ምዕራፍ 24
24 ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ክነጽጎ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
ቲን ኣብ እትበሃል መጽሔት እተገብረ ሃገራዊ መጽናዕቲ: ብዙሓት ነታ መጽሔት ዘንብቡ መንእሰያት “ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ንዝግበረልካ ጸቕጢ ብኸመይ ከም እትነጽጎ” ዝገልጽ ሓበሬታ ኽረኽቡ ከም ዝደልዩ ይሕብር።
ኣብ መዝሙር 119:9 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐበዝ [ወይ ጐርዞ] ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧” ብምባል ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ። ክምልስ ከሎ ድማ “ከም ቃልካ [ቃል ኣምላኽ] ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ” ይብል። እንተዀነ ግን: ፍልጠት ንባዕሉ እኹል ኣይኰነን። ሓንቲ መንእሰይ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርኽሰት እንታይ ከም ዝብል እፈልጦ ኢየ” ብምባል ትእመን። ቀጺላ ኸኣ “ልቢ ግን ነዚ ከም እትርስዖ ገይሩ ጸቕጢ ይገብረልካ ኢዩ” ትብል። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቀጺሉ “ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ: ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ” ምባሉ እምበኣር ዝግባእ ኢዩ።—መዝሙር 119:11
ንልብኻ ሓልዎ
ንስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ንኽትዓቝሮ: መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ከተንብብን ከተጽንዕን ኣሎካ። እዚ ሕጊ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ንኽትኣምን ክሕግዘካ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ጾታዊ ርክብ ዘለዓዕል ነገራት ምንባብ: ምስማዕ: ወይ ምርኣይ “ፍትወት ስጋ” ዘለዓዕለልካ ኢዩ። (ቈሎሴ 3:5) ስለዚ ነዚ ንኸይትገብር ጽኑዕ ክልክል ይሃሉኻ! ብዛዕባ እቲ ንጹህን ጽፉፍን ዝዀነ ነገራት ድማ ኣስተንትን።
ንጹህ ዄንካ ኽትቅጽል ዲኻ ኣይትቕጽልን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽትኻ ብርቱዕ ጽልዋ ክህልዎም ከም ዝኽእል ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣነ ብጻይ እቶም ዚፈርሁኻ ዅሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ” በለ።—መዝሙር 119:63
ኣዕሩኽትኻ ብሓቂ ‘ትእዛዛት ኣምላኽ ክሕልዉ’ ዝጽዕሩ ዓይነት ሰባት ድዮም፧ ሓንቲ ዮኣና ዝስማ መንእሰይ ሰበይቲ ብዛዕባ ምምራጽ መሓዙት ከምዚ በለት:- “ምስቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ትሓብር እንተድኣ ዄንካ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ከተዕልል ከሎኻ ከምቲ ናታቶም ዓይነት ኣረኣእያ ኢኻ እተሕድር። ንኣብነት: ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ጽዩፍ ምዃኑ ክዛረቡ እንተድኣ ሰሚዕካዮም ንስኻ እውን ኸምኡ ኽስምዓካ ክጅምር ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ምስቶም ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዘይግደሱ ሰባት ትሓብር እንተድኣ ኼንካ: ነዊሕ ከይጸናሕካ ንዕኦም ኢኻ እትመስል።”—ምሳሌ 13:20
እንተዀነ ግን: ምስ ኣንጻር ጾታ ብምቍጻርን ብወረዘን (ብእንግሊዝኛ ኮርትሽፕ) እተሕልፎ እዋን ኢዩ ዝበዝሕ ግዜ ርኽሰት ንምፍጻም ዝዓበየ ብድሆ ዝኸውን። ነዚ ሮበርት ሰረሰን ዝገበሮ ሃገራዊ መጽናዕቲ ርአ። ካብ ኣወዳት 56 ሚእታዊት ካብ ኣዋልድ ድማ 82 ሚእታዊት ንመጀመርታ ግዜ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸሙ ምስቶም ኣጸቢቖም ዝቐርብዎምን ዝፈትውዎምን ኢዮም። እሞ ኣብ ናይ መርዓ ዕድመ በጺሕካ ንኽትምርዖ ምስ ኣንጻር ጾታ ትቋጸር ምስ እትህሉኸ፧ ምስቲ ሰብ ኣጸቢቕካ እትፋለጠሉ ኣጋጣሚ ብምርካብ ብኸመይ ኢኻ ርኽሰት ካብ ምፍጻም ክትርሕቕ እትኽእል፧
ኣብ ግዜ ወረዘ ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ነገራት ምውጋድ
መጽሓፍ ቅዱስ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ብምባል የጠንቅቕ። (ኤርምያስ 17:9) ሓደ ሰብ ብኣንጻር ጾታ እንተ ተሳሕበ ባህርያዊ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ምስቲ ሰብ ዝያዳ እናቐረብካ ምስ እትኸይድ እቲ ምምራኽ ድማ ዝያዳ እናሓየለ ኢዩ ዝኸይድ። እዚ ልሙድ ባህጊ እዚ ድማ ንልብኻ ኸስድዖ ይኽእል ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ‘ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ: ምንዝር ይወጽእ ኢዩ’ በለ።—ማቴዎስ 15:19
ዝበዝሕ ግዜ መንእሰያት ወድን ጓልን ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ኢሎም መደብ ኣይገብሩን ኢዮም።a ዝበዝሕ ግዜ ምድርራዝ ወይ ስምዒትካ ዘለዓዕል ምትንኻፍ ጾታዊ ኣካላት ኢዩ ኣብኡ ዘውድቖም። ሓንቲ ኸይተመርዓወት ዝወለደት መንእሰይ ከምዚ ትብል:- “እቲ ኣባይ ይኹን ኣብ ካልኦት ዝፈልጠን ኣዋልድ ዝወረደ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቀስ እናበለ ዝማዕበለ ኢዩ: ዳሕራይ በቃ ድንግልና ትጠፍእ። ቍሩብ ምድርራዝ ትጅምር እሞ ዳሕራይ ከይተፈለጠካ ደው ከተብሎ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ትበጽሕ።”
ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ምእንቲ ኸይትወድቕ: ልብኻ ኽመርሓካ ኣብ ክንዲ እትገድፎ ንልብኻ ንስኻ ኽትመርሖ ኣሎካ። (ምሳሌ 23:19) ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧
ደረት ኣውጽኡ:- ሓደ መንእሰይ እታ ዓርኩ ክስዕማን ክደርዛን ከም እትጽበዮ ገይሩ ይሓስብ ይኸውን: ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን እቲ ነገር ከምኡ ኸይከውን ይኽእል ኢዩ። “ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ [“ሓቢሮም ዝማኸሩ:” NW ] እያ።” (ምሳሌ 13:10) ስለዚ እምበኣር ምስ ኣንጻር ጾታ ትቋጸር እንተድኣ ሃሊኻ ‘ብምምኽኻር’ እቲ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከመይ ከም ዝስምዖ ፍለጥ። ኣብቲ እትገብርዎ ናይ ፍቕሪ መግለጺታት ብጥበብ ደረት ግበሩ። ኣንፈቱ ዘይተፈልጠ ምልክታት ድማ ኣይተርእዩ። ጸቢብ ጂንስ: ኣካላትካ ዘርእን ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕልን ክዳውንቲ ምኽዳን ጌጋ መልእኽቲ ኸመሓላልፍ ይኽእል ኢዩ።
ፈታኒ ዝዀነ ዅነታት ኣወግዱ:- መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓንቲ ዓርካ ናብቲ ኣኽራን ንኽኸዱ ዝዓደማ ድንግል ጓል ይዛረብ ኢዩ። ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ዓዲምዋ፧ በቲ ኣብ ግዜ ጽድያ ዝርአ ውቁብ ትርኢት ናይ ተፈጥሮ ንምዝንጋዕ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣሕዋታ ብዛዕባ እቲ እተገብረ መደባት ዙረት ምስ ሰምዑ ከም ዝተርፍ ገበርዎ። ጾታዊ ርኽሰት ናይ ምፍጻም ዝንባለ ኣለዋ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ድዮም ከምኡ ገይሮም፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! ኣብ ክንድኡስ ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት ክሳዕ ክንደይ ኽትፍተን ከም እትኽእል ስለ እተገንዘቡ ኢዮም። (መሃልየ መሃልይ 1:6፣ 2:8-15) ንስኻትኩም እውን ምስ ኣንጻር ጾታ ክትቋጸሩ ከለኹም ኣብ ከም ገዛ: ኣፓርታማ: ደው ዝበለት ማኪና በይንኹም ምዃን ዝኣመሰለ ናብ ፈተና ኽመርሕ ዝኽእል ዅነታት ኣወግዱ።
ዓቕምኹም ፍለጡ:- ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ንጾታዊ ስምዒት ዝያዳ እትቃልዓሉ ግዜ ኽህሉ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ብሕታዊ ጸገማት ስለ ዘጋጠመካ ወይ ምስ ወለድኻ ስለ ዘይተሰማማዕካ ተስፋ ቘሪጽካ ትህሉ። እቲ ዅነታት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ብፍላይ ጥንቁቕ ክትከውን ኣሎካ። (ምሳሌ 24:10) ካብ ኣልኮላዊ መስተ እውን ተጠንቀቑ። ብድፍኢት መስተ ነቲ ዘሎ ኽልክላት ክትጥሕስ ትኽእል ኢኻ። “ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ።”—ሆሴእ 4:11
ካብ ልቢ ኣይፋል በሉ:- ወድን ጓልን ብስምዒት ምስ ዝረስኑ እሞ እቲ ዅነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ምስ ዝኸውን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ሓዲኦም ነቲ ሃዋሁ ዘበላሹ ነገር ክብል ወይ ክገብር ኣለዎ። ዴብራ ምስ ዓርካ ብማኪና እናኸደት ከላ እቲ ዓርካ “ንኸዕልሉ” ነታ ማኪና ኣብ ጽምዊ ቦታ ደው ኣበላ። ብስምዒት ኽረስኑ ምስ ጀመሩ ዴብራ ነቲ ዓርካ “እዚ ምድርራዝዶ ኸይኰነ፧ ከነቋርጾዶ ኣይሓይሽን፧” በለቶ። እዚ ኸኣ ነቲ ሃዋሁ ከም ዝቕየር ገበሮ። ብኡንብኡ ንገዝኣ ወሰዳ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣይፋልን ክትብል ምናልባት ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገራት እቲ ዝኸበደ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓንቲ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸመት ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ከም ዝበለቶ “ሓዲግካዮ እንተ ዘይኬድካ ዳሕራይ ትጣዓስ ኢኻ!”
መሰነይታ ተማልኡ:- ገሊኦም ከም ግዜ ዝሓለፎ ገይሮም ዝርእይዎ እኳ እንተዀኑ: ምስ ኣንጻር ጾታ ቈጸራ ምስ ዝህልወካ መሰነይታ ምምላእ ጽቡቕ ኢዩ። ገሊኦም ብዛዕባ መሰነይታ ምምላእ ክዛረቡ ኸለዉ “ንሓድሕድና ዘይንተኣማመን ኢና እንመስል” ይብሉ። ምናልባት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምውካል ግቡእ ድዩ፧ ምሳሌ 28:26 ብግልጺ “ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ: ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ” ትብል። ምስ ኣንጻር ጾታ ቈጸራ ክትገብር ከሎኻ እምበኣር መሰነይታ ብምምላእ ብጥበብ ተመላለስ። ዴብራ “መሰነይታ ሒዙ ንዝመጽእ ብሓቂ ኢየ ዘኽብሮ። ልክዕ ከምቲ ኣነ ድንግል ኰይነ ክጸንሕ ዝደሊ ንሱ እውን ከምኡ ድሌት ከም ዘለዎ ኢየ ዝርዳእ” ትብል። ቀጺላ ድማ “እዚ ብዙሕ ጕድኣት የብሉን: ከመይሲ ገለ ብሕታዊ ነገራት ክንዛረብ ክንደሊ ኸሎና: ካብቶም ካልኦት ርሕቕ ኢልና ከነዕልል ንኽእል ኢና። እቲ ዘለዎ ዕቝባ ካብቲ ዝፈጥሮ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋታት ዝበልጽ ኢዩ” ትብል።
ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምፍጣር
ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ምምስራት: ስምዒት ዘለዎ ናይ ሓቂ ኣካል ገይርና ምስ እንፈልጦ ንዕኡ ዘጕሂ ነገራት ካብ ምግባር ክንቍጠብ ኢና። ነቲ ዘሎካ ጸገማት ፈሊኻ ብምጥቃስ ናይ ልብኻ ምስ እተፍስሰሉ ዝያዳ ናብኡ ከም እትቐርብ ክገብረካ ኢዩ። ብዙሓት ኣወዳትን ኣዋልድን: ኣብቲ ፈታኒ ዝመስል ኵነታት ኣብ ርኽሰት ምእንቲ ኸይወድቁ ዘድልዮም ሓይሊ ንኽህቦም ሓቢሮም ናብ ኣምላኽ ጸልዮም ኢዮም።
የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ብምሃብ ይምልሰሎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ልክዕ ኢዩ: ንስኻትኩም እውን ግዴኹም ክትገብሩ ኣለኩም። እንተዀነ ግን: ብናይ ኣምላኽ ሓገዝን በረኸትን ቅድሚ መርዓ ንዝግበር ጾታዊ ርክብ ኣይፋል ክትብሉ ከም እትኽእሉ ርግጸኛታት ኩኑ።
[Footnote]
a ብመሰረት ሓደ እተገብረ መጽናዕቲ 60 ሚእታዊት ካብተን ደቂ ኣንስትዮ እቲ ተግባር ሃንደበትን ዘይተሓስበን ምንባሩ ኢየን ገሊጸን።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 24
◻ ነቲ የሆዋ ንጾታ ዝምልከት ዘውጽኦ ሕጊ ኣኽቢርካ ኽትርእዮ ክሕግዘካ ዝኽእል ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣዕሩኽትኻ ነቲ ብዛዕባ ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ዘሎካ ኣረኣእያ ክጸልውዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ምስ ኣንጻር ጾታ ንምልላይ ኣብ እትገብሮ ቈጸራ ምጥንቃቕ ኣድላዪ ዀይኑ ዝስመዓካ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ወረዘ ዘለዉ ወድን ጓልን ኣብ ርኽሰት ምእንቲ ኸይወድቁ ክገብርዎ ዝኽእሉ ሓድሓደ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
[Blurb on page 193]
“ቍሩብ ምድርራዝ ትጅምር . . . ”
[Blurb on page 194]
ኣብ ግዜ ወረዘ ምስ ካልኦት ብምዃን ካብ ርኽሰት ተሓለዉ
[Box/Pictures on page 195]
ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ እትገብሮ ቘጸራ ካብ ርኽሰት ምርሓቕ
ናብ ምትሕቝቛፍን ምድርራዝን ክመርሕ ዝኽእል ኵነታት ኣወግዱ
ብጕጅለ ዄንኩም ተቛጸሩ ወይ መሰነይታ ይሃልኹም
ነቲ ዕላል ሃናጺ ከም ዝኸውን ግበርዎ
ካብ መጀመርታኡ ንብጻይኩም ብዛዕባ ደረት ናይቲ ፍቕርኹም እትገልጽሉ መገዲ ኣፍልጥዎ
ቅጥዒ ዘለዎ ኣከዳድና ኣዘውትሩ: ናብ ርኽሰት ዝዕድም ነገራት ኣይትግበሩ
እቲ ዅነታት ናብ ምልምማጥ ዘምርሕ ኰይኑ ምስ ዝረኣየኪ ንገዛኺ ከብጽሓኪ ንገርዮ
“ቻው ተበሃሂልኩም” ኣብ ምፍናው ግዜ ኣይትውሰዱ:
ኣይተምስዩ
[Pictures]
ኣብ ወረዘ ዘለዉ ወድን ጓልን ንበይኖም ብሕት ከም ዝብሉ ኣብ ዘይገብሮም ንጥፈታት ክሳተፉ ይኽእሉ ኢዮም
[Picture on page 196]
ብስምዒት ክሳዕ “ምርሳን” እንተድኣ ተበጺሑ ካብ ልብኻ “እምቢ!” ንምባል ሓይሊ ይሃሉኻ!