ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • dg ክፋል 2 ገጽ 3-4
  • ካብ ስቓይ ናጻ ዝዀነት ምድሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ስቓይ ናጻ ዝዀነት ምድሪ
  • ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!
    እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!
  • መከራ ብምዕጋስ ክንጥቀም ንኽእል ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንዘለኣለም ምንባር ሕልሚ ኣይኰነን
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
dg ክፋል 2 ገጽ 3-4

ክፍሊ 2

ካብ ስቓይ ናጻ ዝዀነት ምድሪ

1, 2. ብዙሓት ሰባት ከመይ ዝበለ ፍሉይ ርእይቶ ኢዩ ዘለ⁠ዎም፧

ዝዀነ ዀይኑ ኣብ ዓለም ካብዚ ኣዝዩ እተፈልየ ርእይቶ ዘለዎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣለው። ንሳቶም ወድሰብ ሓደ ኣዝዩ ዘደንቕ መጻኢ ግዜ ይጽበዮ ከም ዘሎ ኣማዕድዮም ይርእይዎ ኣለዉ። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ካብ እከይን ስቓይን ናጻ ዝዀነት ዓለም ክትህሉ ኢያ ይብሉ። እዚ ዅሉ ክፉእ ዝዀነ ነገራት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ተኣልዩ ሓንቲ ሓዳስ ዓለም ክትቀውም ምዃና ይተኣማመኑ ኢዮም። አረ እቲ መሰረት ናይዛ ሓዳስ ዓለምውን ሕጂ ይስረት ኣሎ ኢዮም ዝብሉ!

2 እዞም ሰባት እዚኣቶም እታ ሓዳስ ዓለም ካብ ውግእ: ጭካነ: ዓመጻ: ምቕናን ፍትሕን ድኽነትን ናጻ ከም እትኸውን ኢዮም ዝኣምኑ። ሕማም: ሓዘን: ንብዓት: ሞትውን እንተዀነ ዘይብላ ዓለም ክትከውን ኢያ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ሰባት ናብ ፍጽምና ኪበጽሑን ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ብሓጐስ ኪነብሩን ኢዮም። እቶም ዝሞቱውን ከይተረፈ ኪትንስኡን ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኪረኽቡን ኢዮም!

3, 4. እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት በቲ ሒዞሞ ዘለዉ ኣረኣእያ ዝተኣማመኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

3 ከምዚ ዝበለ ርእይቶ ብዛዕባ መጻኢ ግዜስ ሕልሚ: ስምዒታዊ ባህጊ ጥራይ ዶዀን ይኸውን፧ ኣይፋሉን: ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን። ምምጻእ ናይታ ገነት ኣብ ሓደ ጽኑዕ እምነት እተሰረተ ስለ ዝዀነ ከይተፈጸመ ኣይተርፍን ኢዩ። (እብራውያን 11:1) ስለምንታይ ኢዮም ግና ክሳዕ ክንድዚ ርግጸኛታት ኰይኖም ዘለዉ፧ ምኽንያቱ እቲ ዅሉ ዝኽእል ፈጣሪ ናይዚ ኣድማስ እዚ ዘተስፈዎ ስለ ዝዀነ ኢዩ።

4 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መብጽዓታት ናይ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።” “ኣምላኽ ከይሕሱ: ሰብ ኣይኰነን።  . . . ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧” “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሐለ፤ ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብኩዎ ኪኸውን: ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ።”​—⁠እያሱ 23:14፣ ዘሁልቍ 23:19፣ ኢሳይያስ 14:24

5. እንታይ ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም መልሲ ዘድልዮም፧

5 ዕላማ ኣምላኽ ካብ ስቓይ ናጻ ዝዀነት ምድራዊት ገነት ንምቛም እንተድኣ ኰይኑስ ስለምንታይ ደኣ ኢዩ ካብ መጀመርታኡ ክፉእ ነገር ክፍጸም ዘፍቀደ፧ ነቲ ተባላሽዩ ዘሎ ምእንቲ ከዐሪ ኢሉ ንምንታይ ኢዩ ክሳዕ እዚ ግዜና: ንሽዱሽተ ሽሕ ዓመታት ዝኣክል እተጸበየ፧ እዚ ዅሉ ናይ ስቓይ ዘበናትሲ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ዘይግደስ ምዃኑ ወይ ድማ ህላዌ ዘይብሉ ምዃኑ ዝሕብር ዶዀን ይኸውን፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ