ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • dg ክፋል 5 ገጽ 10-12
  • እቲ ዘደንቕ ውህበት ናይ ናጻ ድሌት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ዘደንቕ ውህበት ናይ ናጻ ድሌት
  • ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብኸመይ ከም እተሰራሕና
  • እቲ ዝበለጸ ኣጀማምራ
  • ደረት ዘለዎ ናጽነት
  • ናይ መን ሕግታት፧
  • ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ኣኽቢርካ ርኣዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ኣምለኽቲ የሆዋ ዝረኸብዎ ሓርነት
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • መገዲ ናይ ሓቂ ሓርነት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ኣምላኽ ስቓይ ክህሉ ዘፍቀደሉ እዋን ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
dg ክፋል 5 ገጽ 10-12

ክፍሊ 5

እቲ ዘደንቕ ውህበት ናይ ናጻ ድሌት

1, 2. ክፍሊ ናይ ኣፈጣጥራና ዝዀነ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ውህበት ኢዩ ዘሎና፧

ኣምላኽ ስለምንታይ ንስቓይ ክቕጽል ከም ዘፍቀደን: ንዕኡ ንምውጋድ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዝዀነን ምእንቲ ክንርዳእ ኣቐዲምና ከመይ ኢሉ ከም ዝፈጠረና ምፍላጥ የድልየና። ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ካብ ኣካልን ሓንጎልን ሓሊፉ ካልእውን ሂቡና ኣሎ። ፍሉይ ዝዀነ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ባህሪ ዘሎና ኴንናውን ተፈጢርና ኢና።

2 ሓደ ካብቲ ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣሰራርሓና ናጻ ድሌት ኢዩ። እወ: ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ናይ ምርጫ ናጽነት ተኺሉልና ኣሎ። እዚ ብርግጽ ሓደ ካብኡ እተቐበልናዮ ዘደንቕ ውህበት ኢዩ።

ብኸመይ ከም እተሰራሕና

3-5. ናጻ ድሌት ዘሐጕሰና ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ናጻ ድሌት ኣብቲ ኣምላኽ ስቓይ ክቕጽል ምፍቃዱ ብኸመይ ኣትዩ ከም ዘሎ እስከ ንርአ። ብመጀመርታ እስከ ነዚ ዝስዕብ ኣስተብህለሉ:- እንታይ ከም እትገብርን እትብልን: እንታይ ከም እትበልዕን እትኽደንን: እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሰርሕን: ኣበይ ቦታ ክትነብር ከም ዘሎካን ብናጻ ክትመርጽ ምኽኣልካ ኣየሐጕሰካንዶ፧ ወይስ ሓደ ሰብ ንዝዀነት እተውጽኣ ቃልን እትገብራ ነገርን እናተቖጻጸረ ክውስነልካ ኢኻ እትደሊ፧

4 ሓደ ጥዑይ ናይ ምሕሳብ ክእለት ዘለዎ ሰብ ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ካብ ቍጽጽሩ ክትወጽእ ኣይደልን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ከምኡ ገይሩ ስለ ዝፈጠረና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንሰብ ‘ብመልክዑን ብምስሉን’ ከም ዝፈጠሮ ይነግረና: ሓደ ካብኡ ድማ እቲ ኣምላኽ ዘለዎ ናጻ ድሌት ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:26፣ ዘዳግም 7:6) ኣምላኽ ንሰባት ክፈጥሮም ከሎ እዛ ድንቂ ዝዀነት ባህሪኡ ማለት ናይ ናጻ ድሌት ውህበት ሂብዎም ኢዩ። በቶም ዝጭቁኑ ገዛእቲ ባሮት ክንከውን ከሎና ሓደ ካብቲ እነስቈርቍረሉ ምኽንያት እዚ ኢዩ።

5 እምበኣርከስ: እዚ ንናጽነት ዘሎና ባህጊ ብኣጋጣሚ ዝመጸ ኣይኰነን: ምኽንያቱ ኣምላኽ ናይ ናጽነት ኣምላኽ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 3:17) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ኣምላኽ ክፍሊ ናይ ባህርያትና ክኸውን ኢሉ ናጻ ድሌት ዝሃበና። ኣእምሮናን ሰምዒትናን ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ስለ ዝፈልጦ ናጻ ድሌት ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ክገብረና ከም ዝኽእል ይፈልጥ ኢዩ።

6. ብኸመይ ኢዩ ኣምላኽ ንኣእምሮና ምስ ናጻ ድሌት ተወሃሂዱ ክሰርሕ ዝፈጠሮ፧

6 ምስ ናጻ ድሌት ጐኒ ንጐኒ ዝኸዱ: ከም እኒ ናይ ምሕሳብ ክእለት: ምምዝዛን: ውሳኔ ምግባርን ነቲ ቅኑዕ ካብቲ ግጉይ ፈሊኻ ምፍላጥ ዝኣመሰሉውን ኣምላኽ ሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 5:14) ናጻ ድሌት እምበኣር ሓሲብካ ብምስትውዓል ኣብ ዝግበር ምርጫ እተመስረተ ኢዩ። ንሕና ከምቶም ኣእምሮ ዘይብሎም ናይ ገዛእ ርእሶም ድላይ ክገብሩ ዘይክእሉ ሮቦት ኴንና ኣይተፈጠርናን። ወይ ድማ ከምቶም እንስሳታት ብባህርያዊ ድፍኢት ክንነብር ኢልናውን ኣይተፈጠረናን። ኣብ ክንዳኡስ እቲ መስተንክር ኣእምሮና ምስቲ ናጻ ድሌትና ተወሃሂዱ ክዓዪ ተባሂሉ ኢዩ ተፈጢሩ።

እቲ ዝበለጸ ኣጀማምራ

7, 8. ነቶም ቀዳሞት ወለድና ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣጀማምራ ኢዩ ዝሃቦም፧

7 ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን: ምስቲ ውህበት ናይ ናጻ ድሌት: ዝዀነ ይኹን ሰብ ክብህጐ ዝኽእል ኣማሊኡ ብምሃቡ: ክሳዕ ክንደይ ሓላዪ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ኣብ ሓደ ዓቢ ስፍራ ኣታኽልቲ ዝመስል ገነት ኢዩ ኣስፊሩዎም። ኣኽል-ታርፍ ስጋዊ ሃብቲ ኢዩ ነይርዎም። ፍጹም ዝዀነ ኣእምሮን ኣካልን ስለ ዝነበሮም: ዘይኣርጉ: ዘይሓሙ ወይ ዘይሞቱ ኢዮም ነይሮም። ንዘለኣለም ክነብሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ዘሐጕስ ዘለኣለማዊ መጻኢ ግዜ ዝጽበዮም: ፍጹማት ቈልዑ ክወልዱውን: ይኽእሉ ነይሮም። ነቲ እናሰሰነ ክኸይድ ዝነበሮ ህዝቢ ድማ ንምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥ ዝዕላምኡ ባህ ዘብል ስራሕ ነይርዎ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:26-30፣ 2:15

8 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ተዳልዩ ዝነበረ ነገር ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ።” (ዘፍጥረት 1:31 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ “ግብሩ ፍጹም እዩ” ይብሎ። (ዘዳግም 32:4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ፈጣሪ ንሰብኣዊ ስድራቤት ፍጹም ኣጀማምራ ኢዩ ገይሩሎም። ካብዚ ዝበልጽ ኣጀማምራ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ከመይ ዝበለ ዝግደስ ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ ዘርኣየ!

ደረት ዘለዎ ናጽነት

9, 10. ናጻ ድሌት ግቡእ ቀይዲ ክግበሮ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነዚ ናጻ ድሌት ብዘይ ደረት ክኸውን ድዩ ዕላምኡ ነይሩ፧ እስከ ሓንቲ ብዙሓት መካይን ዝንቀሳቐሳላ: ናይ ትራፊክ ሕጊ ዘይብላ: ነፍሲ ወከፍ ድማ ብዝደለዮ መገድን ፍጥነትን ዝጓዓዘላ ከተማ እሞ ሕሰብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ማኪና ክትዝውርዶ ምደሌኻ፧ ኣይምደሌኻን። እዚ ናይ ትራፊክ ዕግርግር ብምፍጣር ብዙሕ ሓደጋታት ዘስዕብ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።

10 እቲ ናይ ኣምላኽ ውህበት ዝዀነ ናጻ ድሌትውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ደረት ዘይብሉ ናጽነት ምሃብ ኣብቲ ማሕብረሰብ ዕግርግር ኢዩ ዘስዕብ። ነቲ ምንቅስቓስ ናይ ሰብ ዝመርሕ ሕጊ ክህሉ ይግባእ። ቃል ኣምላኽ “ከም ውጹኣት ሓራ . . . እምበር: ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኹኑ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 2:16) ናይ ሓባር ጥቕሚ ምእንቲ ከምጽእ ኣምላኽ ነዚ ናጻ ድሌት ብስርዓት ክኸውን ኢዩ ዝደልዮ። ዕላምኡ ደረት ዘይብሉ ናጽነት ክህልወና ዘይኰነስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝግዛእ ተዛማዲ ናጽነት ክህሉ ኢዩ ነይሩ።

ናይ መን ሕግታት፧

11. ንናይ መን ሕግታት ከም እንእዘዝ ኰይና ኢና ተፈጢርና፧

11 ንናይ መን ሕግታት ከም እንእዘዝ ኴንና ኢና ተፈጢርና፧ 1 ጴጥሮስ 2:16 ኣብቲ ካልኣይ ክፋላ ከም ትርጉም ዘ ጀሩሳሌም ባይብል “ብዘይካ ናይ ኣምላኽ ናይ ካልእ ባሮት ኣይኰንኩምን” ትብል። ብሕጊ ኣምላኽ ምስ እንመላለስ ከም እንሕጐስ ኴንና ስለ እተፈጠርና: ባርያ ኣምላኽ ምዃን ሕሱም ጭቆና ዘለዎ ባርነት ኣይኰነን። (ማቴዎስ 22:35-40) ካብቲ ብሰብ ዝወጸ ሕግታት: እቲ ዝበለጸ መምርሒ ዝህብ ሕግታት ናይ ኣምላኽ ኢዩ። “ነቲ ዝጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።”​—⁠ኢሳይያስ 48:17

12. ኣብ ውሽጢ ሕግታት ናይ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ናጻ ድሌት ኢዩ ዘሎና፧

12 ብተወሳኺ ድማ እቲ ዝዓበየ ናጽነት ናይ ምምራጽ ዝርከብ ኣብ ውሽጢ እቲ ዶባት ናይ ሕግታት ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ድማ ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነት ስለ ዝህልዎ ንህይወት ሰብኣዊ ስድራቤት መሳጢ ይገብሮ። ነዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት መግቢ: ክዳን: ሙዚቃ: ስነ-ጥበብ: ገዛውቲ እስከ ሕሰብዎ። ኣብዞም ነገራት እዚኣቶም ባዕልና ምርጫና ክንገብር እምበር ካልእ ሰብ ክውስነልና ፈጺምና ኣይንደልን ኢና።

13. ንርእስና ምእንቲ ክሕሸና ከመይ ዝበሉ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ኢና ክንእዘዞም ዘሎና፧

13 ስለዚ ነቲ ናይ ሰብ ባህርያት ክመርሕ ተባሂሉ እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ብምእዛዝ ሕጉሳት ክንከውን ኢና ተፈጢርና: ነቲ ናይ ኣምላኽ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ምእዛዝ ከኣ ምስ እዚ ዝመሳሰል ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ናይ ስሕበት ሕጊ ነጺግና ካብ በሪኽ ቦታ ምስ እንዘልል ንስበር ወይ ከኣ ንመውት። ከምኡውን ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላትና ሕግታት ነጺግና ምብላዕ: ምስታይ ወይ ምስትንፋስ ምስ እነቋርጽ: ንመውት።

14. ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ንበይኖም ክዀኑ ከም ዘይተፈጥሩ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

14 ልክዕ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ክንግዛእ ዝግብኣና ኴንና እተፈጠርና: ነቲ ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ሕግታት ናይ ኣምላኽ ክንግዛእ ዘድልየና ኴንና ኢና ተፈጢርና። (ማቴዎስ 4:4) ደቅሰብ ካብ ፈጣሪኦም ርሒቖም ብዅሉ ከም ዝቐንዖም ኰይኖም ኣይተፈጥሩን። ነብዪ ኤርምያስ ከምዚ ይብል:- “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዝመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ከም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ። ጎይታየ: ቅጽዓኒ [“ዎ የሆዋ ኣርመኒ:” ትሓዓ]።” (ኤርምያስ 10:23, 24) ስለዚ እምበኣር ሰባት ብዅሉ መገዲ: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ ክነብሩ ደኣ እምበር ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ክመላለሱ ኣይተፈጥ⁠ሩን።

15. ሕግታት ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ከቢድ ጾርዶ ምዀኖም ነይሩ፧

15 ነቶም ቀዳሞት ወለድና ሕጊ ኣምላኽ ምእዛዝ ከቢድ ጾር ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ ንዕኦምን ንዅሎም ሰብኣዊ ስድራቤትን ንሰናዮም ምዀነ ነይሩ። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ውሽጢ ዶብ ሕጊ ኣምላኽ ጸኒዖም እንተዝዀኑ ነይሮም ኵሉ ነገር ጽቡቕ ምኸደ ነይሩ። አረ ከም ሓንቲ ፍቕርትን ስምርትን ስድራቤት ናይ ወዲ ሰብ ኣብ ሓንቲ ውቅብቲ ናይ ሓጐስ ገነት ንነብር ምሃለና ነይርና! እከይን ስቓይን ሞትን ኣይምሃለዉን ነይሮም።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ፈጣሪ ንሰባት ፍጹም ኣጀማምራ ገበረሎም

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ትራፊክ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ መካይን ኣብ ዝበዝሓኦ መገዲ ክትዝውርዶ ምደሌኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ