ክፍሊ 3
ንትርኢትካ መርምሮ
ጽባቐ ካብ ቈርበት ኣይሓልፍን ኢዩ ዝበሃል። እንተዀነ ግን: እቶም ጽቡቓት መንእሰያት ብዙሕ ረብሓታት ዝረኽቡ ዝመስሉ ደኣ ብኸመይ ኢዩ፧ ሓደ መንእሰይ ንዅሉ እቲ ከም መዛንኡ ንኽኽደንን ክመስልን ዝግበሮ ጸቕጢ ብኸመይ ክዋጽኣሉ ይኽእል፧
እዘን ስዒበን ዘለዋ ገለ ገጻት ነቲ ወግሐ ጸብሐ ኣብ መስትያት እትርእዮ ኣካላትካ ብኸመይ ክትሕዞ ከም ዘሎካ ንኽሕግዛኻ እተዳለዋ ኢየን።