ምዕራፍ 26
26 ግብረ-ሕቡእ ናይ ምፍጻም ስምዒት ብኸመይ ክቃለሶ እኽእል፧
ሓደ ን15 ዓመታት ግብረ-ሕቡእ ንምግዳፍ እተቓለሰ መንእሰይ “ኣዝዩ ሓያል ዝዀነ ኣመል ኢዩ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ “ልክዕ ከም ሓሽሽ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ወልፊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ይብል።
ሃዋርያ ጳውሎስ ግን ባህግታቱ ልክዕ ከም ርጉም ጐይታ ዀይኑ ኣበርቲዑ ኽገዝኦ ኣየፍቀደን። ኣብ ክንድኡስ “ንስጋይ [ስጋዊ ባህግታተይ] ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” ኢሉ ደኣ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 9:27) ንገዛእ ርእሱ ትርር ዝበለ መምርሒ ገበረላ! ተመሳሳሊ ጻዕሪ ምግባር ንዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ልምዲ ግብረ-ሕቡእ ንኽገላገል ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።
‘ንኣእምሮኻ ስጕምቲ ንምውሳድ ኣዳልዎ’
ብዙሓት ካብ ወጥርን ጭንቀትን ንምግልጋል ኢሎም ኢዮም ግብረ-ሕቡእ ዝፍጽሙ። ይኹን እምበር: ግብረ-ሕቡእ ግድላት ንምፍታሕ እትጥቀመሉ ድኹም ኣገባብ ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 13:11 ኣረኣእዮ።) ኣብ ክንድኡስ “ናይ ምሕሳብ ክእለት” ብምጥቃም ነቲ ግድል ክትፈትሖ ምፍታን እቲ ዝሓሸ መገዲ ኢዩ። (ምሳሌ 1:4 NW) ብግድላትን ተስፋ ምቝራጽን እተዓብለልካ ዀይኑ ምስ ዝስምዓካ ‘ንዅሉ ሓልዮትካ ኣብኡ [ኣብ ኣምላኽ] ኣውድቆ።’—1 ጴጥሮስ 5:6, 7
ንኣብነት: ሃንደበት ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕለልካ ነገር ምስ እትርኢ ወይ ምስ እትሰምዕኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ንኣእምሮኹም ስጕምቲ ንምውሳድ ኣዳልውዎ፣ ርእስኹም ግትኡ” ኢዩ ዝብል። (1 ጴጥሮስ 1:13 ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን [እንግሊዝኛ]) ንኣእምሮኻ ኣስርሓዮ: ነቲ ርኹስ ሓሳባት ድማ ንጸጎ። ድሕርዚ እቲ ስምዒት ቀልጢፉ ኽመውት ኢዩ።
ብፍላይ ግን ሓደ ሰብ ለይቲ በይኑ ደቂሱ ኸሎ ርኹስ ሓሳባት ምስ ዝመጾ ንምንጻጉ ከቢድ ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ኸምዚ ኢላ ትመክር:- “ኽትገብሮ ዘሎካ ዝሓሸ ነገር ኣእምሮኻ ናብ ካልእ ምእንቲ ኽሓስብ ካብ ዓራትካ ተሲእካ ኣብ ዝዀነ ስራሕ ምጽማድ ወይ መግቢ ምብላዕ ኢዩ።” እወ: ንገዛእ ርእስኻ ‘ርዝነት ዘለዎ: ቅኑዕ: ንጹህ: ተፈታዊ: ጽቡቕ ወረ ንኽትሓስብ’ ኣገድዳ።—ፊልጲ 4:8
ድቃስ ክኣብየካ ኸሎ ነቲ ‘ኣብ ምድቃሰይ እዝክረካ: ብለይቲ እናነቓሕኩ እሓስበካ’ ብምባል ዝጸሓፈ እሙን ንጉስ ዳዊት ንምምሳሉ ጸዓር። (መዝሙር 63:6) ንኣእምሮኻ ብዛዕባ ኣምላኽን ባህርያቱን ንኸስተንትን እንተድኣ ኣገዲድካዮ ዝበዝሕ ግዜ ነቲ ዘይጽፉፍ ሓሳብ ንምቍራጽ ክሕግዘካ ኢዩ። ኣምላኽ ነዚ ዘይጽፉፍ ልምዲ እዚ ብኸመይ ከም ዝርእዮ ብቐጻሊ ምሕሳብ እውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 97:10
ክከላኸለልካ ዝኽእል ስጕምትታት ውሰድ
እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነበሮ ጥበበኛ ሰብኣይ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ: ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ብምባል ጸሓፈ። (ምሳሌ 22:3) ኣቐዲምካ ብምጥንቃቕ ብልሂ ምዃንካ ተርኢ። ንኣብነት: ኣብ ገለ ዓይነት ንጥፈታት ምክፋል: ጸቢብ ክዳውንቲ ምኽዳን: ወይ ገለ ዓይነት መግቢ ምብላዕ ጾታዊ ስምዒት ከም ዘለዓዕለልካ እንተድኣ ፈሊጥካ ዝገበርካ ገይርካ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣወግዶ። ንኣብነት: ኣልኮላዊ መስተ ነቲ ሕማቕ ነገር ንምእባይ ዘሎካ ሓይሊ ይቕንሶ ከምኡውን ርእስኻ ምግታእ ከም ዝኸብደካ ዝገብር ኢዩ። ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ: ኣብ ቲቪ ዝርአ ፕሮግራም: ወይ ፊልምታት ንየው በሎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ጸለየ።—መዝሙር 119:37
ኣብቲ ብፍላይ ጾታዊ ስምዒት ብቐሊሉ ክለዓለሉ ዝኽእል እዋናት እውን ክከላኸለልካ ዝኽእል ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ገለ ግዜያት ጾታዊ ስምዒታ ብርቱዕ ከም ዝኸውን ተስተውዕል ትኸውን። ወይ ድማ ሓደ ሰብ ብስምዒታዊ መገዲ ይጕዳእ ወይ ይበሳጮ ይኸውን። ምሳሌ 24:10 “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ: ሓይልኻ ቕሩብ እዩ” ብምባል ተጠንቅቕ። ስለዚ ኸኣ ንንውሕ ዝበለ እዋን በይንኻ ኣይትኹን። ኣእምሮኻ ናብ ርኹስ ዝዀነ ሓሳባት ገጹ ንኸይከይድ ትሑዝ ክገብሮ ዝኽእል ሃናጺ ንጥፈታት ንምግባር ኣቐዲምካ መድብ።
መንፈሳዊ መከላኸሊ
ሓደ ካብ ወዲ 11 ዓመት ኣትሒዙ ምስዚ ልምዲ እዚ እተቓለሰ ወዲ 27 ዓመት መወዳእታኡ ተዓዊቱ ኢዩ። “እቲ ዝድለ ተሪር ስጕምቲ ምውሳድ ኢዩ” ይብል እሞ: ቀጺሉ ኸኣ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ወሓደ ኽልተ ምዕራፋት አንብብ” በለ። ብዘይምቍራጽ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ከምዚ ገበረ። ኻልእ ክርስትያን ድማ ኸምዚ በለ:- “ቅድሚ ምድቃስካ መንፈሳዊ ጽሑፍ ኣንብብ። እቲ ቕድሚ ምድቃስካ እትሓስቦ ናይ መወዳእታ ሓሳብ መንፈሳዊ ክኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ጸሎት እውን ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ።”
ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽማሃሩ ምሕጋዝ ኣብ ዝኣመሰለ ነገራት ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ምዃን’ እውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ሓንቲ ግብረ-ሕቡእ ኣብ ምስናፍ እተዓወተት ሰበይቲ ኸምዚ ትብል:- “ነዚ ልምዲ እዚ ንኽገድፍ ዝሓገዘኒ ቀንዲ ነገር: ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ከም ምዃነይ መጠን ኵሉ ሓሳበይን ሓይለይን ንኻልኦት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ንኽረኽቡ ኣብ ምሕጋዝ ስለ ዝገበርክዎ ኢዩ።”
ልባዊ ጸሎት ብምግባር “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ንኽህበካ ንኣምላኽ ክትልምኖ እውን ትኽእል ኢኻ። (2 ቈረንቶስ 4:7) “ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ] ኣፍስሱ።” (መዝሙር 62:8) ሓንቲ መንእሰይ ከምዚ ትብል:- “ጸሎት ቅጽበታዊ ዝዀነ ሓይሊ ኽትረኽበሉ እትኽእል ጸግዒ ኢዩ። እቲ ስምዒት ኣብ ዝለዓለሉ ህሞት ምጽላይ እውን ብሓቂ ሓጋዚ ኢዩ።” ኣብ ርእሲ እዚ: ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ቈራጽነት ኣብ ምትንሳእካ ዀነ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስካ ንኣምላኽ ግለጸሉ: ዘሐይለካ መንፈስ ቅዱስ ክህበካ ድማ ለምኖ።—ሉቃስ 11:13
ካብ ካልኦት ዝርከብ ሓገዝ
ዝገበርካዮ ብሕታዊ ጻዕሪ ዕዉት እንተድኣ ዘይኰይኑ ክሕግዘካ ምስ ዝኽእል ሰብ: ወለድኻ ወይ ክርስትያን ሽማግለ ተዛረብ። መንእሰያት ኣዋልድ ምስ ብሱላት ክርስትያናት ኣንስቲ እንተ ተላዘባ ዝያዳ ሓጋዚ ኢዩ። (ቲቶስ 2:3-5) ሓደ ተስፋ ቘሪጹ ዝነበረ መንእሰይ “ሓደ መዓልቲ ምስ ኣቦይ ብዛዕባ እቲ ነገር ንበይንና ዄንና ተዘራረብና” በለ። ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ንኽነግሮ ኣዝዩ ኢዩ ኸቢዱኒ ነይሩ። ናይ ገበን ስምዒት ስለ እተሰምዓኒ እናነባዕኩ ኢየ ነጊረዮ። እቲ ዝበሎ ግን ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ። ኣብ ገጹ ናይ ኣለኹልካ ፍሽኽታ እናተራእዮ ‘ኣዅሪዕኻኒ’ በለ። ንኽዛረበሉ ክሳዕ ክንደይ ከቢዱኒ ከም ዝነበረ ተረድኦ። ከምዛ ቓል እዚኣ ገይሩ ንመንፈሰይ ዘሐደሶን ነቲ ዝገበርክዎ ቘራጽነት ዘጽንዖን ነገር የለን።
“ድሕርዚ ኣቦይ ‘ብዙሕ ከም ዘይረሓቕኩ’ ንኸእምነኒ ገለ ጥቕስታት ኣርኣየኒ።” ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል:- “ድሕርዚ እቲ ዝገበርክዎ ነገር ጌጋ ምዃኑ ክሳዕ ክንደይ ከም እተገንዘብክዎ ንምርግጋጽ ተወሳኺ ጥቕስታት ኣንበበለይ። ንእተወሰነ ግዜ ‘ነቲ ተግባር ኣቋሪጸ’ ክጸንሕ እሞ ድሕሪኡ ከም እንመያየጠሉ ነገረኒ። እንተ ደገሰኒ ተስፋ ንኸይቘርጽ ኣተባብዓኒ: ካልኣይ ግዜ ኸይደገምክዎ ንኽቕጽል ሓበረኒ።” ነቲ ሽግር ምሉእ ብምሉእ ምስ ተቘጻጸሮ እቲ መንእሰይ “ግድለይ ካልእ ሰብ ተረዲኡ ስለ ዝሓገዘኒ ዓቢ ረብሓ ኢዩ ነይሩ” በለ።
ንደግሲ ምስዓሩ
ሓደ መንእሰይ ነቲ ልምዲ ንኸቋርጾ ብርቱዕ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባሩ መሊሱ ደገሶ። ከምዚ ኢሉ ተኣመነ:- “ልክዕ ከም ዝጸቅጥ ነገር ኢዩ ዀይኑኒ። ዋጋ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ድሕርዚ ‘ተስፋ የብለይን። ዝገበርኩ እንተ ገበርኩ ስምረት የሆዋ ኣይረክብን ኢየ: ስለዚ ስለምንታይ ንገዛእ ርእሰይ ዓቕላ የጽብበላ፧’ በልኩ።” እንተዀነ ግን: ደጊሱካ ማለት ተሳዒርካ ማለት ኣይኰነን። ሓንቲ ጓል 19 ዓመት ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “መጀመርታ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኢየ ዝፍጽሞ ነይረ: ዳሕራይ ግን ዝያዳ ኣብ የሆዋ እናተወከልኩ ምስ ከድኩ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝረኸብኩ ኣብ ዓመት ዳርጋ ሽዱሽተ ግዜ ጥራይ ኢየ ዝፍጽሞ። ምስ ፈጸምክዎ ሕማቕ ኢዩ ዝስምዓኒ: ይኹን እምበር ብድሕሪኡ እቲ ስምዒት ክመጸኒ ኸሎ ንኸይፍጽሞ ዝያዳ ሓይሊ ኢየ ዝረክብ።” ቀስ እናበለት ኣብቲ ቓልሲ ተዓወተት።
ክደግሰካ ኸሎ እንታይ ናብኡ ከም ዘብጽሓካ መርምር። ሓደ መንእሰይ ከምዚ ይብል:- “እንታይ አንብብን እሓስብን ከም ዝነበርኩ እምርምሮ። ዳርጋ ዝበዝሕ ግዜ ስለምንታይ ኣብ ከምኡ ከም ዝወደቕኩ እፈልጦ ኢየ። እንደገና ከምኡ ንኸይገብር ብምውሳን ድማ አዐርዮ።”
ኣበርቲዕካ ብምቅላስ ዝርከብ ዓስቢ
ሓደ ልምዲ ግብረ-ሕቡእ ዘቋረጸ መንእሰይ ከምዚ በለ:- “ካብቲ ዘቋረጽኩሉ ግዜ ኣትሒዘ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽሩይ ሕልና ክሕዝ ክኢለ ኢየ: እዚ ድማ መወዳድርቲ የብሉን!”
እወ: ግብረ-ሕቡእ ንምቍራጽ ኣበርቲዕካ ተቓሊስካ ምስ እትስዕር ጽሩይ ሕልና ተጥሪ: ብዛዕባ ርእስኻ ግቡእ ኣኽብሮት ተማዕብል: ዝያዳ ስነ-ምግባራዊ ሓይሊ ትረክብ: ምስ ኣምላኽ ድማ ጥብቂ ርክብ ይህልወካ። ሓንቲ ኣብ መወዳእታኡ ግብረ-ሕቡእ ዘቋረጸት መንእሰይ “ኣብዚ ቃልሲ እዚ ንምዕዋት እትገብሮ ዅሉ ጻዕሪ ዓስቢ ዘለዎ ኢዩ” ትብል።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 26
◻ ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ሓሳብ ምሕሳብ ሓደገኛ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ መንእሰያት ነቲ ኣብ ሓሳቦም ዘሎ ንኸልግስዎ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
◻ ሓደ መንእሰይ ነቲ ግብረ-ሕቡእ ንኽፍጽም ዘለዎ ፈተና ንኸወግድ እንታይ ክገብር ይኽእል፧
◻ መንፈሳዊ መከላኸሊ ምውሳድ ሓጋዚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ነዚ ልምዲ እዚ ኣብ ምቍራጽ ጸሎት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧
◻ በዚ መዳይ እዚ ግድል ምስ ዝህልወካ ንሓደ ኻልእ ሰብ ምውካስ ሓጋዚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
[Box/Picture on page 208, 209]
ስእለ-ጽዩፍ ልምዲ ዘሕድርን ሓደገኛን ኢዩ!
“ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ዝኸድካዮ ኢዩ ዘሎ። ኣብ መገዲ ክትከይድ ከሎኻ ኣብቲ ጋዜጣን መጽሔትን ዝሽየጠሉ ቦታ ተዘርጊሑ ትረኽቦ” በለ ሓደ ሮናልድ እተባህለ ወዲ 19 ዓመት። ቀጺሉ ኸኣ “ገለ ካብ መማህራንና እውን ካብ ሓደ ኽፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ዘለዎም ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክርእይዎ ናብ ቤት ትምህርቲ ሒዞምዎ ይመጹ ኢዮም” ይብል። እወ: እተፈላለየ ዕድመ: ድሕረ-ባይታ: ከምኡውን እተፈላለየ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ቅሉዕ ዝዀነ ስእለ-ጽዩፍ የንብቡን ይርእዩን ኢዮም። ማርክ እተባህለ መንእሰይ ከምዚ ይብል:- “ዳርጋ ዕርቃነን ዝዀና ስእሊ ኣዋልድ ዝሓዘ መጽሔት ምንባብን ምርኣይን ንስምዒትካ ዘለዓዕል ኢዩ! . . . ሓዳስ መጽሔት ንኽትወጽእ ተሃንጥየ ኢየ ዝጽበ: ከመይሲ ሓንቲ መጽሔት ርእየ ምስ ወዳእኩ እንደገና ምድጋማ ከምቲ ናይ ቅድም ዓይነት ስምዒት ኣይትፈጥረለይን ኢያ። ልምዲ ከም ዝሓድረካ ዝገብር ኢዩ።” እንተዀነ ግን: እዚ ጽቡቕ ልምዲ ድዩ፧
‘ጾታዊ ርክብ ገዛእ ርእስኻ ንምዕጋብ ተባሂሉ እተገብረ ኢዩ’ ዝብል ሓሳብ ቀንዲ መልእኽቲ ስእለ-ጽዩፍ ኢዩ። ዝበዝሕ ትሕዝትኡ ምግሳስን ብዓመጽ ጾታዊ ባህግኻ ምዕጋብን ኢዩ። መብዛሕትኦም ስእለ-ጽዩፍ ዝርእዩ ሰባት በቲ “ደሓን” ዝበሃል ዓይነት ስእለ-ጽዩፍ (ሶፍት-ኮር) ብዙሕ ኣይዓግቡን ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ዝያዳ ጽዩፍ ዝዀነ ስእልታት ወይ ፊልምታት ክርእዩ ይደልዩ! ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ዮርክ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ኤርነስት ቫን ደን ሄግ ከምዚ በለት:- “ስእለ-ጽዩፍ ንኻልኦት ስምዒትና ንምዕጋብ ኢልና እንጥቀመሎም ኣቕሓ ገይርና ከም እንርእዮም ኢዩ ዝገብረና።”
ኣብ ርእሲ እዚ ስእለ-ጽዩፍ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ጠዋይ ኣረኣእያ ከም ዝህልወና ኢዩ ዝገብር: እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓዳር ግድላት ዝፈጥር ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ በዓልቲ ሓዳር ከምዚ ትብል:- “ስእለ-ጽዩፍ: ምስ ሰብኣየይ ኣብቲ መጽሓፍ ዝረኣኽዎ ዘይንቡር ነገራት ንኽገብር ባህጊ ኣሕዲሩለይ። እዚ ድማ ብጾታዊ ርክብ ዝመጸ ዅሉ ግዜ ዘይዓግብን ተስፋ ዝቘርጽን ገበረኒ።” ስእለ-ጽዩፍ ዝርእዩ ሰብኡት ዘለውወን ደቂ ኣንስትዮ እቲ ተግባር ኣብ ርክቦም ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ኣብ ብኣማእታት ዝቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ብ1981 መጽናዕቲ ተገብረ። ዳርጋ ፍርቀን ከቢድ ግድል ከም ዘስዓበለን ኢየን ገሊጸን። ብሰንኩ ገለ ሓዳር ወይ ሕጸ ፈሪሱ ኢዩ። ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ከምዚ ኢላ ሓዘና ገለጸት:- “ነቲ [በዓል ቤተይ] ብስእለ-ጽዩፍ ጾታዊ ስምዒቱ ከዕግብ ዘለዎ ድሌትን ባህግን ክበቕዖ ኣይክእልን ኢየ። . . . ንዕኡ ከዕግቦ ዝኽእል ሰበይቲ ነይረ እንተ ዝኸውን ኢለ ኢየ ዝምነ: ንሱ ግን ኣርቲፊሻልን ናይ ሓቂ ዘይኰነን ኢዩ ዝደሊ: እዚ ድማ ኣዝዩ ጐድኣኒ። . . . ስእለ-ጽዩፍ . . . ጸረ ፍቕሪ ኢዩ . . . ሕማቕ: ግዕዙይ: ኣዕናዊ ኢዩ።”
ንክርስትያን መንእሰያት ዝያዳ ከተሓሳስቦም ዘለዎ ግን ስእለ-ጽዩፍ ምስቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ንኽዀኑ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝጻረር ብምዃኑ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:17–7:1) መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ‘ብሰሪ ትሪ ልቦም ድንዙዛት ኰይኖም ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ’ ይብለና። (ኤፌሶን 4:18, 19) ከምዚ ዝኣመሰለ ብልሽውና ከጋጥመካ ትደሊዶ ኢኻ፧ ሳሕቲ ምርኣይ እውን ይኹን ስእለ-ጽዩፍ ንሕልና ናይ ሓደ ሰብ ከም ዘደንዝዞ ኣይትረስዕ። ንገለ ክርስትያን መንእሰያት ግብረ-ሕቡእ ናብ ምፍጻም: አረ ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ከም ዝወድቁ እውን ገይርዎም ኢዩ። ካብ ስእለ-ጽዩፍ ናጻ ምዃን እምበኣር መገዲ ጥበብ ኢዩ።
“ዝበዝሕ ግዜ ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ቅድመይ ኢዩ ዝጸንሓኒ” ይብል መንእሰይ ዳሪል። ቀጺሉ ኸኣ “ስለዚ ድማ ሓንሳእ ጥራይ ቍሊሕ ምስ በልኩ እርእዮ፣ ካልኣይ ግዜ ግን ኣይርእዮን ኢየ” በለ። እወ: ኣብ ቃልዕ ቦታ ምስ ዝኸውን ናብኡ ገጽካ ቍሊሕ ኣይትበል: ደቂ ኽፍልኻ ንኽትርኢ ክደፋፍኡኻ እውን ኣይተፍቅደሎም። ካረን እትበሃል ጓል 18 ዓመት ከምዚ ትብል:- “ዘይፍጽምቲ ብምዃነይ ንሓሳበይ ኣብ ንጹህን ጽቡቕን ነገራት ጥራይ ከም ዝሓስብ ክገብሮ ከቢድ ኢዩ። ኰነ ኢለ ስእለ-ጽዩፍ ዝርኢ እንተድኣ ዀይነኸ ዝያዳ ዘኽብዶዶ ኸይኰነ፧”
[Picture on page 206]
“ጸሎት ቅጽበታዊ ዝዀነ ሓይሊ ኽትረኽበሉ እትኽእል ጸግዒ ኢዩ። እቲ ስምዒት ኣብ ዝለዓለሉ ህሞት ምጽላይ ብሓቂ ሓጋዚ ኢዩ”