝኸውን ንደጋገፍ ኢና።”
ናይ ሓሶት ኣዕሩኽ ግን ምስ ካልኦት ኰይኖም ንሓድሕዶም ዝተሓማመዩ ግቡዛት ኢዮም። ምሳሌ 18:24 (NW ) “ንሓድሕዶም ዝመናጨቱ ብጾት ኣለዉ” ትብል። ምስ ካልኦት ኴንካ ብምሕማይ ናይ ዓርክኻ ስም ‘ትምንጭትዶ’ ኢኻ ወይስ እሙን ኴንካ ኢኻ ኣብ ክንድኡ ትጣበቕ፧
ስምዒትካ ኣካፍል
የሱስ ናይ ውሽጢ ስምዒቱ ብምንጋር እውን ካልኦት ከም ዝፈትውዎ ገይሩ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ‘ከም ዝደንገጸ:’ ‘ከም ዝጐሃየ:’ ወይ እውን ‘ከም ዝፈተወ’ ይነግሮም ነበረ። እንተወሓደ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ‘ዝነብዐ’ ተገሊጹ ኣሎ። የሱስ ነቶም ዝኣምኖም ዝነበረ ኣዕሩኽቱ ናይ ልቡ ክነግሮም ኣይሓፈረን።—ማቴዎስ 9:36፣ 26:38፣ ማርቆስ 10:21፣ ዮሃንስ 11:35
እዚ ግን ንዝረኸብካዮ ሰብ ናይ ውሽጢ ስምዒትካ ክትነግሮ ኣሎካ ማለት ከም ዘይኰነ ሓቂ ኢዩ! እንተዀነ ግን: ምስ ኵሉ ቅንዕና እተሓወሶ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ምስ ሓደ ሰብ ተፋሊጥካ ትውክልቲ እናገበርካሉ ክትከይድ ከሎኻ ቀስ እናበልካ ብዛዕባ ናይ ውሽጢ ስምዒትካ ክትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ናይ ካልኦት ስምዒት እትርዳእን ‘እትድንግጽን’ ምዃን እውን ትርጕም ዘለዎ ዕርክነት ኣብ ምምስራት ኣገዳሲ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 3:8
ፍጽምና ኣይትጸበ
ጽቡቕ ዕርክነት ምስ ጀመርካ እውን ፍጽምና ኣይትጸበ። “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ: ፈጺመ ሕማቕ ነገር ኣየውስእን ኢየ ዝብል እንተሎ ንገዛእ ርእሱ ከም ፍጽምቲ ይቝጸራ።” (ያእቆብ 3:2 ትርጕም ፊልፕስ) ኣብ ርእሲ እዚ ዕርክነት ግዜን ስምዒትን ዝሓትት ኢዩ። ሓደ ፕረስለይ እተባህለ መንእሰይ ከምዚ ይብል:- “ንኽትህብ ፍቓደኛ ክትከውን ኣሎካ። እዚ እቲ ዝዓበየ መዳይ ዕርክነት ኢዩ። ብዛዕባ ገለ ነገራት ናይ ገዛእ ርእስኻ ምርዳእ ክህልወካ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ንናይ ዓርክኻ ስምዒትን ርእይቶን ኣብ ግምት ንምእታው ግን ፍቓደኛ ኢኻ።”
ዕርክነት ንምጥራይ ብዙሕ መስዋእትታት ዝሓትት እኳ እንተዀነ: ምስቲ እተፍቅሮ ዘይብልካ ናብራ ጽምዋ ምንባር ዘስዕቦ ነገራት ክወዳደር ከሎ ግን ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኰነን። ስለዚ ኣዕሩኽ ኣጥሪ። (ምስ ሉቃስ 16:9 ኣረኣእዮ።) ሓጋዚ ኹን። ንኻልኦት ጽን ኢልካ ስምዓዮም: ኣብኦም ድማ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኢ። ከምዚ ምስ እትገብር ከም የሱስ “ኣዕሩኸይ” እትብሎም ብዙሓት ሰባት ክህልውኻ ኢዮም።—ዮሃንስ 15:14
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 8
◻ ናይ ሓቂ ዓርኪ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧ ናይ ሓሶት ኣዕሩኽ እንታይ ዓይነት ኢዮም፧
◻ ኣበይ ኢኻ ኣዕሩኽ ክትረክብ እትኽእል፧ ግድን መሳቱኻ ድዮም ክዀኑ ዘለዎም፧
◻ ዓርክኻ ኣብ ከቢድ ሽግር ምስ ዝወድቕ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ጠ◻ ኣዕሩኽ ከተጥርየሉ እትኽእል ኣርባዕተ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
[Blurb on page 66]
“ካብቶም ሓደስቲ ‘ኣዕሩኽተይ’ ብዙሕ ነገራት ማለት ቴፕ ምስራቕ: ናይ ሓሶት ቼክ ምጥቃም: ማሪዋና ምትካኽ: ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ኣብ መዓልቲ 200 ዶላር ከም ዘውጽእ ዝገብረኒ ዝነበረ ወልፊ ሓሽሽ ከዕግበሉ ዝኽእል መገዲ ተማሃርኩ”
[Box on page 68, 69]
ንዓርከይ ክነግረሉዶ ይግብኣኒ ኢዩ፧
ዓርክኻ ሓሽሽ ክጥቀም: ጾታዊ ርክብ ክፍጽም: ከደናግር ወይ ክሰርቕ ከም ዝጀመረ ምስ እትፈልጥ ንዝምልከቶ ኣካል ምነገርካሉዶ፧ ብዙሓት ምስቲ ኣብ መንእሰያት ዝርአ ከይነገርካ ስቕ ናይ ምባል ዝንባለ ብምስምማዕ ኣይነግሩን ኢዮም።
ገሊኦም “ሓሳዊ” ከይበሃሉ ይፈርሁ። ካልኦት ድማ ዘይግቡእ ተኣማንነት ከርእዩ ይደልዩ። ተግሳጽ ጐዳኢ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምውሳድ ነቲ ሽግር ምስ ዝሓብእሉ ንዓርኮም ዝሓገዝዎ ኢዩ ዝመስሎም። ኣብ ርእሲ እዚ ምስ ዝነግር ናይ መዛንኡ መላገጺ ይኸውን: ዕርክነቱ እውን ከጥፍእ ይኽእል ኢዩ።
ሓደ ሊ ዝስሙ መንእሰይ ናይ ማሕርሮ ዓርኩ ክሪስ ሽጋራ ከትክኽ ከም ዝጀመረ ምስ ፈለጠ ስጕምቲ ክወስድ ወሰነ። ሊ ከምዚ ይብል:- “ንዝምልከቶ ሰብ ክነግር ከም ዘሎኒ ኰይኑ ስለ እተሰምዓኒ ሕልናይ ክቐስነለይ ኣይከኣለን!” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ መንእሰይ እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ኣጋጢምዎ ኢዩ። “ዮሴፍ: ወዲ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ምስ ኰነ: ምስ ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ይጓሲ ነበረ። . . . ዮሴፍ ድማ እቲ ኽፉእ ወሬኦም ነቦኦም የምጽኣሉ ነበረ።” (ዘፍጥረት 37:2) ዮሴፍ ስቕ እንተድኣ ኢሉ መንፈሳዊ ኵነታት ኣሕዋቱ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቕ ይርዳእ ነበረ።
ሓጢኣት ዘዕኑን ዘበላሹን ሓይሊ ኣለዎ። ሓደ እተጋገየ ዓርክኻ ምኽሪ—ምናልባት እውን ትርር ዝበለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ተግሳጽ—እንተ ዘይተዋሂብዎ ናብ ዝገደደ እከይ ክጥሕል ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 8:11) ስለዚ እምበኣር ዓርክኻ ዝገበሮ ሓጢኣት ምኽዋል ንዓርክኻ ኣይጠቕሞን ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ ክዕረ ዘይክእል ጕድኣት እውን ከስዕበሉ ይኽእል ኢዩ።
ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ዝምዕድ:- “ኣሕዋተየ: ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ: ንስኻትኩም መንፈሳውያን: ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ።” (ገላትያ 6:1) ንሓደ እተጋገየ ዓርክኻ ንኸተዕሪ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘሎካ ኰይኑ ኣይስመዓካን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ንሓደ ክሕግዞ ዝኽእል ሰብ ነቲ ጕዳይ ክትነግር ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑዶ ኣይምተሰመዓካን፧
ስለዚ እምበኣር ናብ ዓርክኻ ቀሪብካ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ክትነግሮ ግድን ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 18:15 ኣረኣእዮ።) ከምዚ ንምግባር ትብዓትን ድፍረትን ዝሓተካ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት እትፈልጦ ነገራትን ብኸመይ ክትፈልጦ ከም ዝኸኣልካን ኣነጺርካ ብምግላጽ ዘእምን መርትዖ ኣቕርበሉ: ጽኑዕ ድማ ኹን። (ምስ ዮሃንስ 16:8 ኣረኣእዮ።) ንዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይትነግር ቃል ኣይትእቶ: ከመይሲ ከምዚ ዝኣመሰለ መብጽዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ምሽፋን ሓጢኣት ዝዅንን ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይረክብን ኢዩ።—ምሳሌ 28:13
ምናልባት ጌጋ ምርዳእ ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 18:13) እቲ ነገር ልክዕ እንተድኣ ዀይኑ ግን እቲ ግድል በቶም ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ሰባት ከም ዝፍለጥ ስለ ዝገበርካ ዓርክኻ ዕረፍቲ ይረክብ ይኸውን። ጽን ኢልካ ስማዕ። (ያእቆብ 1:19) ናይ ውሽጢ ስምዒቱ ከውጽእ ኸሎ “ከምኡ ክትገብር ኣይነበረካን!” ዝብል ናይ ወቐሳ መግለጺታት ብምጥቃም ወይ “ከመይ ኢልካ ከምዚ ትገብር!” ኢልካ ብምዅናን ኣይትዅለፎ። ደንግጸሉ: ዝስምዖ ዘሎ ስምዒት ንኽስምዓካ ድማ ጸዓር።—1 ጴጥሮስ 3:8
መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኵነታት ካብቲ ንስኻ ክትገብሮ እትኽእል ንላዕሊ ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንወለዱ ወይ ንኻልኦት ሓላፍነት ዘለዎም ዓበይቲ ክነግር ደፋፍኣዮ። ከምኡ ምግባር ምስ ዝኣቢኸ፧ ኣብ እተወሰነ ግዜ እንተ ዘይነጊሩ: ንስኻ ናይ ሓቂ ዓርኩ ስለ ዝዀንካ ኣብ ክንድኡ ኴንካ ክትነግር ምዃንካ ኣፍልጦ።—ምሳሌ 17:17
ኣብ መጀመርታ ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ከም ዝወሰድካ ዓርክኻ ኣይርድኦን ይኸውን። ሓሪቑ ዕርክነትኩም ከም ዝቋረጽ ክገብር እውን ይኽእል ኢዩ። ሊ ግን ከምዚ ይብል:- “ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ምንጋረይ ቅኑዕ ምንባሩ እፈልጥ ኢየ። ክሪስ እቲ ዘድልዮ ሓገዝ ስለ ዝረኸበ ሕልናይ ቀሰነ። ጸኒሑ ከምኡ ብምግባረይ ከም ዘይሓረቐ ስለ ዝነገረኒ ቀሰንኩ።”
በቲ ዝወስድካዮ ትብዓት እተሓወሶ ስጕምቲ ቂም ምስ ዝሕዝ: ብቐደሙ እውን ናይ ሓቂ ዓርክኻ ከም ዘይነበረ ኢዩ ዘርኢ። ንስኻ ግን ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ስለ ዘረጋገጽካ ከምኡውን ናይ ሓቂ ዓርኪ ምዃንካ ስለ ዘርኣኻ ዕግበት ክትረክብ ኢኻ።
[Picture on page 67]
ኣዕሩኽ ወይ መሓዙት ኣብ ምጥራይ ጸገም ኣሎካዶ ኢዩ፧
[Picture on page 70]
ኣብ ካልኦት ተገዳስነት ምርኣይ ዕርክነት ኣብ ምምስራት ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኢዩ